ዉድባዊ ጉባኤ ኦዴፓ፡ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ብምምራጽ ተዛዚሙ

ኣቦ መንበር ኦዴፓ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, OPD OFFICAL_FB

ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ ጅማ ዉድባዊ ጉባኤኡ ከካይድ ዝቐነየ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ (ዲሞክራሲያዊ ግንባር ህዝቢ ኦሮሞ ናይ ቀደም ሽሙ)፡ ሓደሽቲ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ፈፃሚ ስራሕን ብምምራጽ ጉባኤኡ ዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ፡ ሽምን ኣርማን ገዛኢ ዉድብ ኦሮሚያ'ዉን ዝቐየረ እንትኾን፡ ዉጽኢታዉን ቐጻሊ ኣንፈታት ዘነጸረን ከምዝነበረ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተመረጹ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ (ቀዳማይ ሚኒስትር) ተዛሪቦም።

ኣብዚ ጉባኤ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኾይኖም ዘገልግሉ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 81 ሰባት፡ ናብቲ ሓድሽ ዝተመረጸ ኮሚቴ ክጽምበሩ በቲ ጉባኤ ዝተጠቆሙ 19 እንትኾኑ፡ ካብዚኦም ግና እቶም 16 ጥራሕ'ዮም ድምጺ ረኺቦም ኢሎም።

"ኦዴፓ፡ ዝተምሃሩ፣ ንምምራሕ ዝተዳለዉን ብቕዓት ዘለዎምን መናእሰይ ናብ ቕድሚት ክመጽኡ፣ ብቕዓት ኣመራርሕኡ፡ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ክወስድ ብዘኽእል ቑመና ዓርሱ ዘዳለወ ብምዃኑ ካልኦት ዉድባት ካብዚ ፓርቲ ክወስዳ ይግባእ" ዝብል መልእክቲ ድማ ኣሕሊፎም።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኢሎም እቶም ኣቦ መንበር፡ "ኣብ ጉባኤና ህዝቢ ኦሮሞ ከም ባህሉ ንልምዓትን ሰላምን ኢትዮጵያ ሓላፍነት ዘለዎን ብተግባር ዘረጋግጽ ከመዝኾነ ብዝርዝር ተዛቲና፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝፍጠሩ ጸገማት ሕጊ ተኸቲልኻ ብምፍታሕ ሕዚ ዝተጀመረ ለውጢ ንቕድሚት እንወስድ እምበር ብዝኾነ ይኹን ፈተና ተዓንቂፍና እቲ ለውጢ ጠጠው ከምዘይንብል ኣረጋጊጽና ኣለና" ኢሎም።

"እቲ ለውጢ ትኽስ ዝብል መሲሉዎም፡ ገንዘቦምን ግዝኦም ዘባኽኑ ዘለዉ፡ ሓይልታት ጥፍኣት፡ ንነዊሕ ግዘ ሓሲብናን ተወዲብናን ዝጀመርናዮ ቓልሲ ብንኣሽቱ ፈተነታት ጠጠው እነብል ከምዘይኾንናን፡ እቲ ዝረኸብናዮ ዓወት ብደም፡ ሰላምና ድማ ብደም እንሕሉ ምዃንና ክግንዘብ" ይግባእ'ዉን ኢሎም።

ጉባኤተኛታት ኦዴፓ

ምንጪ ስእሊ, OPD OFFICAL_FB

"ኢትዮጵያ እንስእላ ከም፡ ሽግን ዳሜራን'ዩ" ዝበሉ ዶክተር ኣብዪ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ጽባቐና ምትእኽኻብና ብምዃኑ፡ ኣንጻር ሓድነትና ዝኾነ ሓይሊ ብሓባር እንምክት ምኳንና እቲ ጉባኤ ኣረጋጊጽልኩም'ዩ" ዝብል መልእኽቶም ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም።