ቃዛ፡ ምስሊ ዝተጐሳቐሉ ፍቱሓት ጅሆ ዝፈጠሮ ቁጥዐ፣ እንታይ ከስዕብ ይኸውን?

ኤሊ ሻራቢ ብዕጡቓት ሓማስ ተኸቢቡ ቃለ መሕትት እናተገብረሉ ምስ ተረኣየ፡ ኣብ እስራኤላውያን ቁጥዐ ኣስዒቡ እዩ።

"እንታይ ይስምዓካ?" ዝብል ሕቶ ካብ ሓደ ገጹ ዝተሸፈነ ዕጡቕ ቀሪቡሉ።

"ሎሚ ናብ በዓልቲ ቤተይን ደቀየን ምምላሰይ ኣዝዩ ዘሐጉስኒ'ዩ" ክብል ይምልስ።

ኤሊ ሻራቢ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ዝፈለጠ ኣይመስልን።

እቲ ቃለ መሕትት ብቐጥታ ኣብ መላእ ዓለም ተፈንዩ'ዩ፡ እዚ ድማ እቲ ብዙሕ ምድላው ዝተገብረሉ ምቅይያር ጅሆታትን እሱራትን ንምምልካት እዩ።

ዝተሰርዑ ተጋደልቲ፡ "ንሕና ውሕጅ ኢና. . . ንሕና መጻኢና" ዝብል ብቋንቋ ዓረብ፡ እብራይስጥን እንግሊዝን ዝተጸሓፈ ጭርሖን ብዘመናዊ ካሜራ እዮም ተሳኢሎም።

እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምድሪ-ቃዛ በዓልናይ ምዃኖምን፡ ነዚ ሓላፍነት ሒዞም ክቕጽሉ ከምዝደልዩን ንዓለም ንምርኣይ ዝዓለመ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ምልውዋጥ ጅሆታት፡ ሓማስ ነቶም ዝጨወዮም ጽቡቕ ክንክን ከምዝገበረሉም ጦብላሕታ ክፈጥር ፈቲኑ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ከምኡ ምርኣይ ኣይተኻእለን።

ሰለስቲኦም ናጻ ዝወጹ ሰባት ኣዒንቶም ጐድጒዱ፤ ኣዝዮም ዝተጎሳቖሉን ይመስሉ።

ምስሎም ኣብ ኣደባባይ ተልኣቪቭ እናተፈነወ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ስምዒት ጽምብል ናብ ቁጥዐ እናተቐየረ ከይዱ።

ጓል 21 ዓመት ሩት ሰንደሮቪች ሓንቲ ካብቶም ነቲ ምልውዋጥ ኣብ ዓበይቲ ስክሪናት ዝዕዘቡ ዝነበሩ እያ።

ንሳ፡ "ዝተሓላለኸ'ዩ" ትብል።

"ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ዝረኸብክዎ ዝዓበየ ሓጎስ'ዩ፡ መራሕቲ ስድራቤት፣ ኣቦታ ዝነበሩ እዮም፡ ሕጂ ልቦም ዝተሰበሩ ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም ምርኣይ ድማ ዘሕዝን'ዩ።"

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ እስራኤል "በቲ ዘሰንብድ ምርኢታት ኣይትሕጎስን እያ" ኢሉ፤

ብኡ መሰረት እውን ምላሽ ከምዝህበሉ ሓቢሩ፤ እቲ ስጉምቲ እንታይ ከምዝኸውን ግን ኣይነፀረን።

ነቲ ምልውዋጥ ዘመቻችእ ዓለምለኻዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ "ኣብ ዙርያ'ቲ ከይዲ ዘሎ ኵነታት የሻቕሎ" ከምዘሎ ብምግላጽ፡ "ክብርን ብሕታውነት" ዝሓለወ ክኸውን ጸዊዑሎ።

ብዘይግቡእ ኣተኣላልያ ብርቱዕ ነቐፌታ ዘጋጠሞ ግን ሓማስ ጥራይ ኣይኰነን።

እቶም ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ነጻ ምስ ወጹ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ገሊኦም ኣብ ቅትለት እስራኤላውያን ብዝነበሮም ተራ ነዊሕ ፍርዲ ዘሕልፉ፡ ገሊኦም ድማ ብዘይ ክሲ ዝተኣስሩ 183 ፍልስጤማውያን ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ተፈቲሖም እዮም።

ሓደ ካብኣቶም ከንቲባ ከተማ ኣልቢረ ነበር፡ ጀማል ኣልጣዊል እዩ።

ጀማል፡ ብኸፊል ነብሰ ቅትለታዊ ቦምባታት ንምፍጻም ሓጊዙ ብዝብል ክሲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል እናኣተወን እናወጸን ኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ከምዘሕለፈ ይንገር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብዘይ ዝዀነ ክሲ ምእሳሩ ንምቅዋም፡ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣካይዱ ነይሩ።

ጓል ጀማል ኣልጣዊል ንባዕላ ኣብ ቀረባ እዋን እያ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኣ።

ንሳ ከምትብሎ፡ ኣቦኣ ቅድሚ ምፍታሑ ኣብ ዝነበራ ናይ መወዳእታ ህሞታት ተሃሪሙ እዩ።

ብመተንፈሲ መሳርሒ እናተሓገዘ ካብ ኣውቶቡስ ናብ ሆስፒታል ክውሰድ ነይሩዎ ትብል።

ብመሰረት ጸብጻብ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም፡ ካብቶም ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝወጹ ዘለዉ፡ እቶም 7 ድሕሪ ማእሰርቶም ሕክምና ሆስፒታል ዘድለዮም እዮም።

ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ልዕሊ እሱራት ፍልስጤማውያን ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብሉ ብዙሓት ጸብጻባት ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም።

እንታይ ከስዕብ ይኽእል?

ሕጂ ድማ፡ እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ምፍታሕ እሱራት ኣብቲ ተኣፋፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዶ? ዝብሉ ሕቶታት የልዕል ኣሎ።

እስራኤል፡ ኣብ ዙርያ ቀጻሊ ምዕራፍ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሮም፡ "ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት" ዝዝትይ ጉጅለ ተደራደርቲ ናብ ቀጠር ትሰድድ ከምዘላ ገሊጻ'ያ።

ብተወሳኺ ቃዛ ካብ ፍልስጤማውያን ናጻ ክትከውን እያ ዝብል ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቦ ሓሳብ ብሓጎስ ተቐቢላቶ ኣላ።

ሓማስ ብወገኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ፡ እስራኤል ነቲ ምቁራጽ ተኹሲ ብዝምልከት "ውፍይቲ ኣይኰነትን" ክብል እንተኸሰሰ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ'ውን ግን ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘተ ክሳተፍ ድሉው ምዃኑ እዩ ዝገልፅ።

ሓማስ እቶም ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑ እንከለዉ ዘርኢ ዝተዳለወ ቪድዮ'ውን ዘርጊሑ እዩ።

ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ዕርድታት ዝተቐድሐ ቪድዮ ኰይኑ፡ እቶም ጅሆ ክፍትሑ ምዃኖም ክፈልጡ እንከለዉ ዘርኢ መስል እዩ።

ንኣምላኽ እናመስገኑ ናብ ካሜራ ገጾም ክዛረቡን ድሕሪኡ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ስእሊ ዘለዎ ዩኒፎርም ክለብሱን'ውን ይረኣዩ።

እቲ ቪድዮ ምዝርግሑ ስዒቡ፡ ስድራቤታት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ እቲ ምስሊ ብማዕከናት ዜና ከይፍኖ ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም።

ምስዚ ብዛዕባ ኵነታት እቶም እሱራት ዝምልከት ቁጥዐ፡ ሓደ ዝበፅሑዎ መደምደምታ ኣሎ፤

ናጽነቶም ንምውሓስ ዝግበር ስምምዕ፡ ከምኡ'ውን ቀዋሚ መወዳእታ ናይቲ ቃልሲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክኸውን ኣይክእልን ዝብል።

ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብቶም ሓራ ዝወጹ ሰባት ዝርአ ዝነበረ ምጉስቛልን ድኻምን፡ እዚ ኵሉ ክደናጎይ ተኽእሎ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።