እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት እስራኤል ካብ ኣገዳሲ መስመር ቓዛ ክወጽእ ጀሚሩ
ሰራዊት እስራኤል፡ ካብቲ ንቓዛ ናብ ደቡብን ሰሜንን ከፊልዋ ዝጸንሐን መተሓላልፎ ነዛሪም ወጺኦም።
ኣማኢት ፍልስጤማውያን ነቲ ምውጻእ ወተሃደራት ስዒቦም፡ ፍርናሽን ካልኦት ኣቑሑትን ኣብ ዝጸዓና መካይንን ዓረብያታትን ተጻዒኖም ናብ ሰሜናዊ ቓዛ - ናብቲ ፍጹም ዕንወት ዝርኣዮ ትርኢት - ክሳግሙ ጀሚሮም።
እዚ ምንስሓብ ወተሃደራት፡ ኣካል ናይቲ ብ19 ጥሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኰይኑ፡ ዛጊት ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 16 እስራኤላውያንን ተኣሲሮም ዝጸንሑ 566 ፍልስጤማውያን ናጻ ተለቒቘም ኣለዉ።
ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ስምምዕ ንሰለስተ ሰሙናት ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ኣብዚ ቀዳማይ ገጽ ሓማስ ካብቶም ጅሆ ዝሓዝዎም 33 ሰባት ናጻ ክሰዱ፡ እስራኤል ከኣ 1900 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ'ዩ ትጽቢት ዝግበር።
እንተዀነ እስራኤል፡ ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ 33 እቶም ሸሞንተ ከም ዝሞቱ'ያ ትገልጽ።
ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ፡ 251 ሰባት ጅሆ ሒዞም ከም ዝወሰድዎ ይዝከር።
እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ብዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ዛጊት ብውሕዱ 48 ሽሕን 189 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።
ሕቡራት ሃገራት'ውን ክልተ ሲሶ ካብ ህንጻታት ቓዛ ብመጥቓዕትታት እስራኤል ከም ዝዓነወ ይገልጽ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ካብቲ ንቓዛ ናብ ክልተ ዝኸፍል መተሓላልፎ ነዛሪም ምስ ኣንስሓበ፡ ኣማኢት ፍሊስጤማውያን ናብቲ ቅድሚ ልዕሊ ዓመት ዝሓደግዎ ፍርስራስ ኣባይቶም ክምለሱ ከም ዝተራአዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ሓደ ካብቶም ናብ ሰሜን ቓዛ ዝተመለሰ ዖሳማ ኣቡ ካሚል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል "እቲ ብዓይንና ዝርኣናዮ መቕዘፍቲ'ዩ፣ እስራኤል ንዅሉ ኣባይቲ፡ ሕረሻ፡ መስጊድ፡ ዩኒቨርስትታን ኣብያተ ንግድን'ዮም ኣዕንዮሞ፡" ኢሉ።
እዚ ኣብ ሰሜን ቓዛ ኣብ ትርከብ ኣል ማግራቓ እትብሃል ከተማ ዝቕመጥ ወዲ 57 ዓመት ሰብኣይ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ደቡብ ቓዛ ኣብ ትርከብ ከተማ ክሃን ዮኑስ'ዩ ክነብር ጸኒሑ።
"ሕጂ ኣብ ጥቃ እቲ ፍርስራስ ናይ ገዛይ ንዓይን ንስድራይን ብቴንዳ መጽለሊ ሰሪሐ'የ ክነብር ዝደሊ፣ እንታይከ ካልእ ኣመራጺ ኣለኒ?" ኢሉ።
ካልእ ማሕሙድ ኣል ሳርሒ ዝተባህል ፍልስጤማዊ ብወገኑ፡ "ክሳብ እዛ ሎሚ ንግሆ ንመተሓላልፎ ነዛሪም ምርጋጽ ማለት ሞት'ዩ ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ነቲ ዝፈረሰ ገዛይ ንመጀመርታ'የ ዝርዮ ዘለኹ፡" ኢሉ።
መንግስቲ እስራኤል ኣብ ምጅማር እቲ ኵናት፡ ነቶም ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ብኣልማማ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ምስ ኣዘዞም፡ ኣስታት 700 ሽሕ ዝዀኑ ፍሊስጤማውያን'ዮም ናብ ደቡብ ቓዛ ተሰዲዶም።
ሓያሎ ካብዞም ተመዛበልቲ፡ ሓይልታት እስራኤል ናብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝደፍእሉ እዋናት ብተደጋጋሚ ክግዕዙ ተገዲዶም እዮም።
በቲ ካብ ዶብ ቓዛ ክሳብ ማእከላይ ባሕሪ ዝዝርጋሕ መተሓላልፎ ነትዛሪም ኣቢሎም ናብ ገዛኦም ከይምለሱ'ውን ተኸልኪሎም።
ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ምዕራባዊ ሸነኽ ናይቲ መተሓላልፎ ከፊላዊ ምንስሓብ ምስ ገበሩ፡ ብገማግም ጐደና ራሽድ ኣቢሎም ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ብእግሮም ክሰግሩ ተፈቒድሎም።
እቶም ሰብ መካይን ድማ ጐደና ሳላሕ ኣልዲን ተጠቂሞም ክሓልፉን ብኣባላት ጸጥታ ኣመሪካን ግብጽን ድማ ኣጽዋር ከይህልዎም ክፍተሹን ተገይሩ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብሰንበት ካብ ምብራቓዊ ክፋል ናይቲ መተሓላልፎ ከም ዝወጽአ ብወግዒ ኣይገለጸን። እዚ ምንስሓብ ድማ ካብቲ ንቓዛ ኣብ ክልተ ዝመቕላ መተሓላልፎ ደኣ'ምበር፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ዘሎ ዶባት ኣይኰነን።
ጋዜጣ ሃኣርትዝ ከም ዝገለጸቶ፡ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቓዛ፡ ሰባት "ጥንቃቐ ክገብሩን ንድሕነቶም ክብሉ ዝጸንሐ መምርሒታት ምንቅስቓስ ክኽተሉን፡" ለበዋኡ ከተሓላልፍ ጸኒሑ እዩ ትብል።
እዚ ምንስሓብ ሰራዊት ዝካየድ ዘሎ፡ ልኡኽ እስራኤል ናብታ መስርሕ ምቍራጽ ተዅሲ ትሽምግል ዘላ ቀጠር ክበጽሕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን እዩ።
መንግስቲ እስራኤል፡ ናብቲ ናብ ቀዋሚ ምቍራጽ ተዅሲ ዘምርሕ ካልኣይ መድረኽ ቅድሚ ምስግጋሩ፡ እቲ ልኡኽ ብዛዕባ ቀዳማይ ምዕራፍ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ብዝምልከት ኣቐዲሙ ብዛዕባ "ቴክኒካዊ ጉዳያት" ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እቶም ኣብ ቓዛ ዝተረፉ ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ዝተታሕዙ ብዙሓት ፍልስጤማውያን እሱራት ክለዋወጡን ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ከንሳሕቡን ዝዓለመ እዩ።
እዚ ድማ በቲ ካብ ኣመሪካ ናብ እስራኤል ዝምለስ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ተወሳኺ ኣንፈት ክወሃብ ዝጠልብ እዩ።
ናታንያሁ፡ ዶናልድ ትራምፕ ብ20 ጥሪ ዳግማይ ናብ ዋይትሃውስ ድሕሪ ምምላሱ፡ ናብ ኣመሪካ ቀዳማይ ምብጻሕ ዝገበረ ማራሒ እዩ።
ኣብዚ ጕዕዞኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝጸንሐ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ኣዝዩ ድራማዊ ለውጢ ተራእዩ። ትራምፕ ምሉእ ተቐማጢ ቓዛ ካብቲ ቦታ ክግዕዝን "ናይ ማእከላይ ምብራቕ ውቁብ መናገዲ" ኰይኑ ክህነጽን ጸዊዑ።
እቲ ብኣህጉራዊ ሕጊ ገበን ክኸውን ዝኽእል ሓሳብ፡ ዳርጋ ብመላእ ዓለም፣ ከምኡ'ውን ብሃገራት ዓረብ ተነጺጉ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መሰል ፍልስጤማውያን ንምግሃስን ክግዕዙ ንምስግዳድን ዝግበር ዝዀነ ፈተነ ቅቡል ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ንእስራኤል ብ"ምጽጻይ ዓሌት" ከሲሱ።
ግብጺ'ውን ፍልስጤማውያን ካብቲ ቦታ ንምእላይ ዝቐረበ ሓሳብ ብምንጻግ፡ ብዛዕባ'ቲ "ሸለል ዘይበሃል" ዝበለቶ ምዕባለታት ፍልስጤም ንምዝታይ ን27 ለካቲት ህጹጽ ዋዕላ ሊግ ሃገራት ዓረብ ትጽውዕ ምህላዋ ገሊጻ።
ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ብዛዕባ ውጥን ትራምፕ ምስ ተሓተተ፡ ካብ ኣመሪካን ጐረባብቲ እስራኤል ዝዀና ግብጽን ዮርዳኖስን ሓድሽ ሓሳባት ክቐርብ እዋኑ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ። መራሒ ኣመሪካ ነቶም ካብ ቓዛ ዝመጽኡ ፍልስጤማውያን ክሕግዝ ከም ዝደሊ ሓቢሩ።
ሂርዞግ ንቢቢሲ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ [7 ጥቅምቲ] ዘጋጠመ ከም ዘይድገም ንምርግጋጽ ዘተኣማምን መንገዲ ክንረክብ ክንግደድ ኢና - እዚ ድማ ሓማስ ንቓዛ ድሕሪ ደጊም ምስ ዘየመሓድራ እዩ፡" ኢሉ።