ድቡብ ኮርያ ምስ ጎረቤታ ሰሜን ኮርያ ዝጀመረቶ ዝርርብ "ብንጹር ራእይ" ክትቅጽሎ ኢያ

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንዘተ ተራኺበን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንዘተ ተራኺበን

መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ነቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝጀመረቶ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝርርብ "ብንቑሕ መንፈስ" ክትቅጽሎ ምዃና ክትገልጽ እንከላ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ግና መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ነቲ ዝርርብ ከም መምጠጢ ግዜ ብምጥቃም ነቲ ዘለዋ መደብ ምምዕባል ኣጽዋር ኒዩክሌር ንምቕጻል ከይትጥቀመሉ ከምዝሰግኡ ይገልጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ፡ ካንግ ክዩንግ ዋ ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ "ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምቹእ ኩነት ክንጥቀመሉ ኣሎና" ኢላ።

ኣቐድም ኣቢሉ እዘን ክልተ ኮርያ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ "ብሓንቲ ባንዴራ ኮርያ" ክቐርባ ተሰማሚዐን ነይረን።

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኮርያ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ፡ ኣብቲ መንግስቲ ኣሜሪካን ሰብ ኪዳኑን ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝግበር ጸቕጢ ክዛይድ ኣብ ዝጽዋዓሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ተኻይዱ።

ብረቡዕ 17 ጥሪ፡ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ኣሜሪካ፡ ሬክስ ቲሌርሶን እቲ እገዳ "ብሓቂ ሃስያ እናፈጠረ ኢዩ"ኢሉ።

መራሕቲ ክልተ ኮርያታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብርእሰ ምትእምማን ድማ እቲ ጸቕጢ ኣብ መወዳእታ ንሰሜን ኮርያ ብዛዕባ ኒዩክለራውን ባሊስቲክ መደባታን ክትዝቲ ከገድዳ ኢዩ ድማ ኢሉ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ፕሬዚደንት ዶናላድ ትራምፕ "ኣሜሪካ ንድሕነታን ድሕነት ሰብ ኪዳናን ክትብል ንሰሜን ኮርያ ክትድምስሳ ኢያ ኢሉ ነይሩ።

ትማሊ ረቡዕ ድማ፡ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ጃፓን፡ ታሮ ኮኖ ዓለም በዚ ናይ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ "ዝማርኽ መጥቃዕቲ" ክትህመል የብላን ኢሉ።

"ነቲ ጸቕጢ ነፍኩሰሉ ወይ ድማ ንደቡብ ኮርያ ንሽልመሉ እዋን ኣይኮነን" ድማ ኢሉ ኮኖ።

"ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ምዝታያ፡ እቲ እገዳ ይሰርሕ ከምዘሎ ኢዩ ዘርኢ" ኢሉ ሮይተርስ ናይ ዜና ማዕከን።

ባንዴራ ሕብረት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ናይ ኣስታት 70 ዓመታት ምፍልላይ ውህደትን ሰላምን ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ክልተ ኮርያ

መርገጺ ደቡብ ኮርያ ንዘተ ብኸመይ ይርአ?

ካንግ ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ፡ "ንሕና ዝያዳ ካልኦት ንሰሜን ኮርያ ንፈልጣ፡ ምኽንያቱ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስኦም ውልዕ ጥፍእ ዝብል ዝርርብ ስለዘካየድና። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምስ ሰሜን ኮርያ ቁምነገር ዘለዎ ጽምዶ ኣየካየድናን። "ነዚ ናይ ሕጂ ኩነት ድማ ክንጥቀመሉ ኣሎና" ኢላ።

እንታይ ኢዮም ብዛዕባ ኦሎምፒክ ተሰማሚዖም?

እቲ መደብ እንትድኣ ተተግቢሩ፡ ደቡብ ኮርያ 230 ዝኾኑ ደገፍቲ [ቲፎዞ] 140 ሙዚቀኛታትን 30 ናይ ታይኮንዶ ስፖርተኛታትን ኣብቲ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ክሳተፉ ተጽቢት ኣሎ።

እዚ ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንፈለማ እዋን እቲ ንኽልቲኤን ሃገራት ዘራኽብ ኣብ ዶብ ዝርከብ ጽርግያ ክኽፈት'ዩ ማለት ኢዩ።

ብተወሳኺ ክልቲኤን ሃገራት ኣብቲ ናይ ደቀንስትዮ ናይ በረድ ሆኪ [ኣይስ ሆኪ] ውድድር ሓንቲ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ዝተዋጸአት ጋንታ ከሰልፋ ተሰማሚዐን። እዚ ድማ ንፈለማ እዋን ኣትሌታት ክልቲኤን ኮርያ ብሓባር ክወዳደሩ ኢዮም ማለት ኢዩ።

እቲ ውድደር ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ኢዩ ክካየድ።