እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ንኣገዳሲት ከተማ ተቈጻጺሩ
ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ንእትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ከም ዝሓዘ ገሊጹ።
እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝረኸቦ ዝዓበየ ዓወት እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን ናብ ከተማ ወድ መዳኒ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፡ ሰባት ኣብ ጐደናታት ክጽንብሉ እንከለው የርእዩ።
መራሒ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF) ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሒመቲ] ብድምጺ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ነቲ ስዕረት ተኣሚኑ።
ኣብዚ፡ ቍጥዐን ሃውተታን ዝተሓወሶ ድምጹ፡ እቲ ስዕረት፡ እቲ ሰራዊት ልዕልና ሓይሊ ኣየር ስለ ዘለዎን ስርሓት ኢራን ዝዀና ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ዘስዓቦ'ዩ ክብል ይስማዕ።
እንተዀነ፡ እቲ ውግእ ዋላ'ውን 20 ዓመት ይውሰድ ክሳብ ዓወት ክቕጽል ምዃኑ ተሓንዩ።
ወድ መደኒ፡ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ኣል ጀዚራ ኰይና፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም ንኣንፈት ደቡብ 140 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ኣባላት ኣርኤስኤፍ (RSF) ኣብ መላእ ሃገር ምውፋሮም ከም ሓደጋ ከም ዝርእዮ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝተፈጥረ ምትፍናን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ናብ ቅሉዕ ኲናት ከም ዘምርሐ ይዝከር።
እቲ ኲናት ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት በሊዑ ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ሓደ ካብቶም "ዝዓበዩ ቅልውላዋት ምዝንባል" ዓለም ከም ዝተፈጥረ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክወጽኡ ተገዲዶም ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር ጥሜት ከይኽሰት'ውን ልዑል ስግኣት ኣሎ።
24.6 ሚልዮን ህዝቢ - ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ - ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮም ክኢላታት ይገልጹ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣመሪካ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝመርሖ ጕጅለ ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ከም ዘንበረት ይፍለጥ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሕሜቲ ዝፍለጥ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብቲ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን "ስርዓታዊ" ግፍዕታት ብምፍጻሙ እቲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቲ ሚሊሻታትን ኣብ ልዕሊ "ሰብኡትን መንእሰያትን እንተላይ ዕሸላት ከይተረፈ"፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዝፍጸም ኣረሜናዊ ጾታዊ ዓመጽ ተሓተትቲ ከም ዝዀኑ ጠቒሱ።