መጻምድቲ ስቴፈን ፓዶክ፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት"ዝኾነ ኣፍልጦ" ከምዘይነበራ ሓቢራ

ማሪሉ ዳንለይን ስቴፈን ፓዶክን
መግለጺ ስእሊ, ንትካል ካዚኖ ትሰርሕ ዝነበረት ዓርኪ ስቴፈን ኣብ ነቫዳ ምስኡ ትነብር ከምዝነበረት ፖሊስ ኣፍሊጡ

መጻምድቲ ስቴፈን ፓዶክ፡ ወይዘሪት ማሪሎ ዳንለይ፡ ፖሊስ እታ ከተማ፡ ስቴፈን ፓዶክ ``ምስጢራዊ ሂወት`` ኢዩ ዝነብር ነይሩ ቅደሚ ምባሎም ኣብ ዝነበረ ሒደት ሰዓታት'ያ እቲ``ለዋህ ሓላይን ስቕተኛን`` ዓርካ እንታይ ይሓስብ ከምዝነበረ ክርድኣ ከምዘይከኣለ ርእይቶኣ ሂባ።

ዋላ`ኳ ፖሊስ እኹል ሓበሬታ ኣይሃቡ፡ ከምቲ ዝበልዎ ግና ፓዶክ ክሃድም ድኣ`ምበር ነብሱ ከጥፍእ መደብ ከምዘይነበሮ ኢዮም ገሊጾም።

ክሳብ ሕጂ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ዝከታተል ዝነበረ እኩብ ህዝቢ ጠያይቲ ኣዝኒቡ ዝፈልጥ ሰብ የለን። እቲ ዝፈጸሞ ቅትለት ግና ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝኸፍአ'ዩ ኢሎም።

ጆሴፍ ሎምባርዶ፡ ኣመሓዳሪ ክላርክ፡ ብሮቡዕ፡ 4 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፖሊስ ኣብ መኪና ናይ ፓዶክ ካልእ ተፈንጀርትን ከምኡ`ውን ኣስታት 1,600 ጠያይትን ረኺቦም ኢሉ።

ፓዶክ ቅድሚ ገለ ስዓታት ኣብ ልዕሊ`ቲ ህዝቢ ጠያይቲ ምዝናቡ ይቋመር ከምዝነበረ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድማ ነታ ኣብ ላስ ቬጋስ ኣብ ኦግዲን ሆቴል እትርከብ ክፍሊ ዝሓዘ።

ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ ከኣ ምስ ፓዶክ ዝተሓባበር ካልእ ሰብ ምንባሩን ዘይምንባሩን ዝተፈልጠ የለን፡ ኢሉ እቲ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ክላርክ። እንተኾነ ኤፍ ቢ ኣይ ከምዝበልዎ ግና፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ፍጻመ ምስ ግብረ ሽበራ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ገሊጾም።

እንተኾነ እቲ ኣመሓዳሪ "ክሳብ ሕጂ ንፈልጦ ነገር የለን" ኢሉ።

ወይዘሪት ዳንለይ፡ ብወለንታኣ ካብ ናይ ፊሊፒን ዕረፍታ ድሕሪ ምምላሳ፡ ብሮቡዕ ምስ ኤፍ ቢ ኣይ ኣብዝገበረቶ ዝርርብ በቲ ፓዶክ ዝፈጸሞ "ዘስካሕክሕን ክግለጽ ዘይክእልን ጭካነ ዝመልኦ ፍጻመ" ኣዝያ ከምዝሰንበደት ገሊጻ።

ኣብቲ ጠበቕኣ ዘንበቦ መግለጺኣ ድማ ፓዶክ ጨሪሱ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ'ዚ ምንም ከምዘይነገራን፡ ዝኾነ ምልክታት'ውን ከምዘይረኣየትን ገሊጻ።

"ኣነ ይፈትዎ ኢየ፡ ኣብ መጻኢ ድማ ብሓንሳብ ሰላማዊ ዝኾነ ህይወት ከነሕልፍ ድማ ትምኒተይ እዩ ነይሩ" ኢላ ወይዘሪት ዳንለይ።

ኤር ፎርስ ዋን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መጓዓዝያ ኣየር'ኤርፎርስ ዋን' ብሰንኪ እቲ ኣብ ላስቬጋስ ዘጋጠመ ተዅሲ መስትያቱ ብተሰብረ ህንጻ እናሓለፈት

ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብቲ ዘካይድዎ ዘለዉ መርመራ ንወይዘሪት ዳንለይ ከም "ኣገዳሲት ሰብ" ኢዮም ሰምዮማ።

ድሕሪ ገለ ስዓታት እቲ ፍጻመ ከኣ ኢዮም ምስኣ ርክብ ጀሚሮም።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ወይዘሪት ዳንለይ ብሰሉስ፡ ካብቲ ንዕረፍቲ ገይሻትሉ ዝነበርት ብወለንታኣ ናብ ሎስ ኣንጀለስ ተመሊሳ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከኣ ኢዩ ፓዶክ ቤተሰባ ክትበጽሕ "ሕሱር ትኬት" ዝገዝኣላ።

ኣብ ፍሊፒንስ ኣብ ዝነበረትሉ ድማ ንመግዝኢ ገዛ ዝኸውን 100,000 ዶላር ኣሜሪካ (75,400 ፓውንድ ኢንግሊዝ) ልኢኹላ።

"ሽዑ ኣዝየ ተሓጒሰ፡ ግደ ሓቂ ግና ተጨኒቐ፡ ምናልባሽ'ዶ ምሳይ ዘለዎ ርክብ ከቋርጽ ደልዩ ይኸውን ኢለ"። "ገለ ዓመጽ ክፍጽም ደልዩ ኢዩ ዝብል ሕቶ ከቶ ኣብ ሓሳበይ'ውን ኣይመጽአንን" ድማ ኢላ።

ኣቐድም ኣቢላ ሓብታ፡ ንናይ ኣውስትራልያ 7 ኒውስ ዝብሃል ናይ ዜና ማዕከን ክምዝበለቶ "ዳንለይ፡ ኣብቲ መደብ ናይ ቅትለት መታን ከይትካፈል ኢያ ናብ ዓዳ ሰዲድዋ`` ኢላ።

ፓዶክ ብ28 መስከረም ናይ ዓርኩ ወይዘሪት ዳንለይ ናይ መንነት ሰነዳት ተጠቒሙ ኢዩ ኣብ ማንዳላይ በይ ሆቴል ክፍሊ ዝሓዘ።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሮቡዕ 4 ጥቅምቲ፡ ድሕሪ'ቲ ዘተፈጸመ ቅትለት ናብታ ከተማ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ ድማ "ኣሜሪካ፡ ብሓቂ ኣብ ሓዘን ኢያ ዘላ" ኢሉ። ሽዑ ልዕሊ 500 ሰባት ኢዮም ቆሲሎም።

ብሰንኪ እቲ ተዅሲ ዝደንገጹ ተሳተፍቲ ምሪኢት ሙዚቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንኽዘናግዑ ኢሎም ወጺኦም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣሜሪካውያን 58'ዮም

ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ነቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ህይወት ካልኦት ብዙሓት ንምድሓን ህጹጽ ኣገልግሎት ዝህቡ ንዝነበሩ ኣሞጊሱ። ንሱ ከምዝበሎ "ኣብቲ ሓደ ሓደ ሕማቓት ኣባላት ወዲሰብ መጥቃዕቲ ዝፍጽምሉ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ጭዋታት ኣባላት ወዲ ሰብ ድማ ጽቡቕ ግብረመልሲ ይህቡ" ኢሉ። ነቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ኣባላት ፖሊስ ድማ ኣሞጊሱ።

"ኩሉ ግዜ፡ ኣብቲ ዘፍርሕ ህሞት በቶም ሂወቶም ምእንታና ዘወፈዩ ሰባት ተስፋንርክብ" ድማ ኢሉ።

ነቶም ፈለማ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ዝበጽሖም እዋን፡ ``ሕጂ ምስቶም ጀጋኑ ኢየ ዘለኹ" ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

ብምቕጻል፡ "እቲ ብሰንበት ዝተራእየ ጅግንነት ከቶ ብቓላት ኣይግለጽን ኢዩ" ድማ ኢሉ። "ኣሜሪካውያን ንሞትን ጽልእን ዕጭ ብምባል ፍቕርን ጅግንነቶምን ኣርእዮም" ከኣ ኢሉ።

እዚ መጥቃዓቲ ንድልየት ምቁጽጻር ብረት የጎሃህሮ`ድ ይኸውን?

በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነቲ ናይ ኣሜሪካ ናይ ብረት ሕጊ ዳግማይ ክመሓየሽ ካብ ህዝቢ ጠለባት ይቐርብ ኣሎ።

እንተኾነ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ኣብቲ ንምርጫ ጎስጓስ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ነቲ ብሃገራዊ ናይ ብረት ማሕበር ዝቐርብ ዝነበረ መሰል ናይቶም ብረት ዝዓጠቑ ክሕሎ ኣለዎ ዝብሉ ኢዩ ክደናገጽ ጸኒሑ። ስለዝኾነ ድማ`ዩ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝኾነ ንጹር መብርሂ ዘይሃበ።

ስቴፌን ፓዶክ

ምንጪ ስእሊ, CBS NEWS

መግለጺ ስእሊ, ስቴፈን ፓዶክ ልዕሊ 10 ጠመናጁ ሒዙ'ዩ እቲ ገበን ፈጺሙዎ

ብሰሉስ፡ ናብ ፖርቶ ሪካ ድሕሪ ምብጽሑ ድማ ``ምናልባሽ ኣብ ሓደ እዋን`` ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ'ዚ ንዝቲ ንኸውን ኢሉ።

ብዓልቲ ቤቱ፡ ሜላንያ ትራምፕ'ውን ምስ ፕሬዚደንት ነቶም ግዳያትን ነቶም ኣባላት ፖሊስን በጺሓ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሕክምና ላስ ቬጋስ ንጋዜጠኛታት፡ " ኣሜሪካዊ ምዃን ናይ ብሓቂ'ዩ ዘሐብነካ፡ ብፍላይ እቲ ዝተዓመ ስርሓት ምስራእኻ" ኢሉ።