ሲ ኣይ ኤ ረጋቢት ገዛ ንስለያ ይጥቀመለን ከም ዝነበረ ዝሕብር ሰነዳት ተቐሊዑ

ትካል ስለያ ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሲ ኣይ ኤ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ምስጢራዊ ኣገባብ ቃልዕ (ዲክላሲፋይ) ጌሩ።

እቲ ንፈለማ እዋን፡ ዝግለጽ ዘሎ ምስጢር፡ ረጋቢት (ፒጂንስ) ተልእኾ ስለያ ንክፍጽማ ናብ ሶቬት ይላኣኻ ምንባረን ዝሕብር'ዩ።

እተን ረጋቢት፡ ኣብ ሶቬት ሕብረት ነበር ሶሊኸን ብምእታው፡ ናይ ኣገደስቲ ዝተባህሉ ቦታታት ስእሊ ሒዘን ይምለሳ ምንባረን እቶም ንህዝቢ ቃልዕ ዝወጹ ሰነዳት ይምስክሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሲ ኣይ ኤ፡ ኳኻት ብምስልጣን፡ ናይ መጸናጸኒ መሰሪሒታት ኣብ መሳኹቲ ህንጻታት ከም ዝሰዃዕ ይገብር ነይሩ።

ከም 'ሲል' ኣቡሳላማን (ዶልፊን) ዝበሉ እንስሳታት ባሕሪ'ውን ንስለያዊ ስራሓት ይጥቀመሎም ምንባሩ ኣብቶም ሰነዳት ሰፊሩ'ሎ።

እቲ ትካል፡ እንስሳታት "ፍሉይ" ምስጢራዊ ዕማማት ክፍጽሙ ይኽሉ'ዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ሰነደቱ የረድኡ።

ኣብቲ ኣብ ላንግለይ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሲ ኣይ ኤ፡ ሓደ ንህዝቢ ክፉት ዘይኮነ ቤተመዘክር ኣሎ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ጎርዶን ኮረራ ምስ ዳይረክተር ሲ ኣይ ኤ ዝነበረ ቃለመሕትት ንምግባር ናብኡ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ'ቶም ናይ መጸናጸኒን ስለያዊ መሳርሒታትን ሓደ ፍሉይ ትርኢት ተዓዚበ።

ሓንቲ ካሜራ ዝተቐነተት ናይ ርግቢት ሞደል እያ።

ብዛዕባ'ተን ብሪጣንያ ኣብ ካልኣይ ወግእ ዓለም ዝተጠቕመትለን ናይ ስለያ ረጋቢት መጽሓፍ እጽሕፍ ብምንባረይ ተገዳስነተይ በሪኹ።

እንተኾነ ግን፡ ብተደጋጋሚ፡ ናይ ሲ ኣይ ኤ ናይ ረጋቢት ስለያዊ ስራሓት ገና ሚስጢራዊ ምዃኑ ተነጊሩኒ። ሕጂ ክሳብ ዝቕላዕ ማለት'ዩ።

እቲ ኣብ 1970ታት ዝተፈጸመ ስርሒት፡ ታካና ዝብል ብምስጢራዊ መጸውዒ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ንኣሽቱ ካሜራታት ዝሓዛ ረጋቢት ኣውቶማቲክ ስእልታት ክወስዳ ዝከኣል እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ምንባሩ እቶም ሰነዳት ይሕብሩ።

እታ ትሕትቲ ርግቢት ዘለዋ፡ ዳርጋ ልዕለሓያል ከብላ ዝኽእል ብሉጽ ክእለት ክጥቀምሉ ዝሃቀነ መደብ'ዩ ነይሩ።

ረጋቢት ገዛ፡ ኣብ ዝኾነ ቅድሚኡ ከይደንኦ ዘይፈልጣ ቦታ እንተ ተወሲደን፡ ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ተጓዒዘን ናብ ገዝአን ክምለሳ ይኽእላ'የን።

ኣዕዋፍ ተጠቒምካ ዝግበር ርክብ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት'ኳ እንተጀመረ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም'የን ረጋቢት ንፈለማ ኣብ ስለያ (ስለያዊ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ) ክዋፈረ ጀሚረን።

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብዙሕ ዘይፍለጥ MI14(d) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣሃዱ ስለያ ብሪጣንያ ነይሩ - ምስጢራዊ ናይ ረጋቢት ስለያ ዘካይድ።

እቲ ኣሃዱ፡ ነተን ኣዕዋፍ ኣብ ጋብያ ብምእታው ኣብቲ ሰራዊት ናዚ ዝቆጻጸሮ ቦታታት የውርደን ነይሩ። ምስተን ረጋቢት ሓደ መሕተቲ ቅጥዒ (ኮሽኔር) ይኣስሩ ነይሮም።

ልዕሊ 1,000 ረጋቢት ገዛ፡ ብዛዕባ VI ዝተባህሉ ሮኬታት ዝውንጨፍሉ ቦታታትን ናይ ጀርመን መደበራት ራዳርን ዝርከብዎም መልእኽትታት ሒዘን ናብ ቦትአን ተመሊሰን።

ሓደ ካብቶም ዝተላእኩ መልእኽትታት፡ ብሓደ 'ሊዮፓልድ ቪንዲክቲቭ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ጉጅለ ዝተላእከ ኮይኑ፡ 12 ገጻት ዘለዎ ስለያዊ ጸብጻብ ተጻሒፍሉ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቸርቺል ቀሪቡ።

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ውግእ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ስለያዊ ኮሚቴ (ጆንት ኢንተሊጀንስ ኮሚቲ) ብሪጣንያ ኮይኑ ዝሰርሕ፡ "ናይ ረጋቢት ንኡስ-ኮሚቴ" ምንባሩን፡ ረጋቢት ኣብ ናይ ዝሑል ኲናት ስለያዊ ንጥፈታት ንምውፋር ፈተነታት ይገብር ምንባሩ ሰነዳት ስለያዊ ታሪኽ ይጠቕሱ።

ስለዚ 'ስርሒት ታካና' ካብቲ ኣብ 1960ታት ዝነበረ ናይ እንስሳ ስለያዊ ፈተነታት ዝዓበየ'ዩ። ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ፡ ሲ ኣይ ኤ ንኳኻት ብምስልጣን ክሳብ 40 ግራም ዝኸውን ነገራት ካብ ክእቶ ዘይክእል ህንጻታት ከልዕሉ ይግበር ነይሩ።

ውልዕ ጥፍእ ዝብል ናይ 'ሌዘር' ጨረር ብምጥቃም ነቲ ዒላማ ድሕሪ ምንጻር፡ ፍሉይ መብራህቲ ብምውላዕ ነቲ ዑፍ ናብ ቦትኡ ከም ዝምለስ ይግበር።

ሓደ እዋን፡ ኣብ ኣውሮጳ፡ ሲ ኣይ ኤ ሓደ መጸናጸኒ ብሓደ ዑፍ ኣብ መስኮት ናይ ሓደ ህንጻ ከብጽሕ ኪኢሉ'ዩ (ዋላኳ በቲ መሳርሒ ዝተቐድሐ ድምጺ እንተ ዘይነበረ)።

ብዘይካ'ዚ እቲ ትካል ስለያ፡ ሳገምቲ ኣዕዋፍ ብምጥቃም፡ መጸናጸኒ መሳርሒ (ሰንሰርስ) ናብቲ ዝድለ ቦታ ወሲድካ፡ ሶቬት ሕብረት ከሚካላዊ ኣጽዋር ትፍትን እንተ ነይራ ንምፍላጥ ፈተነታት የካይድ ነይሩ'ዩ።

ዋላኳ፡ ገና እቲ ምስጢር ዛጊት እንተ ዘይተቓለዐ፡ ንኣእምሮ ኣኽላባት ብምሕሳን ካብ ርሑቕ ተቖጻጺርካ ስለያዊ ንጥፈታት ከም ዘካይዱ ዝገብር ፈተነታት ከም ዝነበረ'ውን ይንገር።

ቅድሚ ሕጂ፡ ሓደ ኣብ ደማሙ መጸናጸኒ መሳርሒታት ብምእታው ዝሰርሕ 'ኣኮስቲክ ኪቲ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስርሒት ከም ዝነበረ ይዝረብ።

ኣብ 1960ታት፡ ሲ ኣይ ኤ፡ ኣብ ወዳባት ተቐናቓኒ ወገን ሶሊኽካ ንምእታው፡ ብሰብ ዝምርሑን ባዕሎም ዝንቀሳቐሱን ኣቡሰላማ (ዶልፊንስ) ንምጥቃም ተመጣጢሩ ከም ዝነበረ ሰነዳቱ ይምስክሩ።

ኣብዚ እቲ ዝዓበየ ጸገም ዝነበረ፡ ነቲ ዶልፊን ካብቲ ዝለመዶ ኣሰልጣኒኡ ናብ ኣዛዚኡ ንምስግጋር'ዩ ነይሩ።

ኣብ 'ኪ ዌስት' ዝተባህለ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ ዝርከብ ቦታ፡ ሓደ ጉጅለ ናይቲ ትካል ን'ቦትልኖስ' (ኣፍንጫ ጥርሙስ) ተባሂሎም ዝፍለጡ ዓይነት ኣቡሰላማ ብምስልጣን ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ኣንጻር ናይ ጸላኢ መራኽብ መጥቃዕትታት ምፍጻም ዝካኣል እንተኾይኑ ፈተነታት ኣካይዶም።

በቶም ዓሳታት ንምንቅስቓሳት ኑክሌር ዝዓጠቓ ሳብማሪናት (ትሕተማያውያን) ሓይሊ ባሕሪ ሶቬት ንምክትታትልን፡ ኣሰራት ስነሂወታዊ (ባዮሎጂካል) ኣጽዋራት ንምርካብ ፈቲኖም።

ናብ ኣብ ምንቅስቓስ ዘለዋ መራኽብ ንብረት ከበጻጽሑ ዝኽእሉ እንተኾይኖም'ውን ኣካል ናይቲ ፈተነ'ዩ ነይሩ።

ኣብ 1967 ሲ ኣይ ኤ ልዕሊ 600 ሽሕ ዶላር ኣብ ከምዚ ዝበለ መጽናዕትታትን ፈተነታትን ኣጥፊኡ።

ዋላ'ኳ ዝተፈላለዩ ኣዕዋፍ'ውን ተፈቲኖም እንተነበሩ፡ ረጋቢት ገዛ ግን እተን ዝበለጻ ኮይነን ተረኺበን። ኣብ መፋርቕ 1970ታት ድማ፡ እቲ ትካል ናይ ፈተነ ተልእኾታት ከካይድ ጀሚሩ ነይሩ።

ሓደ ፈተነ ኣብ ልዕሊ ቤት ማእሰርቲ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ልዕሊ ወደብ ሓይሊ ባሕሪ ኣካይዱ።

እቲ ነተን ረጋቢት ዝእሰረለን ዝነበረ ካሜራት ኣስታት 2000 ዶላር ዝውድእ ኮይኑ፡ 35 ግራም ዝምዘን፡ መእሰሪኡ ድማ 5 ግራም። ካብቲ ኣብቲ ተገብረ ፈተነ ዝተላዕለ 140 ስእልታት፡ እቲ ፍርቂ ብቑዕ ምንባሩ ተሰኒዱ'ሎ።

እኳድኣስ ካብቲ ናይ ስለያ ሳተላይት ዝስእሎ ስእልታት እቲ ዝሓሸ ኮይኑ'ዩ ተረኺቡ።

ሓደ ዓቢ ስክፍታ ግን ነይሩ። ህዝቢ ነተን ካሜራ ዝዓጠቓ ረጋቢት እንተ ረኺብወን፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስለያዊ ንጥፈታት የካይድ ኣሎ ዝብል ርድኢት ከይፈጥር ተፈሪሁ።

ስለዚ፡ እቲ ዝግበር ናይ ረጋቢት ስርሒታት ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝተባህለ ክኸውን ተወሲኑ። ነዚ ንምግባር'ውን፡ እተን ረጋቢት ብምስጢር ናብ ሞስኮ ክኣትዋን፡ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ከም ዝነፍራ ክግበር ተወጢኑ።

እቶም ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ 1976 ሓደ ስርሒት ረጋቢት ተኻይዱ- ኣብቲ ምዕቡላት ናይ ኑክሌር ሳብማሪናት ሶቬት ዝስራሓሉ ሌኒንገራድ። ይኹን 'ምበር፡ እቲ ስርሒት ብኸመይ ከም እተዛዘመ ኣብቲ ዝተቐልዐ ሰነዳት ከይግለጽ ተመሪጹ።

ብሓፈሽኡ ክንደይ ከምዚኦም ዝበሉ ስርሒታት ከም ዝተኻየዱን፡ ዝኣከብዎ ሓበሬታን ዛጊት ምስጢር ኮይኑ ተዓቂቡ'ሎ።