እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ሩስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ምስ ሱዳን ተሰማሚዓ
ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ምስ ሱዳን ስምምዕ ፈሪማ።
እቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሺር ዝተበገሰ ስምምዕ ንምትግባር ዝዕንቅፍ ከም ዘየሎ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ዮሱፍ ተዛሪቡ።
ሞስኮ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚራ ኣብቲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቀይሕ ባሕሪ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ድሌት ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ እቲ ንኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ኣልዩ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ መንግስቲ እቲ ስምምዕ ዳግመ-ግምት ክግበረሉ ኣለዎ ብምባል፣ ከምኡ'ውን ብሰንኪ'ቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ተወንዚፉ ጸኒሑ።
እቲ ሱዳናዊ ምኒስተር ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ሰርገይ ላቭሮቭ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ ምህናጽ እቲ ንመራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ከአንግድ ትጽቢት ዝግበረሉ ወደብ ምስ ሞስኮ "ፍጹም ስምምዕ" ከም ዘለዎም ተዛሪቡ። ተሪፉ ዘሎ ምጽዳቕ ጥራሕ ምዃኑ'ውን ምኒስተር ዓሊ ዮሱፍ ጠቒሱ።
"ሱዳንን ሩስያን ብዛዕባ ስምምዕ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ብዝምልከት ኣብ ምርድዳእ በጺሐን ኣለዋ፡" ክብል ዓሊ ዮሱፍ ኣብቲ ብረቡዕ ምስ ላቭሮቭ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መብርሂ ገሊጹ።
"እቲ ጉዳይ ቀሊል'ዩ. . . ኣብ ኵሉ ጉዳያት ተሰማሚዕና ኣለና፡" ዝበለ እቲ ምኒስተር ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ሰርገይ ላቭሮቭ ብወገኑ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣይጠቐሰን።
ኣመሪካ፡ ቻይናን ፈረንሳን ድሮ ኣብቲ ስትራተጅያዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ቀርኒ-ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከር ከም ዘለወን ይፍለጥ።
እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ዕምሪ ስልጣን ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ንፈለማ እዋን ዝተዘርበሉ ኰይኑ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ምስ ሓዘ'ዩ ኣብ 2020 ተፈሪሙ።
ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ሓድሕድ ምስ ተወልዐ ግን እቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ከይረኸበ'ዩ ጸኒሑ።
ብመሰረት እቲ ውዕል፡ እቲ ሩስያ ኣብ ፖርትሱዳን ክትሃንጾ መዲባ ዘላ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ን25 ዓመታት ዝጸንሕ'ዩ።
ንዩክለሳዊ መራኽብ ዝርከብአን ክሳብ 4 መራኽብ ኲናት ሩስያ ኣብቲ ወደብ ክዕስክራ ክፍቀደለን ምዃኑ እቲ ስምምዕ ይገልጽ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፖርት ሱዳን ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ መዓስከር፡ ኣስታት 300 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክሰፍርዎ'ዮም።
ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ስጕምቲ፡ ሩስያ ክህልዋ እትደልዮ ጅኦፖለቲካዊ ጽልዋ ንምዕባይ ዝዓለመ'ዩ።
ቀይሕ ባሕሪ ብዓይኒ ዓለምለኻዊ ንግዲ ይዅን ወተሃደራዊ ረብሓታት ልዑል ጅኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ መትረብ ስወጽ ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘራኽብ ባሕሪ'ዚ፡ ኣስታት 12% ካብ ንግዲ ዓለም ብእኡ ይሓልፍ።
እታ ኣብ ሶርያ ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወ ምስ ምፍራስ ስርዓት ባሻር ኣልኣሳድ ከም ዝኸሰረት ዝንገረላ ሩስያ፡ መተካእታ ንምድላይ ኣብ ፖርትሱዳን ዘለዋ ተገዳስነት እናዓበየ ምምጽኡ ተንተንቲ ይገልጹ።
ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝመስረትዎ ሓድሽ መንግስቲ ሶርያ፡ ነቲ ምስ ሩስያ ዝጸንሐ ናይ ወደብ ውዕል ከም ዝሰረዝዎ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሩስያ ናብታ ርእሲከተማ መንግስቲ ሰራዊት ሱዳን ኰይና ዘላ ፖርትሱዳን ከም ዝበጽሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሩስያ ምስ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኲናት ሱዳን ዘለዋ ዝምድና ንምምሕያሽ ትጽዕር ከም ዘላ ይግለጽ።
ሞስኮ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምዕራባውያን ሃገራት ብምትካእ ዲፕሎማስያውን ጸጥታውን ርክባታ ከተሕይል ጸኒሓ'ያ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሱዳን ናብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ክትምለስ ትደሊ ከም ዘላ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ትማሊ ሰሉስ ንሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንሲቭላዊ መንግስቲ ሱዳን ብምእላይ፡ "ዕልዋ ኣካዪዱ" ብምባል ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣባላነት ሱዳን ኣደስኲሉ።
እቲ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልኡኻት ሱዳን ኣብቲ ዋዕላ ምስ ሰበስልጣን ኣፍሪቃ ጐድናዊ ርክባት ብምክያድ፡ እገዳ ኣባልነቶም ብዛዕባ ዝለዓለሉ ክዘራረቡ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት፡ ሱዳን ንራብዓይ ግዜ ካብ ዋዕላ ኣፍሪቃ ክትበኵር ተገዲዳ።
መንግስቲ ሱዳን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቐመጦ ቅድመ-ኵነት ንምምላእ፡ ቀዳማይ ምኒስተር መዚዙ ኣብ መወዳእታ ለካቲት ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከሰጋግር ቃል ከም ዝኣተወ እቲ ምንጪ ይሕብር።