ክልቲኤን ኮርያታት ድሕሪ ዘካየደኦ ታሪኻዊ ዘተ ኒኩለር ንምዉጋድ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሕቲ ሃገራት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ድሕሪ ዘካየድዎ ታሪካዊ ዘተ ዞባ ኮርያ ካብ ኒኩለር ናጻ ክኸዉን ተሰማሚዖም።
እዚ ድሕሪ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኣንን መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጂ ኢንን ዘካየድዎ ዘተ ዕላዊ እንትኾን፡ ኣብ 1953 ዝተኻየደ ኲናት ኣብዚ ዓመት ብሰላማዊ ዉዕሊ ክዛዘም ተረዳዲኦም።
ዞባ ኮርያ ካብ ኒኩለር ናጻ ዝኾነሉ ኣገባብ ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሰሜን ኮርያ እዚ ንምዕዋት ዘለዋ ዉፍይነት ስግኣት ከምዘለዎም ተንተንቲ ይገልጹ።
ኪም ጆንግ ኡን፡ ምስ ደቡብ ኮርያዊ መዘንኡ ሕሉፍ ታሪኽ እተን ሃገራት ከይድገም ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ።
"ጎንጺ፣ ጸገምን ሕርቃንን ክህሉ ይኽእል'ዩ" ዝበለ ኪም "ዓወት ግና ብዘይ ስቓይ ኣይርከብን" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኦት እቶም መራሕቲ ዝተሰማምዑሎም ሓበራዊ ጉዳያት
- ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበሩ "ዘቀሓሕሩ ምንቅስቓሳት" ጠጠዉ ምባል
- ክልቲኤን ሃገራት ዝኸፈለን ካብ ወተሃደራት ናጻ ዝኾነ ዞባ ናብ ሰላማዊ ዞባ ምቕያር
- ወተሃደራዊ ምትፍናን ዘንግስ ኣብቲ ቐጠና ዝዘዋወር ኣጽዋር ምንካይ
- ቻይናን ኣሜሪካን ዝሓወሰ ሰለስተኣዊ ዘተ ምክያድ
- ብኲናት ዝተፈላለዩ ስድራ ክልቲኤን ኮርያ ምርኻብ
- ኣብ ወሰን ክልቲኤን ሃገራት መጓዓዝያ ባቡርን መገድን ምጥንኻር
- ኣብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ብሓባር ምስታፍ
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







