እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ሱዳን ንቤተመንግስቲ ዳግማይ ምቁጽጻሩ ነቲ ግጭት ብኸመይ ይጸልዎ?
ሰራዊት ሱዳን፡ ንቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ካብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ንምምንዛዕ ድሕሪ ከካይድዎ ዝቐነዩ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ዳግም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተውዎ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ገሊጾም እዮም።
እቲ ኣብ ካርቱም ዝተረኽበ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሰራዊት ሱዳን ዘመዝገቦ ርኡይ ምዕባለ ዘመልክት እዩ።
ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ምያዝያ 2023 ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን፡ ነቲ ቤተመንግስትን መብዛሕትኡ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ብቕልጡፍ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ድሕሪ ምእታዉ፡ ዝበዝሕ ክፋሉ ኣብ ኢዶም እዩ ጸኒሑ።
እቲ ከቢድ ብረት ዝዓጠቐ ሰራዊት ሱዳን ካብ 16 መጋቢት ኣትሒዙ ሓያል መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ምስቲ ኣብ ምብራቓዊ ካርቱም ዝነበረ ማእከላይ እዚ ንምትእስሳር ናብ ሰሜንን ምብራቕን ገስጊሱ። በዚ ስጕምቲ`ዚ ድማ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ከበባ እናኣተዉ ክመጽኡ ቀንዮም።
ሕጂ ድማ ሰራዊት ሱዳን ንቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ካብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ዳግማይ ተቖጻጺሮም ኣለዉ። ዝተረፈ ከባቢታት እታ ርእሰ ከተማ ንምቁጽጻር እውን ኣብ መስመር ከምዘለዉ ይኣምኑ። ነቲ ኲናት ንምዕዋት ግን ገና ነዊሕ ርሕቀት ይተርፎም።
እዚ ነቲ ታሪኻዊ ቤተ መንግስቲ ምቁጽጻሮም ግን ምልክት ስልጣንን ልኡላውነትን እዩ።
እዚ ዓወት'ዚ ስትራተጂካዊ እዩ።
ሰራዊት ሱዳን ንመብዛሕትኡ ማእከል ካርቱም ተቖጻጺሩ። ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ካብ ከም ህንጻታት መንግስቲ ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ቦታታት ከምዝሰሓበን ካብ ሓፈሻዊ ዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ከም ዝረሓቐን ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓቢሩ'ሎ።
እዚ ማለት ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ዋላ እኳ ዕጡቓቱ ክሳብ ሕጂ ኣብ ካርቱም እንተሃለዉ፡ ብጭቡጥ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዝነበሮ ቁጽጽር ስኢኑ እዩ።
እቲ ግንባር ግን ክሳብ ክንደይ ከምዝተደፍአ ገና ንጹር ኣይኰነን። ዕጡቓት ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእከል ከተማ ፋሕ ኢሎም ኣብ ገለ ክፋል መዓርፎ ነፈርቲ ዓስኪሮም ኣለዉ። ካብቲ ቤተ መንግስቲ ብደቡብ ዝርከብ መሬት እውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ይርከብ።
ሰራዊት ሱዳን ንዝተረፋ ኣሃዱታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንምኽባብ ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን ደማዊ ውግእ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር። ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ቁጽጽሩ እንተደኸመ እውን ግብረ መልሲ ክህብ ከምዝኽእል ድሮ ተራእዩ እዩ። ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታትን መኮንናት ሰራዊትን ሱዳንን ቀቲሉ ኣሎ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ምዕራብ ሱዳን፡ ንመብዛሕትኡ ዞባ ዳርፉር ከምኡ'ውን ንገለ ክፋል ደቡብ ተቖጻጺሩ ይርከብ።
እቲ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝድገፍ መንግስቲ ንምብራቓውን ሰሜናውን ሱዳን ይቆጻጸር።
እዞም ክልተ መራሕቲ ብሓባር ሰሪሖም፡ ብሓባር ድማ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም እዮም። ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ስልጣን ቃልሲ ግን ኣብ ሚያዝያ 2023 ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ።
ንካርቶም ምሉእ ብምሉእ ምቁጽጻር፡ ሰራዊት ሱዳን ንማእከላይ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምምላስ ክሕግዞ ይኽእል እዩ።
ብተወሳኺ ሰራዊት ሱዳን ንጀነራል ሄመቲ ኣብ ዕርዱ ዳርፉር ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ከበባ ዳዕመ ሰሪዕ ዝጸንሐት ከተማ ኤል ፋሸር ፈተና ክፈጥረሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ግን ሱዳን ናብ ምምቕቓል (ዲ ፋክቶ ስቴት) ክተምርሕ ሓደጋ ከምዘሎ ይኣምኑ፤ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታትን ደገፍቶምን ኣብ ዞባታት ጽልዋኦም ሱር ሰዲዶም እዮም።
ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝቆጻጸርዎም ከባቢታት ጎናዊ መንግስቲ ንምቛም እናሰርሑ ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱን ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ቻርተር ብምፍራም ጐድናዊ መንግስቲ ኣቝሞም ኣለዉ።
ዕላምኦም፡ ዋላ እኳ ኣብ ዓውደ ውግእ ዕንቅፋት እንተጋጠሞም፡ ሓያል ሓይሊ ኰይኖም ይቕጽሉ ከምዘለዉን ነታ ሃገር ንምቁጽጻር ዘለዎም ድሌት ከምዘይሃሰሰን ምምልካት እዩ።
ህዝቢ ሱዳን፡ ጾር ናይቲ ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘስዓቦ ሰፊሕ ሞት፡ ዕንወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተሸኪሙ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ኵነታት ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ክብል ይገልጾ። ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከምዝተገደዱን ሚልዮናት ድማ ጽዑቕ ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠሞምን እውን የጠንቅቕ።
ይዅን'ምበር ኣብ ካርቱም ዝመጽእ ለውጢ ስልጣን ኣብ ሰብኣዊ ኵነታት ዓቢ ለውጢ ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ መብዛሕትኡ ህዝቢ ሱዳን ለውጢ ክመጽእ ዘሎ ተኽእሎ ግን ሕጂ'ውን ትሑት እዩ።