ግንባር ኣርበኞች ግን ምስ 'ግንቦት ሰባት' ከምዘይተፈላለዩ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AG7
ሎም ቅነ፡ ኣካል ምንቅስቓስ ኣርበኞች ግንቦት ሸውዓተ ዝነበረ ሓይሊ 'አርበኞች ግንባር' ካብቲ ውድብ ከምዝፍለ ክዝረብ ቀንዩ እዩ።
ውሃቢ ቃል ግንቦት ሸውዓተ፡ ኣይተ ኤፍሬም ማዴቦ ግን ''ልሙድ ናይ ማሕበራዊ መራኸብታት በለካ ለኽዓካ" እዩ ኢልዎ።
"ናብ ዓዲ እንትንኣቱ፡ እቲ ዝመፀ ውድብ 'ምንቅስቓስ ኣርበኞች ግንቦት ሰባት' ንሓድነትን ንዲሞክራስን እዩ። ኣርበኞች ግንቦት ሰባት ዝበሃል የለን። ካብ ውሽጢ ተነፂሉ ክወፅእ ዝኽእል ኣካል የለን። ተዋሂዶም እዮም" ክብል ኣይተ ኤፍሬም ንቢቢሲ ገሊፁ።
ብቴሌፎን ዘዘራረብናዮም ኣባል ፈፃሚት ስራሕ 'ኣርበኞች ግንባር'፡ ኣይተ መንግስቱ ወልደስላሴ ግን ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ሰንበት መግለፂ ከምዝወሃብ ብምሕባር ምፍልላዮም ሓቂ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆምልና።
ንብዙሕ ዓመታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዝገብ 'ፈፀምቲ ራዕዲ' ሰፊሩ ዝፀንሐ እዚ ውዳበ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ እዩ ምንቅስቓስ ክገብር ፀኒሑ።
ድሕሪ ምምፃእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ካብ መዝገብ ራዕዲ ተሰሪዙ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ደው ኣቢሉ ናብ ዓዲ ከምዝኣተወ ዝዝከር እዩ።
ኣይተ ኤፍሬም፡ ውድቦም ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰ ቅድሚ ሕዚ ብሕቡእ ይንቀሳቀሱ ንዝነበሩ ኣባላቱ ምስቲ ኣመራርሓ የላልዮም ምህላዉ ገሊፁ።
"የግዳስ አርበኞች ግንቦት ሰባት ቅድሚ ክልተ ወርሒ ካብ ዝነበሮ ኣብ ዝሓሸ ጥንካረ እዩ ዘሎ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







