እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከም ሰለይቲ ዘገልገሉ ዓሳነባርን ካልኦት እንስሳታትን
ኣብ ስልያ እቲ ቀዳማይ ሕጊ ሰላዪ ምዃንካ ከም ዘይፍለጥ ምግባር'ዩ።
ቤሉጋ ዝዓይነቱ፡ ኣብ ማያት ኖርወይ ዝተረኽበ ዓሳነባሪ ነዚ ረቛሒታት ዘማልአ'ኳ እንተነበረ፡ ሓደ መሰረታዊ ጌጋ ግን ፈጺሙ።
ኖርወጃውያን፡ ገፈፍቲ ዓሳን ተመራመርትን ክጠራጠሩ ዝገበሮም፡ እቲ ዓሳ ተዓጢቕዎ ዝነበረ ካብ ሰይንት ፒተርስበርግ ሩስያ ምዃኑ ዝገልጽ ላቔባ እዩ።
ሩስያ ኣበሳ ከም ዘይብላ'ያ ትገልጽ፡ ካብቲ ዓሳ'ውን ዛጊት ሓበሬታ ኣይተረኽበን። ክዛረብ ዘይክእል ድዩ ኮይኑ?
እቲ መልሲ ብዘየገድስ፡ እንስሳታት ኣብ ንጥፈታት ስልያ ክዋፈሩ ግና እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።
ስርሒት ድምጻዊት ድሙ
ብዛዕባ ደማሙ ንፈልጦ ሓደ ነገር እንተሎ፡ ዝደለይዎ ነገር ኣብ ዝደለይዎ እዋን ክገብሩ ከም ዝኽእሉ እዩ።
ደማሙ፡ ክትርድኦም ኣዝዮም ኣጸገምቲ ፍጥረት'ዮም። ትካል ጸጥታ ሲኣይኤ፡ ንኣገዳሲ ስራሕ ደማሙ መሕረዪኡ ምኽንያት ድማ እዚ'ዩ ዝኸውን።
ኣብ 1960ታት፡ ናይ መጸናጸኒ መሳርሒታት ኣብ ደማሙ ንምግጣም፡ ከባቢ 14 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ፡ ወጻኢ ተገይሩ። እቲ ሓሳብ ስልያዊ ሓበሬታት ሩስያ ንምርካብ ዝዓለመ ነበረ።
እንተኾነ ግና፡ እቲ ድሙ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ፡ ብመኪና ስለ ዝተሃረመ፡ እቲ ውጥን ካብ ፈለማ እዩ ፈሺሉ።
መንካዕ (ናይ ለዃኹቶ ነቷጊ)
መንካዕ (ለዃኹቶ) ኣብ በዓትታት ተሓቢኦም ዝነብሩ ብጸልማት ድምጾም ኣጥፊኦም ዝንቀሳቐሱ እንስሳ'ዮም።
እዚ ንሰላዪ ኣገዳሲ ብቕዓት'ዩ።
ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሓደ ናይ ስኒ ሓኪም፡ ኣብ 1 ሚልዮን መንካዕ ተባራዒ ባእታ ናይ ምግጣም ሓሳብ ኣንቀለ።
እቲ ሓሳብ፡ ነቶም መንካዕ ኣብ ከተማታት ጃፓን ብምብታን ህንጻታት ንምፍንጃር እዩ ነይሩ።
ዝተፈላለየ ፈተነታት ተገይሩ'ኳ እንተነበረ ናብ ተግባር ግና ኣይሰገረን።
ዝሰምዑ ሓሸራታት
ኣብ 2008 ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ብርሑቕ ክቆጻጸሮ ዝኽእል 'ዝተምሓየሸ' ሓሸራ ንምምዕባልን ፈቲኑ ምንባሩ 'ኒው ሳይንቲስት' ጸብጺቡ።
እንተኾነ ግና ኣብ ሰፈር ጸላኢኻ፡ መጸናጸኒ ዝተተኽሎ፡ ሓሸራ ክተንፍር፡ ክኸውን ዝኽእል ኣይነበረን። ተመሳሳሊ ፈተነታት ብዓበይቲ ዓሳታት፡ ኣናጹ፡ ረጋቢትን ተኻይዱ ዝተፈላለየ ዓወታት ተመዝጊቡ'ዩ።
ሎሚ ግና እቲ ኣተኩሮ፡ ንተፈጥሮኣውያን ሓሸራ ዝመስሉ ንኣሽቱ መጸናጸኒታት ናብ ምምዕባል'ዩ ኮይኑ ዘሎ።
ብጌጋ ዝተኸሰሱ
ንእንስሳታት ናብ ስልያ ምውፋር ነዊሕ ዝጸንሐ ልምዲ እዩ። እንተኾነ ግና ነቶም ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወድቁ፡ ምንም ኣበሳ ዘይብሎም እንስሳታት ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ 2007 ሰራዊት ኢራን፡ 14 "ሰለይቲ ምጹጹላይ" ኣብ ከባቢ ትካል ምምዕባል ኒኩለር ሒዙ። እንታይ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ግና ክሳብ ሕጂ ኣይተነጸረን።
ብዙሕ ግዜ ኣዕዋፍ፡ ምኽንያት ፍርሒ ኣሃዱታት ጸጥታ ኮይኖም እዮም።
ሰብ መዚ ግብጺ፡ ኣብ 2013፡ ሓንቲ ራዛ ብምኽንያት እቲ ኣብ መትኮባ ዝነበረ ነገር ቀዪዶም እዮም።
እንተኾነ ግና፡ ንምንቅስቓሳት እታ ራዛ ንምጽናዕ ተባሂሉ ብተመራመርተ ፈረንሳ ዝተገብረ እዩ ነይሩ።
ናይ ሃርትፑል ህበይ
ሰለይቲ ዘይክንሶም ከም ሰለይቲ ምርኣዮም'ውን ከቢድ'ኳ እንተነበረ፡ እታ ራዛን እቶም ምጹጹላይን ካብ ሞት ድሒኖም እዮም። ህበይ ሃርትፑል ግና . . . ኣይቀንዖን። እዚ ጉዳይ ከምዚ እዩ።
ኣብ እዋን ኲናት ናፖሊዮን'ዩ ዝበሃል፡ ሓንቲ ናይ ፈረንሳ መርከብ ኣብ ገማግም ሰሜናዊ ምብራቕ እንግሊዝ ትበላሾ። ተቐማጦ ሃርትፑል ህበይ ርእዮም ኣይፈልጡን ጥራይ ዘይኮነ፡ ቋንቋ ፈረንሳ'ውን ኣይፈልጡን ነበሩ።
ነቲ ጨረምረም ናይታ ህበይ ምስ ቋንቋ ናይ ጸላኢ ብምምስሳል፡ እታ ህበይ ናይ ፈረንሳ ሰላዪት እያ ናብ ዝብል መደምደምታ ብምብጻሕ ነታ ህበይ ኣብቲ ገማግም ሓኒቖም ቀተልዋ።