ትራምፕ እቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ተሓሲቡ ዝነበረ ርክብ ክናዋሕ ይኽእል'ዩ ይብል

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ከካይዶ ሓሲቡ ዝነበረ ታሪኻዊ ርክብ ክናዋሕ ይኽእል'ዩ ኢሉ። እቲ ርክብ ብመሰረት'ቲ ትልሚ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ሰሜን ኮርያ ገለ ቅድመ-ኩነት ከተማልእ ኣለዋ፡ እዚ ምስዘይከውን ግን እቲ ዘተ ክደናጎይ'ዩ ኢሉ። ፕረሲደንት ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዋይት ሃውስ (ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ) ምስ መዘናኡ በዓል ስልጣን ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን'ዩ።
ሰሜን ኮርያ ንኑክሌራዊ ኣጽዋር ብዝምለከት ብኣሜሪካ ጸቕጢ ዝግበረላ እንተኾይኑ ነቲ ዘተ ክትስርዞ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።
ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወርሒ፡ ሰነ ሃገረ ሲንጋፖር ክካየድ'ዩ ተወጢኑ ዘሎ።
'ምጥፋእ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝዓበየ ዛዕባና ክኽውን ኣለዎ' ይብል ፕረሲደንት ትራምፕ።
ኣስዒቡ 'እቶም ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኩነት እንተዘየተግቢርናዮም ግን እቲ ዘተ ኣይክካየድን'ዩ' ክብል ኣስሚሩሉ'ሎ።
ድሕሪ ካልኣይ ናይ ቻይና ዑደቱ፡ ኣረኣእያ ኪም ጆንግ ኡን ተቐዪሩ'ዩ ኢሉ ንሱ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ድማ ኣሜሪካ ነቲ ናይ 12 ሰነ ቆጸራ ትሰርሓሉ ከምዘላ ገሊጹ። ቻይና ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ጸቕጢ ብምግባር 'ታሪኻዊ ሓገዝ' ምብርካታ ድማ ንኢድዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ኮይና እተካይዶ ወተሃደራዊ ልምምዳት 'ትኽቶኻ' እዩ ብምባል፡ ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ከተካይዶ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ ሰሪዛቶ'ያ።
ዘተ ሲንጋፖር ንምንታይ ኣድለየ?
ዛጊት ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣሜሪካዊ ፕረሲደንት ምስ ሓደ መራሒ ሰሜን ኮርያ ተራኺቡ ስለዘይፈልጥ፡ እቲ ርክብ ታሪኻዊ ክኸውን'ዩ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ድሕሪ ልዕሊ ናይ ሓደ ዓመት ርሱን ጣቋ'ዩ ነቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ጻውዒት ንቐጥታዊ ዘተ ተቐቢልዎ። እቲ ርሱን ጣቋን ተጻባእነትን ድማ ናብ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ከይከይድ ዓለም-ለኻዊ ፍርሒ ኣሕዲሩ ነይሩ።
ውዕል ናይ ምግባር ተኽእሎ'ኸ ኣሎ ድዩ?
ብዙሓት ተዓዘብቲ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዘተ ክስርዝዎ ዘየኽእልዎም ኣዝዮም ብዙሓት ጥቕምታት ኣለውዎም ይብሉ።
ከም መርኣያ ጽቡቕ ግብሪ፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ መፈተኒ ናይ ኑክሌራዊ ኣጽዋራ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ከተዕንዎ ትጽቢት ይግበረላ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ናይ ደገ ጋዜጠኛታት ዝዕዘብዎ መስርሕ ምዕናው ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ክደናጎይ ይኽእል'ዩ።
ምዕራባውያን፣ ሩስያውያንን ቻይናውያን ዝርከብዎ ጉጅለ ጋዚጠኛታት ድማ ነቲ መስርሕ ምዕናው ንምዕዛብ ብሰሜን ኮርያ ተዓዲሞም ድሮ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ።ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ዘካይዶ ዘተ ክድንጉይ ይኽእል'ዩ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







