ክልቲኤን ኮርያታት ድሕሪ ዘካየደኦ ታሪኻዊ ዘተ ኒኩለር ንምዉጋድ ተሰማሚዐን

ኪምን ሙንን ኣፈላላይ ክልቲኤን ሃገራት ክኣልዩ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መራሕቲ ሃገራት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ድሕሪ ዘካየድዎ ታሪካዊ ዘተ ዞባ ኮርያ ካብ ኒኩለር ናጻ ክኸዉን ተሰማሚዖም።

እዚ ድሕሪ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኣንን መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጂ ኢንን ዘካየድዎ ዘተ ዕላዊ እንትኾን፡ ኣብ 1953 ዝተኻየደ ኲናት ኣብዚ ዓመት ብሰላማዊ ዉዕሊ ክዛዘም ተረዳዲኦም።

ዞባ ኮርያ ካብ ኒኩለር ናጻ ዝኾነሉ ኣገባብ ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሰሜን ኮርያ እዚ ንምዕዋት ዘለዋ ዉፍይነት ስግኣት ከምዘለዎም ተንተንቲ ይገልጹ።

ኪም ጆንግ ኡን፡ ምስ ደቡብ ኮርያዊ መዘንኡ ሕሉፍ ታሪኽ እተን ሃገራት ከይድገም ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ።

"ጎንጺ፣ ጸገምን ሕርቃንን ክህሉ ይኽእል'ዩ" ዝበለ ኪም "ዓወት ግና ብዘይ ስቓይ ኣይርከብን" ኢሉ።

ፈላማይ ዘተ መራሕቲ ሃገራት ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልኦት እቶም መራሕቲ ዝተሰማምዑሎም ሓበራዊ ጉዳያት

  • ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበሩ "ዘቀሓሕሩ ምንቅስቓሳት" ጠጠዉ ምባል
  • ክልቲኤን ሃገራት ዝኸፈለን ካብ ወተሃደራት ናጻ ዝኾነ ዞባ ናብ ሰላማዊ ዞባ ምቕያር
  • ወተሃደራዊ ምትፍናን ዘንግስ ኣብቲ ቐጠና ዝዘዋወር ኣጽዋር ምንካይ
  • ቻይናን ኣሜሪካን ዝሓወሰ ሰለስተኣዊ ዘተ ምክያድ
  • ብኲናት ዝተፈላለዩ ስድራ ክልቲኤን ኮርያ ምርኻብ
  • ኣብ ወሰን ክልቲኤን ሃገራት መጓዓዝያ ባቡርን መገድን ምጥንኻር
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ብሓባር ምስታፍ