ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ 240 መዓልታት 360 ማራቶን ክጎዪ ዝወጠነ እንግሊዛዊ

ራስል ኩክ

ምንጪ ስእሊ, RUSSELL COOK

እዚ ውልቀሰብ ንመላእ ኣፍሪቃ ብጉያ ክኾላ ዝወጠነ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ 240 መዓልታት 360 ማራቶን ከምዝዛዝም ይገልፅ።

ራስል ኩክ ካብ እንግሊዝ ወርቲንግ - ዌስት ሳሰክስ እዩ። መዓልታዊ 39.1 ማይልስ (63 ኪ.ሜ) ክጎዪ ምዃኑን ዝኾነ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ከምዘይህልዎን ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ካብ 5 ለካቲት ዝጅምር ጽንኩር ጉያ ሸሞንተ ኣዋርሕ ክወስድ ትጽቢት ይግበር።

ብኣእምሮኣዊ ጥዕናኡ፣ ቁማርን መስተን ኣብ በዳሂ ኩነታት ዝፀንሐ ኩክ በዚ ጉያ ማራቶን ንድሕሪት ተመሊሱ ንህይወቱ ክርእይ ተስፋ ከምዘለዎ ይገልፅ።

እዚ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ 14,500 ኪ.ሜ ኣብ ዝጎየሉ እዋን 16 ዶባት ዝሰግር ኮይኑ ብከተማታትን ጫካታትን ካብ ምሕላፍ ብተወሳኺ ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዝጸንሕ ተሓቢሩ።

ኣብቲ "ሕጊ ኣልቦ" ዝኾነ ከባብታት ኣፍሪቃ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ጉዳያት ከምኡ’ውን ንዕኡን ንሰለስተ ምስኡ ዝጓዓዙ ሓገዝቱን ዝኸውን እኹል ገንዘብ ዘይምህዉ ከምብድሆ ኣቐሚጡ’ሎ።

"ብዙሓት ሰባት ኣብኡ ኣይነብሩን እዮም። ስለዚ ብመንጽር መግቢ፣ ነዳድን ማይን ውሑድ ነገር እዩ ክህልወና” ክብል ነቲ ኣብ በረኻታት ሳህራ ዝፅበዮ ኩነታት ይገልፆ።

ኣስዒቡ "ኣብ ቀትሪ ዘሎ ከቢድ ዋዒ፣ ለይቲ ዝህሉ ቁሪ ምስኡ ድማ ኣብ ሑጻ ክጎዪ እየ፤ እዚ ኩሉ ኣዝዩ በዳሂ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ንግብረ ሰናይ ዝውዕል ገንዘብ ንምትእኽኻብ ዝዓለመ ከቢድን ነዊሕን ጉያ 360 ማራቶን ካብ ቱኒዝያ ተበጊሱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክዛዘም እዩ።

ኩክ ግን እቲ ጉዕዞ ኣብታ ንሱን ጋንትኡን ብኤውሮጳ ኣቢሎም ናብ ሰሜናዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ቅድሚ ምኻዶም ናይ መወዳእታ ቪዛኦም ዝጽበዩላ ዘለዉ "ገነት ገማግም ባሕሪ" ወርቲንግ ከምዝጅምር እዩ ዝዛረብ።

"ኣብዚ እየ ዓብየ፤ ዝበዝሕ ህይወተይ ኣብዚ እየ ኣሕሊፈዮ። ንወርቲንግ ብገለ መንገዲ ኣብ ካርታ ከእትዋ ምኸኣልኩ ደስ ምበለኒ" ክብል ነታ ኣብ ምዕራብ ሳሰክስ እትርከብ ከተማ ዘለዎ ፍቕሪ ገሊፁ’ሎ።

እዚ ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቐት ክጎዪይ ተዳልዩ ዘሎ ውልቀሰብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2019 ካብ ኤስያ ናብ ለንደን ዝጎየየ ኮይኑ፤ ብ11 ሃገራት ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ 66 መዓልታት 71 ማራቶን ዛዚሙ ነይሩ። ሰለዝኾነ ድማ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ቅድሚኡ ዝፅበዮ ዘሎ ፅንኩር ጉያ ስግኣት ከምዘይብሉ ይዛረብ።

"ካብ 17 ዓመት ዕድመይ ጀሚረ ብጥዕና ኣእምሮ፣ ጠላዕን መስተን ይፍተን ነይረ። በዚ ካብ ዝትክኦ ጀሚረ ፅቡቕ ቀጺለ ኣለኹ። ዓቢ ጽልዋ ክፈጥር ድማ ተስፋ እገብር" ኢሉ።