እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሱዳን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እገዳ ኣንቢራ
ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ኣመሪካ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊ መራሒ እቲ ጉጅለ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ እገዳ ኣንቢራ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሕሜቲ ዝፍለጥ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብቲ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን "ስርዓታዊ" ግፍዕታት ብምፍጻሙ እቲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቲ ሚሊሻታትን ኣብ ልዕሊ "ሰብኡትን መንእሰያትን እንተላይ ዕሸላት ከይተረፈ"፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዝፍጸም ኣረሜናዊ ጾታዊ ዓመጽ ተሓተትቲ ከምዝዀኑ ጠቒሱ።
እቶም ምልሻታት ንነብሶም ከውጹኡ ንዝሃድሙ ሲቪላት እውን ዒላማ ብምግባር ካብቲ ግጭት ዘምለጡ ንጹሃት ሰባት ከምዝቐተሉ ብሊንከን ወሲኹ ሓቢሩ።
ብሊንከን፡ "ብመሰረት'ዚ ሓበሬታ፡ ሕጂ ኣባላት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን መሻርኽቲ ምልሻታትን ኣብ ሱዳን ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም ክብል ይኽእል" ኢሉ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ግን፡ ኣመሪካ ድርብ መለክዒታት ትጥቀም ኣላ ብምባል ነቲ ቅልውላው ብኣድማዒ መንገዲ ክትፈትሖ ከምዘይከኣለት ከሲሶም ኣለዉ ኣሎ።
"እቲ ውሳነ... ምምሕዳር [ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ] ባይደን ንቅልውላው ሱዳን ክምክት ከምዘይከኣለንን [ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ብዝምልከት] ዝኽተሎ ዝነበረ ድርብ መዐቀኒታትን ዘመልክትን'ዩ" ክብል ኣማኻሪ ሕሜቲ ኤል-ባሻ ትባእክ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
እዚ ድማ ንቅልውላው ሱዳን ከካድድን ነቲ ሱር ጠንቂ ናይቲ ግጭት ንምፍታሕ ዝግበር ድርድር ከዕንቅፍን ከምዝኽእል ወሲኹ ሓቢሩ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ክዋጋእ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝፍጽሞም ተግባራት ዝስምዖ ተቓውሞታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ኣመሪካ ኣቐዲማ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ካልኦት ምልሻታትን ኣብ ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌታትን ከምዝተዋፈሩ ከሲሳ ነይራ።
ኣብ ግጭት ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ክልቲኦም ወገናት ግፍዒ ብምፍጻም ክኽሰሱ እንከለዉ፡ እቲ ግጭት ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ኣስዒቡ ይርከብ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ፡ ገለ ግምታት ኣብቲ ግጭት ክሳብ 150 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ከምዝሕብሩ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ጥሜት ዝተኣወጀ ክኸውን እንከሎ፡ 24.6 ሚልዮን ህዝቢ ማለት'ውን ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም ክኢላታት ይገልጹ።
ብሊንከን፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ይኹን ሰራዊት ሱዳን ንሱዳን ከመሓድሩ ብቑዓት ከምዘይኰኑ'ውን ገሊጹ'ዩ።
"ክልቲኦም ተዋጋእቲ ኣብ ሱዳን ንዝፍጸም ዓመጽን ስቓይን ሓላፍነት ይስከሙ፡ ንመጻኢ ሰላማዊት ሱዳን ንምምሕዳር ድማ ሕጋውነት የብሎምን" ኢሉ።
እቲ እገዳ ሕሜቲን ናይ ቀረባ ቤተሰቡን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዝዀነ ውልቃዊ ንብረቱ እውን ተኣገዲ ኣሎ።
ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርክባ 7 ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዝውነና ኩባንያታትን እውን፡ ንሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣጽዋር ኣብ ምዕዳግ ብምሕጋዘን እገዳ ተነቢሩለን ኣሎ።