ኬንያ፡ ኣብ ዕሙር ዕዳጋ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓያለ ሰባት ሞይቶም

ጊኮምባ ኣብ 2012 ዝተሳኣለ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ጊኮምባ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ማእከል ዕዳጋታት'ዩ

ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣብ ሓደ ዕሙር ዕዳጋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ 15 ሰባተ ሞይቶም።

በዚ ኣብ ለይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ልዕሊ 50 ሰባት ፎኪስን ከቢድን መንደድቲ ከጋጥሞም እንከሎ፡ ብዙሕ ንብረት ክዓኑ ክኢሉ።

እዚ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ማእከል ዕዳጋ ጊኮምባ፡ ኣብ ኬንያ ሓደ ካብቶም ብስፈሓቶም ዝዓበዩን ዝዓመሩን ኮይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ተመሳሳሊ ባርዕ ዝርኣየሉ ቦታ እዩ።

ኣብ ኬንያ እትሕተም ጋዜጣ እስታንዳርድ ብቀጻሊ ተመሳሳሊ ምግጣሙ ደይ መደይ ኢለካ ከምዝተገበረ ዘርኢ እዩ ክትብል ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እንተኾን እዚ ናይ ሎሚ ሓደጋ ባርዕ ብኸመይ ክልዓል ኽኢሉ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን።

ውሃብቲ ቀዳማይ ረዲኤት ኣምቡላንስ ቅዱስ ዮውሃንስ ፡ እቲ ባርዕ ሰዓት ክልተን ፈረቓን (8፡30) ናይ ለይቲ ከምዝጀመረን፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ቁጽጽር ክሳብ ዝውዕል ናብ ብዙሕ ኣባይትን ሻውላትን ከምዝለሓመ ሓቢሮም።

ብዙሓት ካብዞም ግዳይት ንብረቶም ከውጽኡን ኣብ ድቃሶም እንከለዉን፡ ብትኪ ተዓፊኖምን ብሓዊ ተለብሊቦምን ከምዝሞቱ ይግለፅ።

እቶም ብሂወት ዝተረፉ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።