ደቡብ ቻይና፡ ሓያል ህቦብላ ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ ብዙሕ ህይወት ቀዚፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ማንግኹት ተባሂሉ ዝፍለጥ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ነቲ ከባቢ ካብ ዝሃሰዩ ህቦብላታ ኣቲ ዝሓየለ`ዩ።
ብመሰረት ጸብጻባት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ክልተ ዛጊት ክልተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 2.5 ሚሊዮን ህዝቢ ድማ ካብ ጓንግዶንን ደሴት ሃይናን ከምወጹ ተገይሩ`ሎ።
ኣብ ሆንግ ኮንግ ድማ ህንጻታት ዓንዮም እታ ከተማ ድማ ተዓጽያ`ላ።
ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን እቲ ህቦብላ ካብ ገማግም ባሕሪ ሓሊፉ ንውሽጢ ሃገር ገጹ የምርሕ ኣሎ ንዞባታት ጉዡ፣ ቾንግኪንን ዩናን ናይ ቻይና ከጥቅዕ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።
ኣብ ማህበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ምስሊታት ቪድዮ ድማ ኣብታ ኣዝያ ዝተሃስየት ሆንግ ኮንክ ነዋሕቲ መንበሪ ህንጻታት ብሓያል ንፋስ ክንነዉ ተራእዮም።
መንገድታት ተዓጽዮም ኣገልግሎት መጓዓዚያ ምድሪ፣ ነፈርትን ባቡራትን ድማ ደው ከምዝብሉ ተገይሩ`ሎ።
እታ ከተማ ካብ ብርቱዕ መቕዘፍቲ ህይወት`ኳ እንተደሓነት ገና ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ብዕልቕልቕ ስለዝተሃስየን ጉዕዞታት ስለዝተዓናቐፉን ግን ገና ከቢድ ብድሆ ይጽበያ`ሎ።
ናብ ውሽጢ ሃገር ገጹ ይጓዓዝ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ህቦብላ ንፋስ ማንግኹት ሰሉስ ሓይሉ ክቕንስ ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።
`ዘይንቡር ሓያል` ንፋስ
ጸብጻብ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣሜሪካዊ ጋዜጠኛ ማት ቦሶንስ ካብ ሸንዠን
እቲ ንፋስ ንቡር ዘይብሉ ሓያል`ዩ እቲ ዝናብ ድማ ንናይ ምርኣይ ተኽእሉ ምሒር ኣዝዩ ደሪትዎ ይርከብ። ገና ብዙሓት ማዕበላት ድማ ካብ`ቲ ባሕሪ ናብተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሆቴላት ይመጽኡ ኣለዉ።
ሎሚ ንግሆ ካብ`ዚ ቦታ ንንወጽእ`ኳ እንተነበረና፡ ዓበይቲ ጎደናታትን ንሸንዡ ዘራኽቡ መስመራት ባቡራት ብምዕጻዎምን ግን ናይ ምውጻእ መደባትና ንዝቕጽሉ 24 ሰዓታት ተናዊሑ`ሎ።
ቁጽሪ ኣብ ሆንግ ኮንግ ናይ ዝተጎድኡ ሰባት 200 ከምዝበጽሐ ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ንፋሳት ድማ ኣብ ሰዓት 110 ማይልስ ክሕምበቡ እንከለዉ ዑምቀት መጠን ዕልቕልቕ ማይ ድማ 3.5 ሜትሮ በጺሑ`ሎ። ነበርቲ ድማ ካብ ኣባይቶም ከይወጹ ተሓቢርዎም ኣሎ።
መብዛሕትኦም ድኳናት ተዓጽዮም ኣለዉ፡ ኣስታት 900 በረራ ነፈርቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ሆንግ ኮንግ ድማ ተሰሪዞም ኣለዉ።
ሓንቲ ኣብ ሓደ ነዊሕ ህንጻ እትነብር ሰበይቲ፡ እቲ ኣትነብረሉ ህንጻ ብሓያል ንፋስ ክንኖ እንከሎ ከምዝረኣየት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ።
`እቲ ህንጻ ንኣዝዩ ነዊሕ ዝኾነ እዋን፡ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝኣክል ተነንዩ` ኢላ ኤለይን ዎንግ። `ርእሰይ`ውን ጽርውር ኢሉኒ` ኢላ ንሳ።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ማካው ዝርከቡ ውሩያት መጣልዒ ቦታታት ንኽዕጸዉ ትእዛዝ ተዋሂቡ`ሎ። እዚ ኣብ ታሪኽ`ታ ሃገር ናይ ፈለማ`ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፊሊፒንስ ክሳብ ክንደይ`ያ ተሃስያ?
እቲ ዝበዝሕ ሞት ብምድርማስ መሬት`ዩ ስዒቡ ኢሎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ`ታ ሃገር። ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ሃለዋት ኣጥፊኦም ኣለዉ። ኣብ`ታ ሃገር እቲ ህቦብላ ንፋስ ኦምፖንግ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብታ ኣዝያ ዝተሃስየት ክፍለ ሃገር በንግዌት 38 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 37 ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ ኢሉ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣሶሼይትድ ፕረስ።
ሓደ ካብቶም ኣዝዩም ዝኸፍኡ ሓደጋታት ድማ ኣብ ኢቶጎን እትርከብ ከተማ ኡካብ ሓደ መንበሪ ሰራሕተኛታት ዕደና ምስ ተደርመሰ ሃለዋት ኣስታት 100 ሰራሕተኛታት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሃዋርድ ጆንሰን ካብ ከተማ ቱጌጋራኦ 80 ኪሎሜተር ናብ ገማግም ባሕሪ ኣፓሪ ተጓዒዙ።
ጫካታት በልማማ ተጨፍጪፎም ኣብ ባይታ ጸፍ ኢሎም፣ ኣዕኑድ ሓይሊ ኤለክትሪክ ወዲቖም፡ ዘራእቲ ድማ ካብ ሱሮም ተበርቚቖም ከምዝረኣየ መስኪሩ።
ኣብ`ታ ኣገዳሲት ኣውራጃ ሕርሻ ዝኾነት ቻጋያን ኣብ ዘራእቲ ዓቢ ጉድኣት ስለዝወረደ ቁጠባዊ ሳዕቤን ከምዝህሉ`ውን ሓቢሩ።
ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሮድሪጎ ዱተርተ ዝኾነ ፍራንሲስ ቶለንቲኖ ሓደ ሕምሲት ምህርቲ ኣእካል ጥራይ ኣቐዲሙ ከምዝተሓፍሰ ከምዝግምት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዚ ማለት ድማ እቶት`ቶም ቀንዲ ምህርትታት ዝኾኑ ሩዝን ዕፉንን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ`ሎ ማለት`ዩ።
ብድሕሪ`ቲ ኣብ 2013 ህይወት ልዕሊ 7,000 ሰባት ዝቐዘፈ ሱፐር ታይፉን ተባሂሉ ዝፍለጥ ህቦብላ ንፋስ፡ ናይ`ታ ሃገር ድሉውነት ንሓደጋን ህይወት ናይ ምድሓን ክእለትን ተመሓይሹ`ሎ።
መጠንቀቕታታት ኣቐዲሞም ተዋሂቦም ጉዕዞታት ብኣጋ ተደሪቶም፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን ሰራዊት`ታ ሃገር ድማ ኣብ ተጠንቀቕ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







