ኤሎን መስክ ካብ ዕድጊት ትዊተር ኣንሳሒቡ

ኤሎን መስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃብታም ዓለም ኤሎን መስክ ኣብ ናይ ትዊተር ዕድጊት ውዕሊ ዝተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ስለዘይተኸበሩ ንትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምግዛእ ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ውዕሊ ንገዛእ ርእሱ ከምዘንሳሕበ ተገሊጹ።

 ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ቦርድ ትዊተር ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንኤሎን መስክ ብ44 ቢልዮን ዶላር ንምሻጥ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

 መስክ ንትዊተር ካብ ምግዛእ ዘንሳሕበ፡ እቲ ትካል ቁጽሪ ስኑዓት ገጻት ትዊተር ክንደይ ከምዝኾኑ እኹል ሓበሬታ ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

 ትዊተር ብወገኑ እቲ ናይ ዕድጊት ውዕሊ ተፈጻሚ ንክኸውን ሕጋዊ ስጉምትታት ንምውሳድ መጽናዕትታት የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

 “ቦርድ ትዊተር ምስ ኤሎን መስክ ብዝተበጽሐ ዋጋን ውዕላትን መሰረት ንኽፍጸም ጽኑዕ ድልየት ኣለዎ” ክብል ኣካቢ ቦርድ ትዊተር ብሬት ተይለር ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ።

 ኤሎን መስክ 273.6 ቢልዮን ዶላር ዝተጻረየ ሃብቲ ዘለዎ ቀዳማይ ሃብታም ዓለም ከምዝኾነ መረዳእታ መጽሄት ፎርብስ የረድእ።

 ቀንዲ ምንጪ ሃብቲ ኤሎን መስክ ኣብ ኣፍራይ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ቴስላ ብዘለዎ ብጽሒትን ካብ ናይ ህዋ በረራ ዘሰላስል ትካል ስፔክስ ኤክስ ብዝረኽቦ እቶትን ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

 መስክ ንትዊተር ክገዝኦ ምዃኑ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን፡ ስሪታትን ናይ ኣጠቓቕማ መምርሕታትን ማሕበራዊ ዓለባ ትዊተር ብምልሕላሕ ሰባት ብዝሓሸ ናጽነትን ብዘይ ገለ ገደብን ሓሳባቶም ክገልጹ ከፍቅድ’ዩ ዝብል ዓብይ ግምት ነይሩ።

 ኤሎን መስክ ምስ ትዊተር ውዕሊ ኣብ ዝኣሰረሉ ግዜ “ናጻ ሓሳብ መሰረት ዴሞክራሲ’ዩ፣ ትዊተር ድማ ኣብ መጻኢ ህይወት ደቂ ሰባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ክትዓት ዝግበረሉ ድጅታላዊ ኣደባባይ’ዩ” ኢሉ ነይሩ።

 ትዊተር ንፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ካብቲ ማሕበራዊ ዓለባ ምስኣገዶ ኤሎን መስክ ብጥብቒ ኮኒንዎ ነይሩ።

ስኑዓት ገጻት

መስክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ‘ስፓም’ ን ስኑዓት ገጻትን ክንደይ ከምዝኾኑ መረዳእታ ክሳብ ዝርከብ እቲ ውዕሊ ዕድጊት “ኣብ ዘለዎ ደው” ተገይሩ’ሎ ኢሉ ነይሩ።

 ትዊተር ካብ ጠቕላላ ተጠቀምቱ ቁጽሪ ስኑዓት ማሕበራዊ ገጻት ካብ 5 ምኢታዊት ዘይዛይድ ከምዝኾነ’ኳ እንተገለጸ መስክ ግን ብመረዳእታ ንኽቐርበሉ ክሓትት ጸኒሑ’ኆ። መስክ እቲ ቁጽሪ ኣስታት 20 ምኢታዊት ከምዝኾነ’ዩ ዝኣምን።

ጠበቓታት ኤሎን መስክ ትዊተር ናይዚ መረጋገጺ ከቕርብ ኣይከኣለን ኢሎም።

 ስፓም ዝኾኑ ገጻት ትዊተር ሓደ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ብዘይ ናይቲ ተቐባሊ ፍቓድን ኣፍልጦን ንብዙሓት ሰባት ዝልእኹ ክኾኑ እንከለዉ ስኑዓት ገጻት ድማ ልክዕ ብዘይኮነ መንነት ዝኽፈቱ ገጻት እዮም።

 ትዊተር መዓልታዊ ከምኡታት ዝመሰሉ ሓደ ሚልዮን ገጻት ክኣሊ’የ ኢሉ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።