ሳልሕ ዓብዱሰላም፡ ኣብ ብራስለስ ብዝኸፈቶ ቶዅሲ ኣብ ቤት ፍርዲ በልጂም ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ሳልሕ ዓብዱ ሰላም " ስቕታይ ገበነኛ ኣይገብረንን እዩ፡ መከላኸሊለየይ እዩ ብምባል ንሕቶታት ደያኑ ከምዘይምልስ ኣፍሊጡ። ንሱ ብተወሳኺ እስላም ርትዓዊ ፍርዲ ኣይረኽቡን እዮም እምነተይ ኣብ ኣላህ ጥራሕ እዩ ኢሉ።
ሓደ ካብቶም ኣብ 2015 ኣብ ከተማ ፓሪስ መጥቃዕቲ ዝፈጸመን ብህይወት ዝተረፈን እንኮ ጥርጡር ገበነኛ ሳልሕ ዓብዱሰላም ምስቲ ኣብ ከተማ ብራስለስ በልጅም ንፍርዲ ከም ዝቐርበ ተሓቢሩ።
ሳልሕ ዓብዱሰላም ድሕሪ 4 ወርሒ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዓቲ እዩ ኣብ ከተማ ብራስለስ ተታሒዙ።
እቲ ዝወሃቦ ፍርዲ ግን ብመሰረት እቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘይኮነስ በቲ ክሃድም እንከሎ ኣብ ከተማ በልጅም ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ብዝኸፈቶ ተኹሲ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ መዘናግዒ ኣዳራሽ፡ ኣብ ስታዲያም፡ ኣብያተ ምግብን መስተን ዝዝተፈጸመ ሽበራዊ፡ መጥቃዕቲ፡ ኣሰታትት 130 ሰባት ከም ዝሞቱን ብኣማኢት ዝቁጸሩ ከም ዝቖሰሉን ይዝከር።
ኣብቲ ፍጻሜ ካብ ዝሞቱ ኣሸበርቲ ሓደ፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ክሲ ዝቐርብ ዘሎ ሳልሕ ዓብዱ ሰላም ኢብራሂም ዝተባህለ ሓዉ ንዓብዱ ሰላም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Belgian/French police
ሓደ ካብ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈረንሳ፤ ወዲ 28 ዓመት ሳልሕ ዓብዱሰላም ሓደ ካብቶም ፈጸምቲ ሽበራ እኳ እንተኾነ፤ ምስ ፖሊስ ምትሕብባር ከም ዘቕበጸ ገሊፁ።
ቅድ ሚ 2020 ዓ.ም ናብ ቤት ፍርዲ ፈረንሳይ ክቐርብ ትፅቢት ኣይነበረን።
ሳልሕ ዓብዱሰላም ኣብ ኤውሮጳ በቲ ዝፈጸሞ ገበን ካብቶም ዋና ፈጸምቲ ገበን ዝደለ እውን እንተኾነዉ'ን ኣብ ዝነብረሉ ቤት ተሓቢኡ ምስተረኸበ ኣብ ክልል መልንበክ ከተማ ብራስለስ'ዩ ተታሒዙ።
ኣብቲ ሰኑይ ዝተኸፍተ መጋባኣያ ዓብዱሰላምን መኻይድቱ ነበር ሶፍያን (24) ክልቲኦም ዘይሕጋዊ ብረት ክጥቀሙ ብምፍታኖም እዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ብግብረሽበራ ተኸሲሶም። እዞም ክልተ ሰባት ናብቲ ኣብ ከተማ ቤልጂም ተሓቢኦሙሉ ዝነበሩ ቦታ ፖሊስ ምስ መጽኡዎም ብጠያይት ስለዝተታኾሱ እዮም ብፈተነ ቕትለት ፖሊስ ተኸሲሶም ኣለው።
ገበኖም እንተተረጋጊዑ ክሳብ 40 ዓምታት ክእሰሩ ከምዝኽእሉ ይንገር።
ዓብዱሰላም፤ ዜግነት ፈረንሳ ዘለዎ ኣብ ከተማ ሞሮኮ ከተማ በሩስል ዝተወልደ እዩ። ኣብ ፓሪስ ኣብ እትርክብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ይርክብ።
ካብቲ ተኣሲሩዎ ዝጸንሐ ቤት ማእስርቲ፡ ብኸቢድ ቀጽጽር ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, BENOIT PEYRUCQ/AFP/Getty Images
ጉዳይ ፍረዱ መዓልታዊ ንምኽትታል ናብ ከተማ ፈረንሳ ክመላለስ ምዃኑ ይንገር፤ ኣብ ጥቓ ክልል'ቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእስረቲ ክጸንሕ'ዩ።
እቲ ፍርዲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እቲ ቤት ፍርዲ ብኣስታት 200 ዝኾኑ ፖሊስ ክሕሎ እዩ።
ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብቲ እዋን መጥቃዕቲ እንታይ ኣጋጢሙ?
•ሰብ ነብሰ ቅትለት፥ 3 ተፈንጀርቲ ቦምባታት ኣብ ኣፍ ደገ ኣደራሽ ፈረንሳ (Stade de France stadium)ኣብ ሰሜን ከተማ ፓሪስ ብ 13 ሕዳር 2015 ናብቲ ኣዳራሽ ምእታዎም ከም ተኸልከሉ ይዝክር።
•ብድሕሪኡ ዝስዓበ ተኹሲታትተን ምፍንጃር ቦምባታትን ኣብ ቤት ምግብን ባርን፥ ካፍተሪያን (Le carillon) ዝርክብዎም ተፈፂሙ።
•ዝኸፍእ መጥቃዕቲ ኣብ በታክላን ኣዳራሽ(Betaclan concert hall) ብለይቲ ዘጋጠመ ኮይኑ፤ 89 ሰባት ተቐቲሎም፡ በቲ ዘስደምም ተግባራት ፈጸምቲ ነብሰ ቅትለትን ወነንቲ ከበድቲ ኣጽዋርን ናብ እኩብ ህዘቢ ወንጪፎም።
•እቲ ንውልቁ ዝደሓነ ሳልሕ ዓብዱሰላም ኣብ ወርሒ መጋቢት እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







