ኬንያ መንገዲ ንምስራሕ መንበሪ ኣባይቲ ድኻታት ኣፍሪሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዞም ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ይቕመጡሎም ዝነበሩ ኣባይቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብ20 ሚሊዮን ዶላር መገዲ መኪና ንምህናጽ'ዮም ክፈርሱ ተገይሩ።
ነበርቲ ናይዚ ኪበራ ዝበሃል ዓብዪ ሰፈር ድኻታት፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብቲ ከባቢ ክለግሱ መንግስቲ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ።
ትማሊ ግና እቶም ነበርቲ ብሓዘንን ብስምዒት ሰኣን ሓጋዝን እናተዓዘቡ ኣባይቶም ብግሪደር ፈሪሱ።
ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ተግባር እኳ እንተኾነኖ፡ ሰብመዚ ኬንያ ግና እቶም ነበርቲ ዘይሕጋዊ ሰፈርቲ'ዮም ነይሮም ኢሎም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ንህንጸት እዚ መገዲ ተቓዊሞም ኣብ ቤት ፍርዲ'ኳ እንተተኻትዑ፡ መንግስቲ ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ናይሮቢ ዘሎ ጻዕቒ ትራፊክ ንምንካይ ስለዝሕግዘና ዝብል መርትዖ እንተቕርብ ብቤት ፍርዲ ተረቲዖም ወጺኦም'ዮም።
"ኣብዚ ዓቢና፣ ተማሂርና ከምኡ'ዉን ተመርዒና። ሕጂ ግና ናብ እንኸዶ የብልናን" ኢላ ን 16 ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ጓል 30 ዓመት ኣደ ጃኩላይን ኣንዘሚ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ናተይ ዝብሎ ንብረት ኩሉ ናብ ጎረባብተይ'የ ወሲደዮ። በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ድማ ንግዚኡ ምስ ሓወይ ተጸጊዐን ኣለዋ። ዳግማይ ህይወት ኣበይ ከምዝጅምር ኣይፈልጥን" ድማ ይብል ኣርቱር ሻክዊራ።
"ንሕና እቲ ዝስራሕ መገዲ በዚ ምሕላፉ'ኳ እንተዘይተቓወምና፡ ናትና መነባብሮ እውን ግን ኣብ ግምት ክኣቱ ነይሩዎ" በሃሊ'ዩ።
ዴይሊ ኔሽን ዝተብሃለ ጋዜጣ እዛ ሃገር ከምዝሕብሮ፡ ክልተ ቐዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ህጻናት ዝዉዕሉሎም ኣባይትን'ዉን ዓንዮም'ዮም።
ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ ስጉምቲ ዘይሕጋዉን ዘሕዝንን'ዩ ክብል ገሊጹዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







