እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ሱዳን ካብ ከበባ ሓይልታት ኣ'ሰሪዕ ናጻ ዘውጽኣ ኣገዳሲት ከተማ
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዙርያ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ንዝጸንሐ ከበባ ሓይልታት ዳዕመ-ኣ'ሰሪዕ ከምዝሰበሮ ኣፍሊጡ።
እታ ርእሰከተማ ደቡባዊት ዞባ ሰሜን ኮርዶፋን ዝኾነት ኣል-ዑበይድ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ከበባ ናይቶም ሓይልታት ዝጸንሐት'ያ።
ጸረ-መጥቃዕቲ ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ኣብቲ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ካልእ መንግስቲ ንምቛም ዝዓለመ ሓድሽ ቻርተር ድሕሪ ምፍራሙ'ዩ ተኻይዱ ዘሎ።
እቲ ኣብ ክፍላ ምያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ንምሕደራ እታ ሃገር መቓቒሉዎ ይርከብ።
ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ንሰሜናዊን ምብራቓውን ክፋል ክቈጻጸር እንከሎ፡ ዳርጋ ንመላእ ከባቢታት ዳርፉር ሒዞም ዘለዉ ሓይልታት ኣ'ሰሪዕ ብወገኖም ገለ ከባቢታት ደቡባዊ ክፋል ተቘጻጺሮም ህላዎም ይፍለጥ።
ኣብቲ ደማዊ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝሞቱን ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ከተማ ኣል-ዑበይድ ኣብቲ ንካርቱምን ዳርፉርን ዘራኽብ ኣገዳሲ መስመር ዝተደኮነት ኰይና ስትራተጂያዊት ማእከል ቀረብ (ሎጀስቲክስ) ምዃና ይንገረላ።
ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተውሉ ብዙሓት ነበርታ ሓጐሶም ክገልጹ ከምዝተራእዩ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊት ሱዳን ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሓያለ ከባቢታት ተቘጻጺሩ ነይሩ።
ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ነቢል ዓብደላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንዓወታት ሰራዊቱ ብምርግጋጽ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሓይልታት ኣ'ሰሪዕ ከምዝተደምሰሱ ሓቢሩ።
ምኒስተር ፋይናንስ ጂብሪል ኢብራሂም ብወገኑ፡ እቲ ዓወት ነታ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ትርከብ ርእሰከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝዀነት ኣል-ፋሸር ንምንጋፍ ዝሕግዝን፡ ሰባዊ ረዲኤት ንምብጻሕን ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ሱዳናዊት ተሓላቒት ሲቪካዊ መሰላት ዳሊያ ዓብደልሞኒም'ውን እታ ከተማ ካብቲ ከበባ ናጻ ምውጽኣ "ዓቢ ኣገዳስነት" ከምዘለዎ'ያ ተረድእ።
ኣብታ ከተማ ዝጸንሐ ኵነታት "ዘስካሕክሕ" ምዃኑ ትገልጽ ዳሊያ፡ ሕጂ ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱ ዘለዋ ተስፋ ትገልጽ።
ሰራዊት ሱዳን "ናብ ቀንዲ ማእከል [ሓይልታት] ዳዕመ-ሰሪዕ ዝዀነ ምዕራባዊ ዞባታት ንምድፋእ ኣገዳሲ ገስጋስ ይገብር" ከምዘሎ ድማ ትጠቅስ።
ወዲ 54 ዓመት ነጋዳይ ከተማ ኣል-ዑበይድ ኣሕመድ ሑሴን ብወገኑ፡ "እቲ ከበባ ምልዓሉ እታ ከተማ ህይወት ክትዘርእ ምግባር'ዩ" ክብል ነቲ ኵነታት ከምዝገለጾ ኤ-ኤፍ-ፒ ጠቒሱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዙርያ ከተማ ኣል-ፋሸር ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ መዓስከር ተፈናቐልቲ ዛምዛም ጉድኣት ከምዝወረደ ይዝከር። ኣብቲ መዓስከር ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ትካል ዶብ-ኣልቦ ሓካይም (MSF) ብሰንኪ'ቲ ሓድሽ ውግእ ጠቕሊሉ ክወጽእ ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ከቢድ ግፍዕታት ዝርከቦ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።
ክልቲኦም ግን ንዝቐርበሎም ክስታት ብምንጻግ ንሓድሕዶም ክወናጀሉ ይስምዑ።
ትማሊ ሰንበት፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣ'ሰሪዕ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ብምውህሃድ ኣብቲ ዝቈጻጸርዎ ከባቢታት ናይ ባዕሎም መንግስቲ ክምስርቱ ተሰማሚዖም ነይሮም።
ብውሳነ ኬንያ ዝተቘጠዐ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ካልእ መንግስቲ ክቐውም ከምዘይፈቅድ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ዛጊት፡ ሱዳን ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ናይሮቢ ንዝነበረ ኣምባሳደራ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከምዝኣዘዘት ይዝከር።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ወተሃደራዊ ገስጋስ ዘርእይ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን፡ ንከተማ ካርቱም ካብ ኢድ ሓይልታት ኣ'ሰሪዕ ናጻ ምስ ኣውጽኣ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ'ዮም እቶም ተቓውምቲ'ውን ናቶም መንግስቲ ክገብሩ ወሲኖም።
ነቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈተነ ተበግሶታት ምቁራጽ ተጻብኦታት'ውን ከረጋግጽ ኣይክኣለን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተጸዊዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ'ውን፡ ብዘይ ፍረ'ዩ ተወዲኡ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ሰፊሕ ምምኽኻር ብምክያድ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ሱዳን ፖለቲካዊ ዘተ ንምክያድ ምድላዋት ኣካይዱ።
ኣብ ነሓሰ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ድማ ንሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ሓይልታት ሰውራ (Smoud)፡ ብዓብደዓዚዝ ኣልሂሉ ንዝምራሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLM-N)፡ ብዓብደልዋሒድ መሓመድ ኑር ንዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SLM)፡ ከምኡ'ውን ንዓረባዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ባዓስ ሱዳን ዘጠቓለለ ነይሩ።