እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዓብላሊት ልዕለ ሓያል ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዋ ድዩ?
ኣብዚ ሰሙን ሩስያ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝርከብሉ ጉባኤ ተካይድ ኣላ። እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ቀላሲት ናይ ምዃን ዘለዋ ልዑል ድሌት ዘመላኽት ሓደ ኣብነት እዩ።
ሕብረት ሶቭየት፤ ኣብዛ ኣህጉር ዓብይ ቦታ እንተነበራ'ኳ ኣብ እዋን 'ዝሑል ኲናት' እዩ ህላወኣ ናብ ትሑት ብርኪ ወሪዱ።
እንተኾነ፤ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ቀረባ፡ ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃ ዝህልዋ ርክባት ምጥንኻር ሓደ ኣካል ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር እዩ ኢሉ።
ክፍሊ ቢቢሲ ዝኾነ 'ሪያሊቲ ቸክ' ብኸመይ እያ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ወሳኒት ክትከውን እትኽእል ዝብል ሓቂ ካብ ስሩ ይምልከት።
ሃቐነ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ?
ሞስኮ፡ እቲ ጉዳይ ኣስፊሓ ከምዝሓዘቶ ግልጺ እዩ። እቲ ኣብ እዋን ሕብረት ሶቭየት ዝነበረ ርክብ መሊሳ ክተጠናኽሮ ድሌት ኣለዋ።
ፑቲን፡ ምስ ቲ ኤ ኤስ ኤስ ዝተብሃለ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ዝገበሮ ቃለ መሓትት፡ ርክባት ኣፍሪቃን ሩስያን ጸሓይ ክበርቀሉ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን፣ ኣብ ወተሃደራዊ ኾነ ቁጠባዊ ረብሓታት፣ ከምኡውን ኣብ ዓውዲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ትምህርትን ሓቢሮም ክሰርሑ ዝደልዩዎም ዛዕባታት ከምዝኾኑ ፑቲን ጠቒሱ።
እታ ሃገር ብፍላይ ምስ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ፤ እተን ሽድሽተ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቡቕ ዝበሃል ርክባት ጀሚራ ኣላ።
እንተኾነ፡ እዚ ገስጋስ ሩስያ ንገለ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ምዕራብ ኣየሐጎሰን። 'ተበሊጽና ግዲ' ዝብል ስምዒታት ኣሕዲሮም።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ጆን ቦልተን፡ ነዚ ግስጋሰ ሩስያን ቻይናን ዝገትእ ከምዝኾነ ዝተኣመነሉ፡ ስትራጅያዊ ውጥን ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዋሺንግተን ፖስት ዝወጸ ሓደ ርእሰ ዓንቀጽ ግና፡ ጽልዋ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ እናንቆልቆለ፤ ብሩስያ እናተዓብለለ ይመጽእ ከምዘሎ ይሙግት። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኣጽዋርን ጉዳያት ጸጥታን።
ወተሃደራዊ ስምምዓት
ሩስያ ኣብ መሸጣ ኣጽዋራትን ወተሃደራዊ ርክባትን ኣብ ኣፍሪቃ ሕልፊ ስፍራ እዩ ዘለዋ።
እንተኾነ፡ ብዓይኒ ዓለምለኸ እንክረአ ቀንዲ መራገፊ ኣጽዋር ሩስያ ኣፍሪቃ ከይኮነስ፡ ዕዳጋ ኤስያ እዩ።
ተቐማጥነቱ ኣብ ስቶክሆልም ዝኾነ ትካል ምርምር ዓለም ለኸ ሰላም [SIPRI] ከምዝበሎ፡ ካብ 2014-2018 ናብ ኣፍሪቃ ዝለኣኽ ኣጽዋራት ሩስያ 17 ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ። እዚ መጠን ንግብጺ ከየካተተ እዩ።
እቲ ዝዓዘዘ ድማ ናብ ሃገረ ኣልጀርያ እዩ ዘምርሕ። ካብኡ ወጻኢ፡ ሰለስተ ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ ኣብ ካልእ ከባቢ'ታ ኣህጉር ዝራገፍ።
ስለዚ ብመጠን በዝሒ እንክረአ ብፍላይ ናብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝልኣኽ ኣጽዋር ክንድቲ ኣይኮነን።
ይኹን'ምበር ብፍላይ ካብ 2014 ጀሚሩ ቁጽሪ ጸጥታዊ ርክባት እናወሰኸ ክምጽእ እንከሎ፡ ምስ 19 ሃገራት ዝተፈረመ ወተሃደራዊ ስምምዓት ጽቡቕ መርአያ እዩ።
ኣብ 2017-18 ጥራሕ፡ ሩስያ ምስ ኣንጎላ፣ ናይጀርያ፣ ሱዳን፣ ማሊ፣ ቡርክናፋሶ፣ ኢኳቶርኣል ጊኒ ኣብ መሸጣ ኣጽዋራት ስምምዓት ተፈራሪማ እያ።
እዚ ድማ፡ ልውውጥ ነፈርቲ ውግእ፣ ንምክልኻልን ንመጓዓዝያን ዘገልግላ ሆሊኮፕተራት፣ ጸረ ታንኪ ሚሳኤላት ከምኡ ድማ ንናይ ውግእ ነፈርቲ ዝውዕል ሞተራት ዘካተተ እዩ።
ወተሃደራዊ ተልእኾ
ሩስያ ኪኖ መሸጣ ወተሃደራዊ ንዋት፡ ኣብ ጸጥታውን ወተሃደራውን ዝሳተፉ ወተሃደራት ብምልኣኽ ዘለዋ ጽልዋ ይዛይድ።
ንኣብነት፡ ሩስያ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ እታ ሃገር ብወተሃደራት ሕቡራት ሃገራት ተደጊፋ ኣንጻር ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ እትገብሮ ዘላ ኵናት ንጥፍቲ እያ ዘላ።
ውልቃውያን ወተሃደራት ሩስያ እውን ኣብ ሓለዋ ላዕለዎት ሓለፍትን ወሰንቲ ናይ ቁጠባ ትካላትን እውን ይነጥፉ እዮም።
እዞም ውልቃውያን ወተሃደራት ሩስያ ምስ ክረምሊን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ሱዳን፡ ሊብያን ካልኦት ሃገራት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከቡ።
ነዞም ውልቃውያን ወተሃደራት ሩስያ እቲ መንግስቲ ሩስያ፡ ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎም ክጠቅስ ኣይስማዕን እዩ፡ ዝበዝሐ እውን ነዚ ከምዚ ዓይነት ጸብጻብ ይነጽጎ'ዩ።
እንተኾነ ፓውል ስትሮስኪ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ውልቃዊ ትካል ጸጥታ፡ እዞም ውልቃውያን ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝህብዎ ኣገልግሎት ጸጥታ፡ ንሞስኮ ይጠቕማ ምህላዉ'ዩ ዝጠቕስ።
እዞም ውልቃውያን ወተሃደራት ሩስያ ወላ ድኣ በቲ ዝህብዎ ናይ ጸጥታ ስራሓት ነብሶም ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ንሩስያ ኣብተን ሃገራት ዘለዋ ጸጥታውን ፖሎቲካዊ ህላወን ብዝውሓደ ዋጋ ንኸተስፍሕ ይሕግዛ ምህላዉ'ዩ ፓውል ስትሮስኪ ዝዛረብ።
ባህርያዊ ሃብቲ
ሩስያ፡ ሕጽረታት ከም ማንጋኒዝ፡ ቦክሳይትን ክሮምዮምን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ስለዘለዋ፡ ኣብ ቁጠባ ኣፍሪቃ ግዳሰ ክህልዋ ካብ ዝድርኹ ሮቋሒታት እዩ።
ብመንግስቲ ዝውነና ታካላት ሩስያ፡ ኣብ ጊኒ ባክሳይት፡ ኣብ ኣንጎላ ኣልማዝ፡ ኣብ ሞዛምቢክ ጋዝ ኣብ ምዕዳን ይርከባ።
ሉኮሊ ዝተብሃለ ዓርሞሽሽ ብውልቂ ዝውነን ናይ ጽዓት ትካል ሩስያ እውን ኣብ ካሜሮን፡ ጋናን ናይጀርያን ኣብ ምስራሕ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ሪፓብሊክ ኮንጎ እውን እግሪ ንምንባር ኣብ ምፍታሽ ይርከብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሩስያ ንዝተፈላለያ ሃገራት ኒኩለራዊ ጽዓት ትህብ እያ፡ ኣብ ግብጺ እውን ብልዋሕ ዝተረኸበ 25 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ፋብሪካ ኒክሎራዊ ጸዓት፡ ዝመጽእ ዓመት ንምትካል ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ።
ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ግን ሩስያ ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ንግዳዊ ወፍሪ ኣብ ኤስያን ኣውሮጳን ትገብሮ ዘላ ወፍሪ ይዛይድ።
ኣብ 2017 ሃገራት ትሕተ ሳህራ ካብ ምስ ሩስያ ዝነበረን ንግዳዊ ርክብ ምስ ቻይና፡ ኣውሮጳን ምስ ኣሜረካን ዝነበረን ርክብ ይተርር።
ሩስያ ዋላ እኳ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ምትእስሳር ንኸተዕቢ ትሰርሕ ትሃሉ፡ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ተወዳዳርነት ንኸተዕቢ ግን ዝተረፋ ነገር ዘሎ ይመስል።