ኣብ ሱዳን ክልተ መንግስታት ክህልዉ ዘግብር ኣካይዳ እንታይ ሳዕቤናት ኣለዎ?

ሓይልታት ዳዕመ ኣ'ሰሪዕ ምስ ናይ ፖለቲካውን ዕጡቓትን መሻርኽቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ጐድናዊ መንግስቲ ንምቛም ፖለቲካዊ ቻርተር ፈሪሞም።

እቲ ሕጂ ንነብሱ መስራቲ ኪዳን ሱዳን ኢሉ ዝጽውዕ ዘሎ ጕጅለ፡ እቲ ክምስርትዎ ዝደልዩ ዘለዉ መንግስቲ ኣብ "ናጽነት፣ ማዕርነትን ፍትሕን" ዝተሃንጸት ካብ ሃይማኖታዊ ኢድ ኣእታውነት ነጻ፡ ደሞክራስያዊትን ዘይምእኩልን ክኸውን ከም ዝደሊ ይገልጽ።

እዚ ስጕምቲ እዚ ነታ ድሮ ብግጭት ዝዓነወት ሃገር ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ስክፍታታት የልዕል ኣሎ። ሱዳን ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚራ ኣብ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ጥሒላ እትርከብ ሃገር ኰይና፡ ሰራዊታን ዳዕመ ኣ'ሰሪዕ ዝተባህለ ሓያል ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለን ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ንምቍጽጻር ይዋግኡ ኣለዉ።

ሓይልታት ኣ'ሰሪዕን መሻርኽቶምን ዝተፈራረምዎ ክታም ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ዝተፈጸመ ኰይኑ ብወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዓብደልፋታሕ ኣል ቡርሃን ተቓውሞ ገጢምዎ'ዩ።

ካብቶም ፈረምቲ ምክትል መራሒ ሓይልታት ዳዕመ ኣ'ሰሪዕን ሓው መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዓብደልራሒም ዳጋሎ ከምዝዀነ ተፈሊጡ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ መራሒ ናይቲ ንገለ ክፋል ግዝኣታት ደቡብ ኮርዶፋንን ብሉናይልን ዝቈጻጸር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLM-N) ዓብደልዓዚዝ ኣልሂሉ ተረኺቡ።

ንምዃኑ ጐድናዊ መንግስቲ ምቛም እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ህውከት እትርከብ ሃገር

ዳዕመ ሰሪዕ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንመንግስቲ ሱዳን ወኪሉ ዝዋጋእ ዝነበረ ምልሻ ጃንጃዊድ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ዝያዳ ሕሜቲ ብዝብል ሳጓ ብዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ እዩ።

እዚ ሓይሊ እዚ ዳርፉር፡ ንገለ ክፋል ካርቱም፡ ኮርዶፋን፡ ብሉ ናይል ሓዊሱ ንገለ ክፋል ሱዳን ይቈጻጸር ኣሎ።

እንተዀነ እቲ ዛጊት ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ሓድሕዳዊ ኲናት እታ ሃገር ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ ኵነታት፡ ዳዕመ ሰሪዕ ከመይ ገይሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታት መንግስቲ፣ ንኣብነት ምኽፋል ደሞዝ፡ ምእካብ ግብሪ፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ክህብ ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ዳርፉር ዝሰርሕ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሙስባሕ ዒሳ፡ "እቲ ጕጅለ ንሲቪላዊ ጉዳያት ወይ ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምምሕዳር ዝሕግዝ ዝተዋደደ መደብ ስለዘይብሉ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዳርፉር ከምዚ ዓይነት ጐድናዊ መንግስቲ ስለምህላዉ ርግጸኛታት ኣይኰኑን" ይብል።

ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብታ ብሰንኪ እቲ ሓድሕዳዊ ኲናት ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዛኦም ዝተመዛበሉላ ሱዳን ናይ ሓደጋ ደወል ከቃጭሉ ጸኒሖም'ዮም።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ክልቲኦም ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገርን ሓይልታት ዳዕመ 'ሰሪዕን ግፍዒ ፈጺሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ።

"ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዝርከብ ከባቢታት ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ የብሉን፡ እዚ ድማ ምምሕዳራት ከቕውሙ ኣብ ዝፈተኑሉ ዞባታት ጸጥታ ንምትካል ዘይምኽኣሎም መርትዖ'ዩ" ይብል ሙስባሕ ወሲኹ።

ፖለቲካዊ ብልሒ ወይስ ተስፋ ምቝራጽ

ኣብቲ ቻርተር ካብ ዘለዉ እማመታት ሓደ ኣርባዕተ ደረጃታት ዘለዎ ፈደራላዊ ስርዓት ምሕደራ ኰይኑ፡ ብፈደራል፡ ክልልን ከባብያዊ መንግስታትን ዝቘመ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ጎኒ ጎኒ መሰጋገሪ ቅዋም ንምንዳፍ ዝተዋህቦ ቅዋማዊ ኮሚሽን፡ ሰነትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ዘለዎ ሃገራዊ ባይቶ ክህሉ ሓሳብ የቕርብ።

እቲ ቻርተር ብዘይካ'ቲ ኣብ 1956 ዝተኣወጀ ናጽነት ሱዳን፡ ኣብ ትሕቲ ማእከላይ ስርዓተ ምሕደራ ዝተወሰዱ ኵሎም ውሳነታት'ውን ይስርዞም።

ዳዕመ 'ሰሪዕ ካብ ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ ውድባት ዝውክል ምውህሃድ ደሞክራስያዊ ሲቪላዊ ሓይልታት (ተቐዱም) ከምኡ'ውን ኣብ ዞባታት ደቡብን ምዕራብን ታሪኻዊ ጽልዋ ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLM-N)ን ከምኡ'ውን ካብተን ዝጸንሓን ጸለውትን ተቓወምቲ ጕጅለታት ሱዳን ሃገራዊ ሰልፊ ኡማ ሓዊሱ ካብ ሓያሎ ወሰንቲ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ደገፍ ረኺቡ።

ዳዕመ 'ሰሪዕ እዚ ፖለቲካዊ መሰረቱ ንምስፋሕን ኣብ ውሽጢ ዓድን ብደረጃ ዓለምለኸን ተቐባልነት ንምርካብን ክሕግዞ ተስፋ ገይሩ'ሎ።

ክኢላታት ናይቲ ዞባ ግን እዚ ስጕምቲ ንዳዕመ ሰሪዕ ዘይምችእ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጹ። "እዞም ንዳዕመ ሰሪዕ ዝድግፉ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዅን ብዓለምለኻዊ ደረጃ ጽልዋ የብሎምን" ይብል ሙስባሕ ዒሳ።

ሱዳን፡ 'ናይሮቢ ንጻዕርታት ዳዕመ ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ' ኢላ ብምኽሳስ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደር እታ ሃገር ናብ ዓዱ ጸዊዓቶ ኣላ።

ኬንያ፡ ነቲ ዝርርብ ገለልተኛ መድረኽ ብምሃብ ጥራይ ንጻዕርታት ሰላም ትድግፍ ከምዘላ ብምግላጽ ንነብሳ ተኸላኺላ።

እንተዀነ ብዙሓት ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ንሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ብምድጋፍ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ሓድሕዳዊ ኲናት ብምጕህሃር ይኸስዎ'ዮም።

ኣቦ መንበር ኮሚተ ርክባት ወጻኢ ኣመሪካ ሰነተር ጂም ሪሽ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕበራዊ ገጽ ኤክስ "ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሱዳን ብሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ዝተፈጸመ ግፍዓዊ ተግባራት መንቀሊ ሞት ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ከምዝዀነን ምጽናት ዓሌት ምዃኑን ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ኮንግረስ ኣኼባ መሪሐ። ኣብ ጥሪ ድማ ፖሊሲ ኣሜሪካ ኰይኑ። ሕጂ ድማ፡ መሓዛ ኣሜሪካ ዝዀነት ኬንያ ንሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ብምሕጋዝ ብጉልባብ ዘተ ሰላም ሕጋዊ መንግስቲ ክዀኑ ትሰርሕ ኣላ" ኢሉ።

ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ወሰንቲ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ሰሜን ካርቱምን ኦምዱርማንን ተቓውሞታት ገጢምዎም ኣሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ነታ ርእሰ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ምስተቘጻጸረ ናይ ባዕሉ መንግስቲ ክምስርት ተስፋ ኣሕዲሩ'ሎ።

ነዚ ብድሆታት ዝገጥሞ ዘሎ ዳዕመ ሰሪዕ፡ ብፍላይ ኣብተን ስልጣኑ ዝዓቀበለን ከባቢታት፡ መስመራት ውግእ ከደልድል ይጽዕር ኣሎ።

ከምቲ ተመራማሪን ተንታኒ ፖሊሲን ሱዳን ሓሚድ ኻልፈላ ዝገልጾ "ዳዕመ ሰሪዕ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ስትራተጂያዊ ባይታ ምስ ሰኣነ፡ ስትራተጅኡ ክቕይር ከምዘለዎ ዝተገንዘበ ይመስል። ሕጂ ናብ ዘተ እንተኣትዩ፡ መዋገኢ ካርድ ስለዘይህልዎ ውጽኢቱ ኣሉታዊ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ቍጠባዊ ድርኺታት

ዳዕመ ሰሪዕ ኣገደስቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይታ ሃገር ክቈጻጸር ምኽኣሉ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ጽልዋን ምቅይያራት ሓይልን ዓቢ ረቛሒ እዩ።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጸጋኦም ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ዕደና ወርቂ እዩ።

ሱዳን ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣፍረይቲ ወርቂ ኣፍሪቃ ኰይና፡ እዞም ዕደናታት ንቍጠባ እታ ሃገር ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። እዚ ድማ ዓቢ ፋይናንሳዊ ብልጫ ዝህቦም ኰይኑ ወተሃደራዊ ዕጥቅታቶም ንምሽማት ክጥቀምሉ ይኽእሉ።

ክንዮ ወርቂ፡ ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ገለ ካብ ዕደናታት ነዳዲ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባታት ደቡብ ኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ህላወ ኣለዎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ነቲ ዝዓበየ ነዳዲ ዘፍሪ ከባቢታት ዝቈጻጸር እኳ እንተዀነ፡ ዳዕመ ሰሪዕ ናብዞም ናይ ነዳዲ ከባቢታት ክንቀሳቐሱ ምኽኣሎም ሕጂ'ውን ካብ ሰደድ ነዳዲ መኽሰብ ክረኽቡ የኽእሎም።

እዚ ድማ ንሃብቲ ሱዳን ዝያዳ ንምምዝማዝ ከስዕብ ከምዝኽእል ሓሚድ ኻላፋላ ይትንትን። ንሱ ኣስዒቡ "እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዕደና ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ብሰፊሑ ተራእዩ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ "ክልቲኦም ሓይልታት ቍጠባዊ ዓቕምታቶም ይፈጥሩ ኣለዉ፣ እቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ግን ህዝቢ ሱዳን እዩ፡ ጸጋታቱ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይሽየጥ ኣሎ" ይብል ሓሚድ።

ዞባዊ ሳዕቤናት

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሊብያ ድሕሪ ውድቀት ሙዓመር ቀዛፊ፡ ክልተ ተቐናቐንቲ መንግስታት ቆይሞም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ'ዩ።

እታ ሃገር ኣብ ትሪፖሊ ብዕጡቓት ጉጅለታትን ምልሻታትን ዝድገፍ መንግስቲን ኣብ ቶብሩክ ድማ ብዓለምለኻዊ ተዋሳእቲ ብፍላይ ድማ ግብጽን ኢማራትን ዝድገፍ መንግስቲ ተኸፋፊላ ከምዝነበረት ይዝከር።

ዋላ እኳ ኣህጉራዊ ጻዕርታት ደላይ ሰላም ይግበር እንተነበረ፡ እዞም ተቐናቐንቲ መንግስታት ብኣድማዒ መንገዲ ክመሓደሩ ስለዘይከኣሉ፡ እቲ ኩነታት እናተበላሸወ ናብ ዝተናውሐ ኲናት ሓድሕድ ብምኻድ ቀጻሊ ዘይምርግጋእ ኣስዒቡ።

ሓሚድ "ዳዕመ ኣልሰሪዕ ካብቲ ናይ ሊብያ ተመኩሮ ይወስድ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን ከምቲ ኣብ ሊብያ ዝነበረ እዚ ኣገባብ ምርግጋእ ኣየምጽአን - ምፍልላይ ጥራይ'ዩ ከስዕብ ዝኽእል። ሱዳን ካብ ከምዚ ዓይነት መንገዲ ኣይትጥቀምን" ይብል።

እቲ ዝዓበየ ዕማም ዳዕመ ሰሪዕ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ምርካብ'ዩ። ኣብ ናይሮቢ ኣኼባታት ንምእንጋድ ዝተወሰደ ውሳነ ብዞባውን ኣህጉራውን ደረጃ ደገፍ ንምእካብ ዝተገብረ ፈተነ ምንባሩ ክኢላታት ይገልጹ፤ ምኽንያቱ ብዘይ እቲ ክቐውም ዝሕሰብ ዘሎ መንግስቲ ሃለዋቱ ንምቕጻል ክሰናኸል እዩ።

ሓያሎ መራሕቲ ዳዕመ ሰሪዕ ብፍላይ ድማ ዳጋሎ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ብምስታፎም ኣህጉራዊ እገዳታት ይገጥሞም ኣሎ።

እዚ እገዳታት ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ናይ መገሻ እገዳን ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ዝኾነ ይኹን ንብረት ከየንቀሳቕሱ ምእጋድን ዘጠቓልል እዩ። ሕብረት ኤውሮጳ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዳዕመ ሰሪዕ እገዳ መገሻን ምእጋድ ንብረትን እውን ኣንቢሩ ኣሎ።

እቲ ግጭት ሕጂ ዳርጋ ናብ ክልተ ዓመት ተቓሪቡ'ሎ። ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ስለዝተመዛበሉ ድማ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝያዳ ኣጋዲድዎ ኣሎ።

ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዘይምርግጋእ ሱዳን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክዝርጋሕ ከምዝኽእልን፡ ጐድናዊ መንግስቲ ክህሉ ዝግበር ድፍኢት ድማ ዝያዳ ነዳዲ ናይቲ ግጭት ምዃኑ ተመራማሪን ተንታኒ ፖሊሲን ሱዳን ሓሚድ ኻልፈላ የጠንቅቕ።

"ድሮ ኣብ ጥቓ ዶባት ሱዳን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ርኢና ኢና፡ እታ ሃገር ዝያዳ እንተተበታቲና ድማ እዚ ቀልጢፉ ናብ ምሉእ ዞባዊ ግጭት ክምዕብል ይኽእል'ዩ" ዝበለ ኻልፈላ ከም በዓል ግብጺ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ግዳማውያን ሓይልታትን ረብሓታተን ንምሕላው ጣልቃ ክኣትዋ ከምዝኽእላ ኣጠንቂቑ'ሎ።