ኬንያ፡ ኣብ ዕሙር ዕዳጋ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓያለ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣብ ሓደ ዕሙር ዕዳጋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ 15 ሰባተ ሞይቶም።
በዚ ኣብ ለይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ልዕሊ 50 ሰባት ፎኪስን ከቢድን መንደድቲ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ብዙሕ ንብረት ክዓኑ ክኢሉ።
እዚ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ማእከል ዕዳጋ ጊኮምባ፡ ኣብ ኬንያ ሓደ ካብቶም ብስፈሓቶም ዝዓበዩን ዝዓመሩን ኮይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ተመሳሳሊ ባርዕ ዝርኣየሉ ቦታ እዩ።
ኣብ ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ እስታንዳርድ ብቀጻሊ ተመሳሳሊ ምግጣሙ ደይ መደይ ኢለካ ከምዝተገበረ ዘርኢ እዩ ክትብል ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ።
እንተኾን እዚ ናይ ሎሚ ሓደጋ ባርዕ ብኸመይ ክልዓል ኽኢሉ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን።
ውሃብቲ ቀዳማይ ረዲኤት ኣምቡላንስ ቅዱስ ዮውሃንስ ፡ እቲ ባርዕ ሰዓት ክልተን ፈረቓን (8፡30) ናይ ለይቲ ከምዝጀመረን፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ቁጽጽር ክሳብ ዝውዕል ናብ ብዙሕ ኣባይትን ሻውላትን ከምዝለሓመ ሓቢሮም።
ብዙሓት ካብዞም ግዳይት ንብረቶም ከውጽኡን ኣብ ድቃሶም እንከለዉን፡ ብትኪ ተዓፊኖምን ብሓዊ ተለብሊቦምን ከምዝሞቱ ይግለፅ።
እቶም ብሂወት ዝተረፉ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







