እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሓደ ርእሲ፡ ሰለስተ ዓይኒ ዘለዎ ተመን ተረኺቡ
ሓለውቲ እንስሳ ዘገዳም፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ገፊሕ ጎደና ሰለስተ ዓይኑ ተመን ረኺቦም።
እዞም ሓለውቲ እንስሳ ዘገዳም፡ ስእሊ እዚ ሰለስተ ዓይኑ ተመን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዘርግሕዎ ንበዙሓት ሰባት ከገርም ክኢሉ ኣሎ።
እዚ 'ሞንቲ' ዝብል ስም ዝወጾ ሰለስተ ዓይኑ ተመን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ምርካቡ ደሕሪ ውሑዳት ሳምንቲ'ዩ ሞይቱ።
እዛ ሳልሰይቲ ዓይኑ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ርእሱ ዝወጸት ኮይና ክኢላታት ብጅነቲካዊ ለውጢ ተፈጢራ ክትከወን ከምእትኽል ይሕብሩ።
እዚ ካብ ከተማ ዳርዊን ናብ ደቡባዊ ምብራቕ 40 ኪሎሜተር ዝተረኸበ 40 ሴንቲሜተር ዝቁመቱ ተመን፡ ብሰንኪ ኣፈጣጥርኡ ንኽበልዕ ይሽገር ምንባሩ እቶም ሓለውቲ እንሰሳ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ውጽኢት ኤክስ ራይ ናይዚ ተመን ከም ዘርእዮ፡ ዝተላገበ ክልተ ርእሲ ከም ዘይነበሮ እዩ ዘርኢ።
ተመራመርቲ እንስሳ ዘገዳም ክልተ ርእሲ ዘለዎ ተመን እምበር፡ ኣብ ሓደ ርእሲ ሰለስተ ዓይኒ ዘለዎ ተመን ተራእዩ ከም ዘይፈለጥ እዮም ዝሕብሩ።