እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብውጥን ትራምፕ ዝሰንበዱ ፍልስጤማውያን፡ ካብ ቓዛ ክወጽኡ ድዮም?
መብዛሕትኦም ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝቕመጡ ፍልስጤማውያን፡ ብዛዕባ ዓድኻ ሓዲግካ ምኻድ ሕዱር ዘቐንዙ ታሪኽ ኣለዎም።
ነቲ 'ብዂናት ዝተሃስየ ቦታ ምሓዝ' ዝብል ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተሓንጸጸ መደብ ዝህቡዎ ምላሽ ድማ ኣብዚ ክውንነት'ዚ ተመርኲሶም እዮም።
ኣብ ማእከል ከተማ ደይር ኣልባላህ ኣብ መዓስከር ዝቕመጡ ሰባት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ካብ ቓዛ ወጻኢ ብቐዋምነት ክሰፍሩ ዝብል ሓሳብ፡ ከም ዘሰንበዶምን ከም ዘይቕበሉዎን ገሊጾም።
ካብ ሰሜን ዝመጽአ ማሕሙድ ባህጃት፡ "ዋላ ህይወትና የስእነነና፡ ካብ ቓዛ ኣይክንወጽእን ኢና፡" ኢሉ።
"ንሕና ኣንጻር ውሳነ ትራምፕ ኢና። እቲ ፕረዚደንት ኲናት ደው ከም ዝብል ገይሩ እዩ። ካብ ቓዛ ምውጻእ ግን ህይወትና ከም ምብቃዕ እዩ፡" ይብል።
ብኻልእ ወገን፡ ብዙሓት እስራኤላውያን በቲ ካብ ዋይትሃውስ ክወጽእ ዝጸንሐ ሱር-ነቀል ሓሳባት ዕግበቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም - ብፍላይ እቶም ዳግማይ ሰፈራ ኣብ ቓዛ ዝምነዩ ኣኽረርቲ የማናውያን።
ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር - ኣብ ድሮ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምምላሱ - ፍልስጤማውያን ናብቲ ዝዓነወ ቤቶም እናተመልሱ ቀልቢ ዝሰልብ ምርኢታት ተራእዩ እዩ።
ስድራቤታት ዝርካቡ ንብረቶም ኣብ መካይን ኰነ ዓረብያታት ሰቒሎም፣ ወይ ድማ ብኣጋር ኣብቲ ጋማግም ነዊሕ ክጓዓዙ ተራእዮም።
እቲ ጕዕዞ ከኣ ናብቲ ዝተዀመረ ፍርስራሳት ኣባይቶም ንምብጻሕ ጥራሕ እዩ።
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን፡ ኣብ መላእ ቓዛ ብውሕዱ 1.9 ሚልዮን ወይ ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ ተመዛቢሎም።
እዚ ሕጂ ፍልስጤማውያን ናብ ዓዶም እናሰገሙ ዘርኢ ምስሊ፡ ነቲ ቅድምን ድሕርን ምምስራት ሃገረ እስራኤል፡ ፍልስጤማውያን ተጓሕጒሖም እናገዓዙ ዘርኢ ናይ 1948 ጸሊምን ጻዕዳን ኣሳእል ዘዘኻኽር እዩ።
ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ልዕሊ 700,000 ሰባት ብሓይሊ ዓዶም ለቒቖም።
እቶም ዝበዝሑ ሕጂ ዘለዉ ቓዛውያን ድማ ናይቶም ቅድሚ ሰብዓ ዓመት ስደተኛታት ዝነበሩ ሓረግ ወለዶታት እዮም።
ኣብ መዓስከር ደይር ኣልባላህ እትርከብ ጀማላት ዋዲ፡ ስድራቤታ ዝኣክል ዋጋ ከም ዝኸፈሉን ዳግማይ ሓድሽ ቤት ክሃንጹ ከም ዝወሰኑን ትዛረብ።
"ንዓመትን መንፈቕን ኲናት ተጻዊርና፣ መወዳእታኡ ወተሃደራት እስራኤል ካብዚ ምስ ለቐቑ፡ ነቲ ፍርስራስ ጸራሪግና ኣብቲ መሬትና ኢና ክንነብር ንደሊ፡" ትብል።
"ኣመሪካ፡ ንእስራኤል ኣባይትና ከም እተፍርስ ምስ ገበረታ፡ ሕጂ 'ቓዛ ስለ ዝዓነወት ውጽኡ' ይብለና?" ኢላ ትሓትት'ሞ፡ "ኣብ ደቅና ሓንቲ ንጣብ ደም ክሳዕ እትተርፍ ካብ ቓዛ ኣይክንወጽእን ኢና፣ ተስፋ ድማ ኣይክንቈርጽን ኢና፡" ትውስኽ።
እቶም ብዙሓት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ፍልስጤማውያን፡ እተን ትራምፕ ንቓዛውያን ክቕበላ ጸቕጢ ዝገብረለን ዘሎ ሃገራት፡ ዮርዳኖስ፡ ግብጽን ስዑዲ-ዓረብን ነቲ ጻውዒት ክነጽግኦ ጸዊዖም።
እስራኤል ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መሰሎም ነጺጋቶ ኣላ።
ምኽንያቱ፡ ንህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ውሽጢ ዶባታ ከም ውሑዳን ስለ ዘቝጽሮም።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ 5.9 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ከም ዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ቓዛ፡ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም፡ ዮርዳኖስ፡ ሶርያን ሊባኖስን ይነብሩ።
እስራኤል፡ እቶም ዝግዕዙ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ዓረብ ተጸፍዮም ክነብሩ ኣለዎም ኢላ ክትማጐት ጸኒሓ እያ።
ሰበስልጣን እስራኤል፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ወጻኢ ኣቐሚጡ፡ ነታ ብዂናት ዝዓነወት ቓዛ "ናይ ማእከላይ ምብራቕ መዕረፊ ቦታ፡" ክገብራ ዘቕረቦ ሓድሽን ፍሉይን ሓሳብ፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት መኽተያ ዝገብር እዩ ይብሉ።
ትራምፕ፡ ዳግማይ ምምስራት እስራኤላውያን ሰፈሮ ኣብ ቓዛ እኳ እንተ ዘይደገፈ፡ እቶም ሰፈራታት ክምስረት ዝመርሑ እስራኤላውያን ግን፡ ነዚ ዝቐረበ ሓሳብ ብውዕዉዕ መንገዲ ብምቕባል፡ መንግስቲ እስራኤል ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም።
እስራኤል፡ ኣብቲ ናይ 1967 ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ንቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ተቘጻጺራቶ።
ብኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዘይሕጋዊ ዝርአ ሰፈራታት ድማ ክትሃንጽ ጀሚራ።
ኣብ 2005፡ እስራኤል ሰራዊታን ሰፋሮኣን ካብ ቓዛ ኣውጺኣ እኳ እንተ ነበረት፡ ሕቡራት ሃገራት ግን ክሳዕ ሕጂ ብእስራኤል ዝተጐብጠ መሬት ገይሩ እዩ ዝቘጽሮ።
ንሰፈራ ኣብ ቓዛ ዝጕስጉስ ትካል ሰፈራ ናቻላ፡ "ቓዛውያን ናብ ካልኦት ሃገራት ክጕዕዙ ዝቐረበ ሓሳብ ትራምፕ ተግባራዊ እንተ ኰይኑ፡ ቀልጢፍና ብምግዓዝ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ሰፈራታት ክንሃንጽ ኣለና፡" ይብል።
"ኣይሁድ ዘይሰፍርዎ ዝዀነ ኣካል እስራኤል ክህሉ የብሉን። ዝዀነ ናጻ ዝሓደግናዮ ቦታ ጸላእትና ክቕመጡዎ ተኽእሎ ኣሎ፡" ድማ ይውስኽ።
ብኣንጻሩ፡ 'ሕጂ ሰላም' ዝተባህለ ንጐበጣ እስራኤል ዝነጽግ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ንውጥን ትራምፕ ነጺጉዎ። ንመርሓ ምቋም 'ክልተ ሃገራት' ከም ዝድግፍ ድማ ይገልጽ።
"ክልተ ሚልዮን ቓዛውያን ናብ ካልኦት ሃገራት ንምግዓዝ ዝከኣለሉ መንገዲ ከቶ የሎን፡" ይብል።
"ብዛዕባ ምጽናት ዓሌትን ግዱድ ምግዓዝን ምሕላም ኣቋሪጽና ንኽውንነት ክንገጥሞ እዋኑ እዩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጸጥታን ምርግጋእን ከስፍን ዝኽእል ሓደ መፍትሒ ጥራይ እዩ ዘሎ። ክልተ ሃገራት ንኽልተኦም ህዝብታት ዝብል ሓሳብ እዩ፡ ነዚ ኵናት ፍልስጤም ደው ከብሎ ዝኽእል፡" ይብል።
ሓያሎ ኣስራኤላውያን ኰነ ፍልስጤማውያን እዚ ብትራምፕ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብዚ ግዜ'ዚ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ተዅሲ ደው ምባል እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ዝብል ስክፍታታት ኣለዎም።
ዝቕጽል መድረኽ ናይቲ ስምምዕ፡ ኣስታት 60 ዝበጽሑ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክምለሱን እቲ ኲናት መኸተምታ ክረክብን ዝዓለመ እዩ።
እንተዀነ፡ ሓዉ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዙዎ ዘሎ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ "እዚ ትራምፕ ዝብሎ ዘሎ ኣኽቢደ ኣይርእዮን እየ - ክውንነታዊ ኣይኰነን። ናብ ሰማይ እዩ ዝትኵስ ዘሎ፡" ኢሉ፣ "ከምቲ ካናዳ መበል 51 ግዝኣት ኣመሪካ ክትከውን እያ ዝብሉዎ ዘለዉ እዩ፡" ይውስኽ።
ገለ ደቂ ቓዛ እዚ ውጥን ትራምፕ ኣብ ክውንነት ዝተመርኰሰ ምዃኑ ይኣምኑ። እታ ወሽመጥ፡ "ክትነብረላ ዘይከኣል" ኰይና እያ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም።
ሕቡራት ሃገራት ንዕንወት ቓዛ ኣመልኪቱ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ዝገምገሞ፡ እቲ 50 ሚልዮን ቶን ፍርስራስ መሰረተ-ልምዓታትን ኣባይትን ንምጽራይ 21 ዓመታት ከም ዝወስድን 1.2 ቢልዮን ዳላር ወጻኢታት ከም ዝሓትትን ገሊጹ ነይሩ።
ሰራሕተኛ ጉምሩክ ዝነበረ ቢላል ኣል ራንቲሲ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ኣርባዕተ ደቁን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ደቡብ ተመዛቢሎም ጸኒሖም ናብ ከተማ ቓዛ ምስ ተመለሱ፡ ክሳዕ ሕጂ ገና ኣብ ስንባደ ይርከብ።
"ኣብ ታሪኽ እቲ ዝኸፍአ ዕንወት ናብ ዝዀነ ኢና ተመሊስና፡" ክብል ብተስፋ ምቝራጽ ይዛረብ፣ "ገዛይን ገዛውቲ ኣሕዋተይን ፈሪሱ ጸኒሑኒ። ትራምፕ ንዀንቱ ኣይተዛረበን፣ ድሕሪ ሕጂ ቓዛ ሰባት ክነብሩላ ከም ዘይትበቅዕ ይፈልጥ እዩ፡" ኢሉ።
መኪናኡን ስልማት ብዓልቲ ቤቱን ሸይጡ ገለ ገንዘብ ክረክብ እዩ ተስፋኡ።
"ብዝተኻእለኒ መጠን ቀልጢፈ ካብ ቓዛ ክወጽእ እየ። ኵሎም ቓዛውያን ንምግዓዝ ይቃወሙ እዮም። እንተዀነ፡ ስምዒት ንጐድኒ ኣጽኒሕና፡ ሰባት ዕድል እንተ ዝወሃቦም ብዙሓት ክመርጽዎ ይኽእሉ እዮም፡" ይብል።