እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣደይ ብሓዊ ተቓጺለ ከምዝሞትኩ ተነጊርዋ'ምበር ተጨውየ ጥቓ ገዛይ'የ ዓብየ'
ሓንቲ መንእሰይ ኣደ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ድምጺ ሰምዐት። ናብ ላዕሊ ደይባ ነቲ ዘጋጠመ ክስተት ምስተዓዘበት ድማ እታ ጓላ ደቂሳ ዝነበረትላ ክፍሊ ብሃልሃልታ ሓዊ ተዋሒጣ ረኣየት። ብፍርሒ ንጓላ ዝገደፈትሉ ግን ከኣ ክትሪኦ ዘይከኣለት ዓራት ድማ ሃሰው በለት።
ብ15 ታሕሳስ 1997 ምሸት ኣብ ገዛ ናይቶም ምስ ክልተ ንኣሽቱ ደቈምን ጓል 10 መዓልቲ ጓሎም ደሊማርን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ፊላደልፍያ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ሉዝ ኩዌቫስን ፔድሮ ቬራን ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።
ሰብመዚ፡ እቲ ባርዕ ውጽኢት ስሕተት ገመድ ምዃኑ ደምዲሞም። ኣሰር ህጻን ደሊማር ስለዘይተረኸበ ድማ ከምዝሞተት ገሚቶም። "ምሉእ ብምሉእ ብሓዊ ሓሪራ፡" ዝብል ጸብጻብ ናይቲ ሕክምናዊ መርማሪ ይሕብር።
ወለዳ በቲ ዘጋጠመ ኵነታት ኣመና ተሃስዮም። እዚ ግን መጀመርታ ናይቲ ዘስካሕክሕ ዛንታ ጥራይ እዩ ነይሩ።
ቅድሚ እቲ ባርዕ ኣብ ዝነበራ ሒደት ደቓይቕ ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ማዕጾ ኳሕኲሓ ነበረት። ሉዝ ነቲ ማዕጾ ምስከፈተት እታ ሰበይቲ ካሮሊን እያ ነይራ። ንበዓልታ ቤታ ፔድሮ ጓል ሓወቦኡ እያ።
ካሮሊን ንሉዝ ምስ ፔድሮ ጉዳይ ስለዘለዋ ክትዛረቦ ከም እትደሊ ነገረታ።
ኣብቲ እዋን ፔድሮ ስራሕ ኣይነበሮን፣ ምስ ካሮሊን ድማ ምስ ገለ ዝፋለጡ ሰባት ተራኺቡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዘራረብ ካብቲ ገዛ ወጸ።
ፔድሮ ካብ ገዛ ሒዛቶ ምስወጽአት ድማ ካሮሊን ኣብ ገዛኡ ገለ ከምዝረሰዐት ኣምሲላ ተመሊሳ ናብቲ ገዛ እንዳ ሉዝን ፔድሮን ከምእትኸይድ ሓቢራቶ ከይዳ።
ካሮሊን ኣብቲ ገዛ ምስ በጽሐት፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝነበረ ሽቓቕ ክትጥቀመሉ ሓተተት።
ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ሉዝ ንሕንጢት ጓላ ደሊማር ክትከታተል ናብ ላዕሊ ደየበት። እቲ ዝገርም ነገር ድማ እታ ህጻን ኣብቲ ዝገደፈታ ዓራት ዘይኮነስ ኣብ ጥቓ መስኮት ኣብ ዝርከብ ዓራት ምጽናሓ እዩ።
ካሮሊን ካብ ሽቓቕ ምስ ወጸት ብዛዕባ ምንቅስቓስ እታ ህጻን ሕቶ ኣቕረበትላ።
"ክትወድቕ ኣይደለኹን፡ ክትጕዳእ ኣይደለኹን" ትብል ካሮሊን ድሕሪኡ ዳግማይ ካብቲ ገዛ ወጸት።
ዳርጋ ብኡ ንብኡ ሉዝ ዓው ዝበለ ድምጺ ሰምዐት። ናብ መደቀሲ ክፍሊ እንተደየበት እቲ መደቀሲ ክፍሊ ብሓዊ ተቓጺሉ ጸኒሑዋ።
ህጻን ደሊማር በቲ ሓውን ትክን ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣይትረአን ዝነበረት። እቲ ወቕቲ ሓያል ክረምቲ ቍሪ ዝበርትዓሉ ግዜ'ኳ እንተነበረ መስኮት ግን ተኸፊቱ ነበረ።
ድሕሪ ደቓይቕ እቶም መጥፋእቲ ሓዊ መጺኦም ነቲ ባርዕ ምስኣጥፍእዎ ቍርጽራጽ ፍርናሽ ብመደያይቦ ኣውረዱ። ነቲ ዝተረፈ ጨርቂ ጠቕሊሎም ንሉዝ ከም ናይ ደሊማር እንኮ ተረፍ ከምዝዀነ ድማ ሃብዋ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ፔድሮ ብኸቢድ ስንባደ ናብቲ ገዛ ተመሊሱ፡ ምስታ ኣብ ጽርግያ ደው ኢላ ዝነበረት ካሮሊን ተራኸበ።
ዕለተ ልደት ስድራቤት
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ካሮሊን ንባዕላ ቈልዓ ትጽበ ነይራ። ሕጕስቲ ትመስል። ስድራኣ፡ ፈተውታን መሳርሕታን ብዛዕባ ጥንሲ ራብዓይ ውላዳ ክትዛረብ እንከላ ሰሚዖምዋ።
ጓል እያ ነይራ፡ ኣልያ ኢላ ድማ ሰመየታ። ብሓገዝ መሓዛኣ ኣብ ገዛ ከምዝወለደት ከተዘንትወሎም ጀመረት።
ካብ እንዳ ሉዝን ፔድሮን 20 ኪ.ሜ ርሒቓ ትነብር ስለ ዝነበረት ብዙሕ ግዜ ኣይራኸቡን ዝነበሩ። ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ድማ ሉዝን ፔድሮን ተፋቲሖም።
ድሕሪኡ ኣብ ጥሪ 2004 ኣብቲ እንዳ ሓፍቲ ፔድሮ ዝነበረ ገዛ፡ ልደት ቈልዓ ይኽበር ነበረ።
ዋላ'ኳ ምስ ፔድሮ ተፋቲሖም እንተነበሩ ሉዝ ግን ምስ ስድራቤት ቬራ ጽቡቕ ርክብ ስለዝነበራ ናብቲ ናይ ጓሎም ልደት ዓዲሞምዋ ከደት።
ኣብቲ ድግስ ምስ በጽሐት ካሮሊን ምስ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ስለዝረኣየታ ሓደ ነገር ኣቓልቦኣ ስሒቡዋ፤ ንሱ'ውን ኣብ ምዕጉርቲ እታ ህጻን ጥምቡቕ ዝበለት ተርእዮ ተዓዘበት።
ዳርጋ ብኡ ንብኡ ንሓፍታ እታ ንእሽቶ ጓል እታ ብሓዊ ተቓጺላ ከምዝሞተት ዝተነገረላ ጓል ደሊማር ምዃና ነገረታ።
እታ ጓል ምስቶም ካልኦት ቈልዑ ክትጻወት ናብ ላዕሊ ምስ ደየበት ሉዝ ደድሕረኣ ስዒባ "ኣብ ጸጕርኺ ቍራጽ ማስቲካ ኣለኪ ድዩ" ኢላ ሓቲታታ።
ሉዝ ንጸጕሪ ኣልያ ብሓይሊ ምስ ሰሓበቶ ሓደ ሰንሰለት ወጸ።
ኣልያ ብመደያይቦ ወሪዳ ንካሮሊን ረኣየት ንሳ ድማ ክኸዱ ከምዘለዎም ነገረታ። ኣልያ ስለምንታይ ምስ ሓተተት ካሮሊን "ምሳኺ ክትጸንሕ እትደሊ ሕማቕ ሰብ ኣላ። ካባይ ክትወስደኪ ኣይፈቅድን እየ" ኢላ መሊሳትላ።
ሕክምናዊ ውጽኢት
ድሕሪ ሰሙናት ካሮሊን ንኣልያን ካልእ ኣንጀሊካን እትበሃል ጓላን ናብ ሓኪም ወሲዳተን።
ኣብ መጸበዪ ክፍሊ ተራአን እናተጸበያ እንከለዋ ካሮሊን ናብ ሽቓቕ ወሲዳተን።
ኣንጀሊካ ነቲ ማዕጾ ክትከታተሎ ነጊራ ካብ ውሽጣ ንእሽቶ ጥርሙዝ ረሳሕ ፈሳሲ ኣውጽአት።
ድሕሪኡ ኣልያ ኣፋ ክትከፍት መምርሒ ተዋሂብዋ ካሮሊን ድማ በቲ ፈሳሲ ንመልሓሳ ነጸገቶ።
ነቲ ፈሳሲ ከይትውሕጦ ድማ ኣዘዘት።
ክሳብ ኣልያ ናብ ሓኪም ተወሲዳ መልሓሳ እትሕጸብ ሓደ ክልተ ግዜ ተደጋጊሙ።
እቲ ንጹር ፈሳሲ ምራቕ ካሮሊን ኰይኑ፡ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ድማ መርመራ ዲኤንኤ እዩ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ መትሓዚ ጸጕሪ ኣልያ ኣብ ኢዳ ስለ ዝነበረ፡ ሉዝ ኣብ መወዳእታ ንፖሊስ ናይ ገዛእ ርእሶም መርመራ ዲኤንኤ ክትገብር ኣኽኢልዋ።
ንዓኣ ክሰምዓ ዝተዳለወ ሓጋጊ ኣካል እውን ረኸበት፣ ብእኡ ኣቢላ ድማ ጉዳያ ዝወስድ ዓቃቢ ሕጊ ረኸበት።
ከምኡ'ውን ኣብ ለካቲት 2004 መርመራታት ነቲ ሉዝ ዘቕረበቶ መርትዖታት ጓላ ከምዝኾነት ኣረጋጊጾም። ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኣልያ ሄርናንደዝ ደሊማር ቬራ እያ ነይራ። ካሮሊን ዝጠነሰት ኣምሲላ ንደሊማር ሒዛታ ጸኒሓ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐት ካሮሊን ሓቂ ከምዝኾነ ኣሚና ብጭውያ ተኸሲሳ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዳ።
ክልተ ኣደታት ይሃልዋኣ
ንእታ ህጻን ደሊማር ህይወት ተገላቢጥዋ ነበረ። "ንምንታይ ኢኺ ካብ ኣደይ ትወስደኒ ዘለኺ?" ክትብል ንሉዝ ሓቲታታ።
"ድሕሪኡ ግን ግዜ እናተዓዘረን ዜና እናረኤኹን ምስ ከድኩ፡ ካሮሊን ከም ገበነኛ ትቐርብ ከም ዝነበረት ርእየ፡" ክትብል ትዝክር።
ነቲ ሓድሽ ስማ እውን ኣይፈተወቶን። "ኣብ መጀመርታ ጸሊአዮ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ደሊማር ይብሉኒ ነይሮም፡ ኣነ ድማ ሸለል ይብሎም ነይረ" ትብል።
"ምስ ሓንቲ ኣደን ምስ ዘይትፈልጦም ኣሕዋታን እውን ክትነብር ተገዲደ ነበረት።
ኣብ መወዳእታ ምስቲ ኣብ ህይወታ ዘጋጠመ ድራማዊ ለውጢ ተሰማሚዓ ክትነብር ጀሚራ።
"ኣብ ክልቲኡ ዓለም ዝበለጸ ክረክብ ዝኽእል መሲሉኒ ነይሩ፡" ትብል። "ብሓቂ ክልተ ኣደታት ዘለዋኒ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ኣደይ ካሮሊን ኣላትኒ፣ ድሕሪኡ ድማ ኣደይ ሉዝ'ውን ኣላትኒ። ምስ ኣደይ ዘደንቕ ህይወት ክነብር ይኽእል እየ ኢለ ሓሲበ፡ ድሕሪኡ ምናልባት ምስ ካሮሊን እውን ካልእ ህይወት ክህልወኒ ይኽእል እዩ ኢለ ሓሲበ። ምናልባት ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ፣ ምናልባት ድሕሪ ክልተ ዓመት። ኣብ መወዳእታ ግን እንደገና ብሓባር ክንከውን ኢና" እናበለት ዳርጋ ድሕሪ 30 ዓመት'ውን ንድሕሪት ተመሊሳ ትዝክሮ።
ደሊማር ግን ገና ተቘጢዓ ነበረት። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንካሮሊን ክትበጽሓ ኣብ ዝኸደትሉ ግዜ ድማ ብገጻ ገረፈታ።
"ከቢድ ነይሩ፣ 'ንምንታይ ጨዊኽኒ? ካልኦት ሰለስተ ቈልዑ እንከለዉኺ ስለምንታይ ከምዚ ጌርኪ? ስለምንታይ ኣብዚ ኣዝየ ዝደናገረሉን ብዙሕ ሓደስቲ ለውጥታት ዝርእየሉን ኵነታት ህይወት ኣእቲኽኒ?" ኣዝየ እየ ተቘጢዐያ ግን ይቕሬታ ኣይሓተተትን ዳግማይ ክንራኸብ ኢና' ኢላ ተፈላልያትኒ።
እንተዀነ ደሊማር ዳግማይ ርእያታ ኣይትፈልጥን። ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ርእሳ ዝጸንሑ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉዋ።
ካሮሊን ድሕሪ እቲ ባርዕ ምስ ኣቦኣ ፔድሮ ኣብ ጽርግያ እንተ ነበረት፡ ከመይ ገይራ እያ ነታ ቈልዓ ክትሰርቃ ዝኸኣለት? ብመስኮት ኣትዩ ዝወሰዳ ተሓባባሪ ሰብ ይነብር'ዩ። እቲ ሰብ መን እዩ ነይሩ?
ኣብቲ እዋን እቲ ካሮሊን ንፔድሮ ምስቲ ጭውያ ኣተሓሒዛቶ ነይራ። ኣቦኣ ምስቲ ጭውያ ርክብ ነይርዎ ድዩ?
ኣቦኣ ፔድሮ ነቲ ናይ ካሮሊን ዝነጸጐ ኰይኑ ደሊማር ድማ ነቲ ኣይወዓልኩዎን ዝብል ዘረባ ኣቦኣ ከምእትኣምን ትዛረብ።
"ካሮሊን ግን ተሓባባሪ ከም ዝነበራ ንፈልጥ ኢና፡ እዚ ድማ ብህይወቱ ዝከላኸለላ ሰብ ምንባሩ ንፈልጥ ኢና" ትብል ደሊማር።
"ካብ ዓራተይ ወሲዱ ብመስኮት ዝደርበየኒ ሰብ መን ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና።"