ብኬንያ ዝተቖጥዐት ሱዳን ኣምባሳደራ ካብ ናይሮቢ ክምለስ ኣዚዛ

ኬንያ፡ ንሓይልታት ኣዳዕመ-ኣልሰሪዕን መሻርኽቶምን ናይ ባዕሎም መንግስቲ ንክምስርቱ ዝዓለመ ኣኼባ ከካይዱ ብምፍቃዳ ዝተቖጥዐ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣምባሳደሩ ክምለስ ኣዚዙ'ሎ።

ተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ናይሮቢ ኣኼባ ከቃንዑ ብምፍቃዳ፡ ሕግታት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ዝጠሓሰት'ውን እቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ከሲሱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ሱዳን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ንውሳነ ኬንያ ንምቅዋም ኣምባሳደሩ ከምጸውዐ ኣፍሊጡ።

"ኬንያ፡ ንኣኼባ ተቓወምቲ ሚሊሻ [ኣል-ሰሪዕ)ን መሓዙቶምን ብምእንጋድ ተጻባኢ ስጉምቲ ብምውሳዳ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንምባሳደር ሱዳን ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ካማል ጃባራ ንልዝብ ጸዊዓቶ'ላ" ይብል እቲ መግለጺ።

ንተግባር ኬንያ ብሓይለ-ቓል ዝኾነነት ሱዳን፡ መንግስቲ ኬንያ ነቶም ብጃምላዊ ቅትለት ዝኽሰሱ ጕጅለታት ብምእንጋድ ኣህጉራዊ ሕጊ ይጥሕስ ከም ዘሎ ወቒሱ ነይሩ።

እቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ኣኼባ ተቓወምቲ፡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ዝድግፉ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ዕጡቓት ጕጅለታትን ዝሓቘፈ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሽርክነት ንምቛም ዝተወስደ መባእታዊ ስጕምቲ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተቘጻጸሮ ቦታታት ጐድናዊ መንግስቲ ንምትካል ዝዓለመ እዩ።

እቲ ዋዕላ፡ ወግዓዊ ቻርተር ሓድሽ 'መንግስቲ' ብምፍራም፡ ብሰሉስ ክዛዘም እኳ ውጥን እንተ ነበረ፡ መራሒ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን ዓብደልዓዚዝ ኣልሂሉ ብዝሓተቶ ጠለብ መሰረት ግን ንጽባሕ ዓርቢ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

እዚ ምቋም ጐድናዊ መንግስቲ'ዚ፡ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ከይመቓቕላ ብኣጋኡ ስግኣታት ፈጢሩ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፍጻመ፡ ነቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነት ሱዳን ተጻባኢ ንጥፈታት ክካየድ ከይተፍቅድ ንዝኣተወቶ መብጽዓ ዝጻረርን ኣንጻር ህዝቢ ሱዳን ጽልኢ ከም ምእዋጅን ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ምኒስትሪ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ መንግስቲ ኬንያ ዝወሰዶ ስጕምቲ ክዅንን ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ባይታ ዝዀነ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ብምስማር፡ ነቲ ኵነታት ንምእራም ስጕምትታት ክወስድ ምዃኑ ሓቢሩ።

'ኣስታት 200 ነበርቲ ተረሺኖም'

እዚ ከምዚ እናሃለወ ድማ፡ እቶም ምስ ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለ ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF) ኣብ ክልተ ቍሸታት ሱዳን፡ ልዕሊ 200 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝረሸኑ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።

'መርበብ ጠበቓታት ህጹጽ እዋን' ብዝብል ዝፍለጥ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግዝኣት 'ዋይት ናይል'፡ ኣል-ካዳሪስን ኣል-ከልዋትን ኣብ ዝተባህላ ቍሸታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ከም ዘጋጠመ ገሊጹ።

እቲ ከባቢ፡ ሰራዊት 'ታ ሃገር ዘይርከበሉ ከም ዝዀነ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብሪሁ።

እቶም ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ "ቅትለት፡ ጭውያ፡ ምስዋርን ምዝማትን ንብረት፡" ዝፈጸሙ ገበነኛታት ምዃኖም እቲ መርበብ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጀምር ኣትሒዙ፡ ብተመሳሳልቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ድሒሩ ዝስማዕ ዘሎ ክሲ ርእይቶ ኣይሃበን።

እቶም ኣብቲ ደማዊ ኲናት ተሸሚሞም ዝርከቡ ክልቲኦም ኣካላት፡ ሕብረት ፈጢሮም ብዕልዋ መንግስቲ፡ ናብ ስልጣን ደዪቦም ዝነበሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ዝድገፍ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ኣብ ዝተገብረ ውጥን ግን ተፈላልዮም።

ገለ ላዕለዎት መራሕቲ'ቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳር ንምቛም መደብ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ቻርተር ክፍርሙ እዮም።

እዚ ስጉምቲ ኣብ ሱዳን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓል ዝበኣሰ ከዕምቖ ከም ዝኽእል ተንተንቲ የጠንቅቑ።

ለገስቲ ሰብኣዊ ረድኤት፡ እቲ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ክፈናቐሉ ዘገደደ ግጭት፡ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ከየምርሕ ከጠንቅቑ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ክልቲኦም ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዕጡቓት እቲ ጕጅለን ብገበናት ኲናት ይኽሰሱ።

ሕምብርቲ ናይዚ ግጭት ኣብ መንጎ ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን መነሓንሕቱ ዝዀነ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ "ሕመቲ"ን ዝተፈጥረ ሃጓፍ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ስሩዕ ሰራዊት፡ ንወተሃደራዊ ዋና ቤት ጽሕፈታ ሓዊሱ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ መሊሱ ምስ ተቘጻጸረ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ይድፋእ ኣሎ ዝብል ጥርጣረታት ፈጢሩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ሰራዊት ንወሳኒት ግዝኣት ጀዚራ እውን ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ተቘጻጺሩዋ ይርከብ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብቶም ገና ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘለዉ ከባቢታት፡ ብቐንዱ ኣብ ዳርፉርን ገለ ክፋል ግዝኣት ኮርዶፋንን ዝርከቡ፡ ሓድሽ ምምሕዳር ንምቛም እናተጓየየ ይርከብ።

ኣብ ናይሮቢ ምስ መሓዙት ጕጅለታት ብምርኻብ፡ ነቲ "ፖለቲካዊ ቻርተር ንሰላምን ሓድነትን ዝቘዉም መንግስቲ " ዝብል ውጥን ነዲፉ ጽባሕ ዓርቢ ከጽድቖ ትጽቢት ይግበር።

ጀነራል ኣል ቡርሃን ነቲ ስጕምቲ ነጺጉ፡ ንመላእ ካርቱም ድማ ዳግማይ ከም ዝቈጻጸራ ተሓንዩ ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝመደበሩ ኰይኑ፡ እቶም መነሓንሕቱ ነቲ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈትን ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንትን ምስ ተቘጻጸሩ ካብ ካርቱም ክወጽእ ከም ዝተገደደ ዝዝከር እዩ።