ኬንያ መንገዲ ንምስራሕ መንበሪ ኣባይቲ ድኻታት ኣፍሪሳ

ኣብ ልዕሊ ብግሪደር ዝፈረሱ ኣባይቲ ጠጠዉ ዝበለ ሰብኣይ 23 ሰነ 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ኣዋጅ መንግስቲ ኬንያ ብግሪደር ኣባይቲ ድኻታት ኣፍሪሱ

እዞም ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ይቕመጡሎም ዝነበሩ ኣባይቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብ20 ሚሊዮን ዶላር መገዲ መኪና ንምህናጽ'ዮም ክፈርሱ ተገይሩ።

ነበርቲ ናይዚ ኪበራ ዝበሃል ዓብዪ ሰፈር ድኻታት፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብቲ ከባቢ ክለግሱ መንግስቲ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ።

ትማሊ ግና እቶም ነበርቲ ብሓዘንን ብስምዒት ሰኣን ሓጋዝን እናተዓዘቡ ኣባይቶም ብግሪደር ፈሪሱ።

ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ተግባር እኳ እንተኾነኖ፡ ሰብመዚ ኬንያ ግና እቶም ነበርቲ ዘይሕጋዊ ሰፈርቲ'ዮም ነይሮም ኢሎም።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ንህንጸት እዚ መገዲ ተቓዊሞም ኣብ ቤት ፍርዲ'ኳ እንተተኻትዑ፡ መንግስቲ ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ናይሮቢ ዘሎ ጻዕቒ ትራፊክ ንምንካይ ስለዝሕግዘና ዝብል መርትዖ እንተቕርብ ብቤት ፍርዲ ተረቲዖም ወጺኦም'ዮም።

"ኣብዚ ዓቢና፣ ተማሂርና ከምኡ'ዉን ተመርዒና። ሕጂ ግና ናብ እንኸዶ የብልናን" ኢላ ን 16 ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ጓል 30 ዓመት ኣደ ጃኩላይን ኣንዘሚ።

ካርቲን ካሚሪን (ጸጋም) ሓፍታ ሜርሲ ማንጂኩን (የማን) ካብቲ ዝፈራረሰ ዝተረፈ ንብረተን እናኣከባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰበ ስልጣን እዛ ሃገር ኣብቲ ከባቢ መንገዲ ክሰርሑ ይህቅኑ

"ናተይ ዝብሎ ንብረት ኩሉ ናብ ጎረባብተይ'የ ወሲደዮ። በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ድማ ንግዚኡ ምስ ሓወይ ተጸጊዐን ኣለዋ። ዳግማይ ህይወት ኣበይ ከምዝጅምር ኣይፈልጥን" ድማ ይብል ኣርቱር ሻክዊራ።

"ንሕና እቲ ዝስራሕ መገዲ በዚ ምሕላፉ'ኳ እንተዘይተቓወምና፡ ናትና መነባብሮ እውን ግን ኣብ ግምት ክኣቱ ነይሩዎ" በሃሊ'ዩ።

ዴይሊ ኔሽን ዝተብሃለ ጋዜጣ እዛ ሃገር ከምዝሕብሮ፡ ክልተ ቐዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ህጻናት ዝዉዕሉሎም ኣባይትን'ዉን ዓንዮም'ዮም።

ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ ስጉምቲ ዘይሕጋዉን ዘሕዝንን'ዩ ክብል ገሊጹዎ።