እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰባት ንምንታይ ነቶም ን 'መዘከርታ' ዝተወለዱ ቈልዑ ይንጽልዎም?
መጠንቀቕታ፦ እዚ ጽሑፍ እዚ ዘጨንቕ ትሕዝቶ ዝሓዘ እዩ።
"ናይ መዘከርታ ቈልዑ" ተባሂሎም ይፍለጡ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲደን ብዝፈጠራኦ ዝምድና ዝተወልዱ ብዙሓት ቈልዑ፡ ኣብ ከባቢኦም ብዘይ ወለዲ ይዓብዩን ማሕበራዊ ተነጽሎ ይገጥሞምን ኣሎ።
እዚ ፍጻመ'ዚ ኣብ ኢንዶኖዥያ ኮይኑ ብታሪኽ እዞም ህጻናት ናይ መንነት ሰነዳት ንምርካብ ላሕ ኢሎም እዮም። እዚ ማለት ድማ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ይኹን ጥዕና ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም።
እዚ ድማ ኣብ ዘይዛሪ ዓንኬል ድኽነትን ብኣግኡ መርዓን ግህሰትን ክወድቁ ይገብሮም ኣሎ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ 'መዘከርታ ቈልዑ' ኣብታ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣበርከትቲ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ኢንዶነዥያ ዝኾነት ኣውራጃ ምዕራብ ኑሳቴንጋራ ይነብሩ።
ዝተነጸለ ቁልዑነት
ጓል 23 ዓመት ሲቲ ኣሚና ሓንቲ ካብ ብዙሓት ናይ "መዘከርታ ቈልዑ" እያ። ኣዲኣ ኣብ 1990ታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስራሕ ክትደሊ ካብ ሎምቦክ ወጺኣ።
ናብ ስዑዲ ምስወጽአት ምስ ሓደ ፓኪስታናዊ ሰብኣይን ድሒሩ ድማ ምስ ሓደ ስዑዳዊ ሰብኣይን 'ዘይተመዝገበ ሓዳር' ዝመስረተት ኮይና ንሓጺር እዋን ናብ ኢንዶነዥያ ተመሊሳ ወሊዳ።
ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ናይ "መዘከርታ ቈልዑ" መብዛሕትኡ ግዜ ካብዞም ብመሰረት እስላማዊ ሕጊ ዝካየዱ መርዓታት፡ ግን ከኣ ብዘይ ናይ መንግስቲ ምዝገባ ይውለዱ።
ኣደ ኣሚና ሽዱሽተ ደቃ ኣብ ምብራቕ ሎምቦክ ገዲፋ ኣብ ገዛውቲ ዝተፈላለዩ ኣዝማዳ ትነብር ነይራ።
"ብዙሓት ኢንዶነዥያውያን ስደተኛታት ከም ወ/ሮ ሳህሚን ይምርዓዋን ይፋትሓን ምኽንያቱ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣጸጋሚ ህይወት ከሕልፋ እንከለዋ ሓጋዚ ሰብ ስለዘድልየን" ይብል ኣብታ ኣውራጃ ኣተሓባባሪ ክንክን ስደተኛታት እንዳንግ ሱሲሎዋቲ።
ኣዝማዳ ከምዘዕበይዋ እትገልጽ ኣሚና ኣድልዎታት ተጻዊራ ከምዝዓበየት'ያ ትዝክር። ንሳ ገሊኦም መታዓቢታ" ንስኻትኩም ዓረብ ኢኹም። ኣቦታትኩም ኩሎም ዝተፈላለዩ እዮም" ይብልዋ ከምዝነበሩ ትዝክር።
ዓባይ ሓፍታ ፋጥማ ብወገና "ገንዘብ ካብ ኣደይ እንተዘይይሕወለና ነይሩ ኣውያት ብኣውያት ምገበርናያ ኔርና፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ምተሃረምና" ትብል።
ቢቢሲ ንፋጥማን ኣደ ኣሚናን ደዊሉ'ኳ ዝረኸባ እንተኾነ ርእይቶ ክትህብ ግን ኣይደለየትን። እተን ኣሓት ውሑዳት ካብቶም ብዙሓት ደቂ ተሰዲደን ዝሰርሓ ኮይነን፡ ናይ "መዘከርታ ቈልዑ" ብምዃነን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ከምዝረኸባ ይግለጽ።
ኣብ ሎምቦክ ከም ሩዳት ዝኣመሰላ ዘይመንግስታውያን ትካላት ውሽጢ ዓዲ፡ ሕጋዊ ሓገዝ ንምሃብን ደቂ እተን ተሰዲደን ዝሰርሓ ኢንዶኖዥያውያን ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን ንኽረኽቡ ዘኽእሎም ሰነዳት መንነት ንኽረኽቡን ክሰርሑ ጸኒሖም እዮም።
ሓደጋ ትሕቲ ዕድመ መርዓ
ኢንስቲትዩት ሩዳት፡ ኣብ ልዕሊ ናይ "መዘከርታ ቈልዑ" ዝርአ ተነጽሎ ኣብዘይዕድምኤን ንኽምርዓዋ የገድደን ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።
ኢንዶነዥያ ብትሕቲ ዕድመ መርዓ ካብ ዓለም ኣብ ራብዓይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ኣውራጃ ምዕራብ ኑሳ ተንጋራ ድማ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ደረጃ ኣለዋ።
ፋጥማ ንኣተሓሕዛ ኣዝማዳ ክትጻወሮ ስለ ዘይከኣለት ናይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርታ ኣቋሪጻ ንንኣሽቱ ኣሕዋታ ክትኣልዮም ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኣ ተመርዓወት።
"ምምርዓው ይሓይሽ። ሰብኣይኪ ዘድልየኪ ከማልኣለይ ይኽእል'ዩ" ትብል። ብመሰረት ክኢላታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ትሕቲ ዕድመ ዝግበር መርዓ መወዳእታኡ ፍትሕ'ዩ ከምዝኾነ ይጠቕሱ።
እዚ ኣብታ ኣብ 25 ዓመት ዕድሚኣ ሰለስተ ዘይተመዝገበ ሓዳርን ክልተ ቆልዑን ዝወለደት ፋጥማ ዘጋጠመ እዩ።
ሕጊ ሓዳር ኢንዶነዥያ ዝተሓተ ዕድመ መርዓ 19 ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ ትሕቲ ዕድመ ዝግበር መርዓ ድማ ብመሰረት ሕጊ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ ከም ሓደ ዓይነት ጾታዊ ዓመጽ ይምደብ።
እቶም ምስ ትሕቲ ዕድመ ዝምርዓዉ ወይ ዝፈቕዱ ሰባት ክሳብ ትሽዓተ ዓመት ማእሰርቲ ወይ ክሳብ 12,340 ዶላር ክቕጽዑ ይኽእሉ።
ወለዲ ንመውስቦ ትሕቲ ዕድመ ፍሉይ ፍቓድ ክሓቱ ዘፍቅድ ሕጋዊ ድንጋገታት እኳ እንተሃለወ፡ ዝበዝሕ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ብዘይ ሲቪላዊ ምዝገባ ይፍጸሙ።
ብኣጋ ጥንሲ
ኣብዘን ዘይባጽሓ መርዑት ዝፍጠር ጥንሲ እውን ልዑል ሓደጋ ኣለዎ።
ኣብ ጥዕና ተፈጥሮን ጾታዊ ማዕርነትን ዘተኮረ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ [UNFPA] ፡ ኣብ ዘይዕድምኤን ዝጠንሳ ኣዴታት ብሰንኪ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ድሕሪ ሕርሲ ብዘጋጥም ረኽስን ከምዘጋጥመን ይገልጽ።
እቶም ዝውለዱ ዕሸላት እውን ኣብ ግዜኦም ከይውለዱ፣ ትሑት ክብደት ሃልይዎም ክውለዱን ተወሊዶም ነዊሕ እንተይጸንሑ ክሞቱን ይኽእሉ'ዮም።
ኣሚና ኣብ 16 ዓመት ዕድሚኣ ቅድሚ ግዜኡ ዝተወልደ ህጻን ወሊዳ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ሞይቱ።
ውላዳ ምስ ሞተ ነዊሕ ከይጸንሐት ምስ በዓል ቤታ ከምዝተፋትሐት ገሊጻ። ኣሚና ዝነበርዋ ኣማራጽታት ኣዝዩ ድሩት እዩ ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ተነጽሎታት ብዙሓት ትካላት ናይ "መዘከርታ ቈልዑ" ክቖጽሩ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ዘይመንግስታውያን ትካላት ገሊጾም።
ኣሚና ብርግጽ ኣብ ጃካርታ ሰራሕተኛ ገዛ ኮይና ሰሪሓ ነይራ'ያ። እንተኾነ እዚ ንሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ እዩ ጸኒሑ።
ዝነበራ ኣማራጺ ኣብ 19 ዓመት ዕድሚኣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስደተኛ ሰራሕተኛ ምዃን'ዩ።
ንሳ ኣብቲ ተሰዲዳ ዝኸደቶ ስዑድ ዓረብ ኢ ሰብኣውነት ዝተመልኦ ኩነታት ስራሕ ከም ዘጋጠማ፡ እዚ ድማ ነብሰ ቅትለት ክትሓስብ ከም ዝገበራ ትዛረብ።
"ክሳብ ውኔና ንስሕት ይቕጥቕጡና ነይሮም" ትብል።
ናብ ዓዳ ምስ ተመልሰት ድማ እቲ ናብ ገዝኣ ክትሰዶ ዝጸንሐት ገንዘብ ተሰሪቑ ከምዝጸንሓ ትዛረብ።
"ጥራሕ ኢደይ እየ ተመሊሰ" ትብል
ኢንስቲትዩት ሩዳት ተመሳሳሊ ፍጻሜታት ዘለወን ካልኦት ደቀንስትዮ ከምዘለዋ ይገልጽ።
"እቶም ገንዘብ ክዓቑሩ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ስድራቤታት ጽጉማት ስለዝኾኑ ነቲ ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተለኣኸ ገንዘብ የላዕልዎ'ዮም" ይብል ዙርሃን ኣፍርያዲ ካብ ኢንስቲትዩት ሩዳት።
'ዘይዛሪ ዓንኬል'
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ገለ ምዕባለታት ኣሎ። መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ካብ ምወላ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብዝረኸቦ ሓገዝ ዳርጋ ንኹሎም ኣብ ምብራቕ ሎምቦክ ዝርከቡ ናይ መዘከርታ ህጻናት መለለዪ መንነት ሂቡ፡ እዚ ድማ ናብ ቤት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዕድል ከፊቱ።
እንተኾነ እቲ ምንሻውን ተነጽሎን ይቕጽል ኣሎ።
"እቲ ተነጽሎ ገና ኣሎ፡ ቀስ እናበለ ክሽርሸር ኣለዎ" ይብል ሰራሕተኛ ዘይመንግስታዊ ትካላት ቱርማዋዚ።
እስቲ ዝተባህለት ንእሽቶ ሓፍታ ትምህርታ ኣቋሪጻ ኣብ 14 ዓመት ዕድሚኣ ተመርዕያ ቆልዓ ወሊዳ ድሒራ ግን ካብ በዓል ቤታ ተፈልያ።
መነባብሮኣ ንምምላእ እናተቓለሰት፡ ንነብሳን ንውላዳን ዝኣክል ኣታዊ ትረክብ ነይራ።
ትካል ሩዳት እዚ ዑደት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዝድገምን ብዙሓት ህጻናት ሰራሕተኛታት ኮይነን ናብ ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዝምለሳን የጠንቅቕ።
ኣሚና፣ ፋጥማን እስቲን ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዑደት ክበትክኦ ድልየት ኣለወን። ኣሚና ውላዳ እናኣዕበየት ኣብ ኣታዊ በዓል ቤታ እያ ትምርኮስ።
እስቲ ንውላዳ ባዕላ ከተዕብዮ ስለ ዝደለየት ንኸይትስደድ መሪጻ ኣላ። ዳግማይ ምስ ዝድግፋ መጻምድቲ ዝተመርዓወት ፋጥማ ስርዓታዊ ለውጢ ክመጽእ ትጽዕር ኣላ።
"ንኸማይ ዝኣመሰሉ ህጻናት፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕሱም ዑደት ክቕጽሉ ምርኣይ ዘሕፍር'ዩ" ትብል።