አመሪካ፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝግበር ዝኾን ይኹን ልዝብ ምልሓም ኑክሌር ጠጠው ምስ ምባል ክተኣሳሰር አለዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ አመሪካ፥ ምስ ሰሜን ኮርያ ክካየድ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ልዝብ ብቐዳምነት ምልሓም ኑክሌር ጠጠው ምስ ምባል ክተኣሳሰር ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ፕዮንያንግ ይካየድ ኣብ ዝቐነየ ፀዋታ 'ዊንተር ኦሎምፒክስ' መወዳእታ መዓልቲ፥ ሰሜን ኮርያ ንልዝብ ድልውቲ ምዃና አፍሊጣ።
ቅድም ክብል ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጣ ከምዝነበረት ዝዝከር እዩ።
"እቲ ሰሜን ኮርያ ንልዝብ ድልውቲ እየ እትብሎ፥ ናይ እማን ምልሓም ኑክሌር ጠጠው ንምባል ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ከምዝኾነ ክንርኢ" ትብል አመሪካ።
ሰሜን ኮርያ ንልዝብ ድልውቲ ምዃና ዝሕብሩ ፀብፃባት ዝስምዑ ዘለዉ፥ ስነ ስርዓት ምዕፃው እቲ ፀዋታ ቅድሚ ምዝዛሙ ሰበ ስልጣናት እታ ሃገር ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ምርኻቦም ስዒቡ እዩ።
ጓል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኢቫንካ ዕድምቲ ጋሻ እቲ ፀዋታ ኾይና ኣብቲ ስታድየም ኣብ ጥቓ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ተቐሚጣ ከምዝነበርት ዝተስተወዓለ'ኳ እንተኾነ፥ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ስልጣን ሰሜን ኮርያ ዝርርብ ኣይገበረትን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዝተሓዋወሰ መልእኽቲ ሰሜን ኮርያ
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጂን፥ "ሰሜን ኮርያ ምስ አመሪካ ልዝብ ንምክያድ ድልውቲ እያ" ኢሎም።
እቶም ሓላፊ "ኣብ መንጎ ክልቲኣን ኮርያታትን ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያን አመሪካን ዘለዉ ርክባ ክመሓየሹ ኣለዎም" ክብሉ'ውን ወሲኾም።
እዚ ካብ ደቡብ ኮርያ ዝወፀ ፀብፃብ፥ ካብ መንግስቲ አመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተነበረ ሓድሽ ማዕቐብ፥ 'ዳርጋ ኲናት ምእዋጅ እዩ' ዝብል መግለፂ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝወፀሉ ሒደት ሰዓታት ፀኒሑ እዩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኮርያ፥ ኣብ እዋን ፀዋታ 'ዊንተር ኦሎምፒክስ' ከልቲአን ደቡብ ኮርያታት ዘርአየኦ ምሕዝነት አመስጊኖም፥ አመሪካ ዘንበረቶ ሓድሽ ማዕቐብ ግን ኮኒኖም።

ምንጪ ስእሊ, Pool
ሓደ ሓደ ተንተንተ፥ እቲ ሰሜን ኮርያ ዝገበረቶ ፃውዒት ሰላም፥ ኣብ መንጎ ደቡብ ኮርያን አመሪካን ዘሎ ርክብ ንምልሕላሕ ከይኸውን ስግኣቶም ይገልፁ።
ሰሜን ኮርያ፥ ሓደ ጉዳያት አመሪካ ዝከታተል ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሓዊሱ ሸሞንተ ልኡኻት ዝሓቖፈ ጉጅለ ናብ ጥቓ ዶብ ደቡብ ኮርያ ንልዝብ ከምዝለኣኸት ፀብፃባት ይሕብሩ።
ይኹን 'ምበር ክሳብ ሐዚ ኣብ መንጎ አመሪካን ሰሜን ኮርያን ዝተጀመረ ዕላዊ ዝርርብ የለን።
ምክትል ፕረዚደንት አመሪካ ማይክ ፔንስ ምስ ላዕለዎት ሰብ ስልጣናት ክራኸቡ ተሓሲቡ ዝነበረ ትልሚ ምፍሻሉ ዝፍለጥ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







