የመን፡ ኣሲራቶም ዝጸንሐት ሸውዓተ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐት ተገሊጹ

የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ

ምንጪ ስእሊ, Yemen Online

ሰበስልጣን ዞባ ሑደይዳ የመን ከም ኣምሳያ እቶም ብኤርትራ ንመዓልታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 53 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ምፍትሖም፡ ሸውዓተ ወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝለቐቑ ማዕከን ዜና የመን ኦንላይን ገሊጹ።

እቶም ወተሃደራት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብናይ ኮለላ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ የመን ኣብቲ ከባቢ ተታሒዞም ከም ዝጸንሑ እዩ ዝገልጽ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እዚ ብኽለተኦም ወገናት ዝተገብረ ምፍታሕ እሱራት ብመንጎኝነት ኢማራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ይሕብር።

እንተዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ዝሃቦ ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ የሎን።

እዞም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ጥቓ ደሴታት ሓንሽ እዮም ብሓይሊ ባሕሪ ተታሒዞም። ደሴት ሓንሽ ዝቝር ኣብ ጥቓ ባብ ኤል-መንደብ ካልኣይ ዝዓበየ ደሴት ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራን የመንን ኣብ ግጭት ኣትየናሉ ዝነበራ ቦታ እዩ።

እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብቲ ኣብ ኣውራጃ ኣል ኻውኻህ ዝርከብ መደበር ዓሳ ምስ በጽሑ፡ መግረፍቲ፡ ምምንዛዕ ጀላቡኦምን መሳርሒታቶምን ከም ዘጓነፎም ብምግላጽ፡ እቲ ማእሰርቲ ተሪር ምንባሩን ብዙሓት እቲ ለቢሶሞ ዝነበሩ ክዳኖም ጥራይ ሒዞም ከም ዝተመልሱን ሓቢሮም።

እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታዊ ኵነታት ኣብ ዝኸረሉ ዘሎ ዘጓነፈ ኰይኑ፡ እቶም ህይወቶም ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝምርኰስ ተቐመጥቲ ናይቲ ከባቢ ተጸጊሞም ምህላዎም እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ኣብ ሓምለ 14 ናይዚ ዓመት'ውን፡ ኤርትራ ዓሳ ክገፉ ዝሓዘቶም 60 የመናውያን ካብ ማእሰርቲ ፈቲሓ ናብ ዓዶም ኣፋንያቶም ነይራ እያ።

እዚ ፍጻመ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም እዩ። ብዝሒ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኣስሩ ዝገልጽ ጸብጻብ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ኣብ 2020 ምኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መንጎ 2015 ከምኡ'ውን 2017 ልዕሊ 5,000 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከም ዝተኣሰሩ ገሊጹ ነይሩ።

ንምንታይ እዩ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ ዘጋጥም?

ኤርትራን የመንን ብዋንነት እቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ደሴታት ሓንሽ ዝቝር ካብ ድሕሪ ዑስማናውያን ኣትሒዙ ሕቶ ከም ዝጸንሐን ይግለጽ እዩ።

እዘን ኣብ ጥቓ ባብ ኤል-መንደብ ዝርከባ ደሴታት መተኣኻኸቢ ገፈፍቲ ዓሳ ኰይነን፡ ኣብ ህይወት ተቐማጦ ናይቲ ከባቢ ዓቢይ ጥቕሚ ኣለወን።

ሓደ ጀርመናዊ ኩባንያ ኣብ ደሴት ሓኒሽ ዝቝር መንበሪ ዝኸውን ቀጽሪ ክሃንጽ ምስ መንግስቲ የመን ስምምዕ ኣካዪዱ።

መስርሕ ህንጸት ኣብ ዝጀመረሉ ድማ የመን ነቲ ቀጽሪ ንምሕላው ወተሃደራታ ሰዲዳ።

ካርታ የመንን ኤርትራን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራ ብወገና፡ ነቲ ብየመን ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ነታ ደሴት ንምቍጽጻር ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ፈተነ ገይራ ተመልከተቶ'ሞ፡ ሓይልታት የመን ካብቲ ተግባራት ክሕየቡ መጠንቀቕታ ብምሃብ፡ ክሳዕ ታሕሳስ 1995 ኣብ ዝነበረ ግዜ ክወጽኡ መጠንቀቕታ ሃበቶም።

በዚ ዝተበገሰ፡ ካብ 15 ክሳዕ 17 ታሕሳስ 1995 ግጭት ተላዕለ፣ መንግስቲ የመን ሕቡራት ሃገራት ጣልቃ ኣትዩ ክፈትሖ ሓተተ።

እቲ ግጭት ኣብ 1999 ብዝተዋህበ ፍርዳዊ ውሳነ ድማ መዕለቢ ረኸበ።

ኤርትራ በቲ ዝተዋህበ ውሳነ ዕግብቲ እኳ እንተ ዘይነበረት፡ ነቲ ዝኣተወቶ ውዕል ኣኺቢራ ግን ነቲ ውሳነ ተቐበለቶ።

እቲ ውሳነ ንዝዓበየ ክፋል ናይቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ንየመን ዝሃበ ኰይኑ፡ ንዶብ ክልተአን ሃገራት ንጹር ከም ዝገበሮ ይግለጽ።

ኣብ ውሳነታት ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ግን ክልተአን ሃገራት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለወን።

የማናውያን፡ ካብ ክልተአን ሃገራት ዝመጽኡ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ከባቢ እተን ደሴታት (ማያዊ ግዝኣታት ክልተአን ሃገራት) ሓድሕዶም ክገፉን ንግዲ ክገብሩን መሰል ከም ዝህቦም እዮም ዝገልጹ።

ኤርትራ ግን ነዚ ትቕበሎ ኣይትመስል።

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 4 ጥሪ 2024 ሕታማ፡ "ቀይሕ ባሕርን ጂኦ-ፖለቲካኡን" ብዝብል ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ "ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይ 50 ዓመታት ተጻብኦ፡ ናይ 'ሓንሽ' ፈጠራ 'ግጭት' ባሕራዊ ዶብ፡ ብናይ ኤርትራን-የመንን ናይ ዶብ ዘይምፍላጥ ምስሕሓብ ኣይነበረን። 'ሓንሽ' ንልዑላዊ 'እጀታ' የመን ኣስጊርካ፡ 'ኤርትራ፡ ኣብ ግዝኣታዊ ማያት የመን ዓሳ ክትገፍፍ ዘፍቅድ' ዝተዋህበ ብይን፡ ካልእ 'ሕጋዊ' ፍሕሶ'ዩ ነይሩ፡" ዝብል ቀሪቡ ይንበብ።

ኤርትራ፡ ነዚ ዜጋታት ክልተአን ሃገራት ኣብ ሓድሕድ ማያዊ ግዝኣታቶም ምግፋፍ ዓሳን ንግዲን ከካይዱ ብቕንዕና እትርእዮ ኣይትመስልን።

ስለዝዀነ፡ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ኣብ ዝኣትውሉ ኣብ ቀይዲ ተውዕሎም። ብዘይካ የመናውያን፡ ግብጻውያን ኮነ ካልኦት ዜጋታት ኣብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ዓሳ ክገፉ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ እዮም።