ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝደጋገም ዘሎ ምንቅጥቃጥ-ምድርን ስግኣቱን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣስታት 1500 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ከም ዘጋጠመ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ሰፊሩ ንረኽቦ።
እዚ ዓቐኑን ዘውርዶ ጕድኣትን ዝፈላለ፡ ኣብ ገሊኡ ኸኣ እሳተ ጐሞራዊ ነትጕ ዘሰነዮ ምንቅጥቃጥ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ተደጋጊሙ ክጋጥም ይርአ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኤርትራ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኡስ ዞባ ፎሮ ዝማእከሉ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዝተሰምዐ፡ ካብ ማእከል ምርምር ጂኦሳይንስ ጀርመን ተገሊጹ ነይሩ።
እዚ ኣብ ኤርትራ - ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ - ዝማእከሉ ምንቅጥቃጥ-መሬት፡ ብ 1-2 ነሓሰ ብተኸታታሊ ከም ዘጓነፈ፡ ማዕከናት ዜና ኤርትራን ትግራይን ከም ዝገለጻ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብሰሉስ 1 ነሓሰ፡ ሰዓት 8፡15 ከምኡ’ውን ሰዓት 10፡37 ድሕሪ-ቐትሪ፡ 5.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ክስማዕ ከሎ፡ ንጽባሒቱ ረቡዕ ሰዓት 6:36 ንግሆ ድማ፡ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዝተሰምዐ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ፡ ኣብ ንኡስ-ዞባ ፎሮ ኤርትራ ዝሕመረቱ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ፡ ኣብ ትግራይ’ውን፡ ኣብ መቐለ፡ ዓዲ-ግራት፡ ኣክሱም፡ ሽረ ወዘተ ዝኣመሰላ ከተማታት፡ ከም ዝተሰምዐ፡ ተለቪዥን ትግራይ ገሊጻ ነይራ።
እዚ 10 ኪሎሜተር ዕምቈት ዘሎዎ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ እትርከብ ካሪቦሳ ዝተባህለት ዓዲ፡ 5 ኣባይቲ ከም ዝፈረሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣቃሊሓ ምንባራ ይዝከር።
ብ2 ሓምለ 2023፡ ሰዓት 7፡51 ድሕሪ-ቐትሪ፡ ንኡስ ዕምቈት ዝነበሮ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብ ዓዲቐይሕን ከባቢኣን ከም ዝተኸስተ ተገሊጹ ነይሩ።
ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዘመን፡ ኣዝዩ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብዚ ዞባ’ዚ ተራእዩ እዩ።
እቲ፡ ኣብ 21 ነሓሰ 1921፡ 6.1 ሬክተር ዓቐን ዝነበሮ ምንቅጥቃጥ-መሬት፡ ንኸተማ ምጽዋዕ ብኸቢድ ኣዕንዩዋ፣ ዳግመ-ህንጻኣ ድማ ክሳዕ 1928 ሸውዓተ ዓመታት ከም ዝወሰደ ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ’ውን፡ ብ1961፡ 6.1 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ንኸተማ ማጄቴ ከም ዘዕነዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ 1989፡ 6.5 ሬክተር ዝዓቐኑ፡ ኣብ መንጐ ዓሰብን ኣዲስ-ኣበባን ንዝርከቡ ሓያሎ ድልድላት ምዕናዉ ይሕበር።
እዚ፡ ብፍላይ እናሻዕ ዝደጋገም ኤርትራ ዝማእከሉ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ብቐንዱ ኣብ ከባቢታት ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝኽሰት፡ ንምንቅጥቃጥ መሬትን እሳተ-ጐመራን ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት።
ነዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታኡ ንጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ክኢላ ጂኦፊዚክስ ፕሮፌሰር ገብረብርሃን ዑቕባዝጊ፡ “ኣብዚ ግዜ’ዚ ቀይሕባሕሪ፡ ኣብ ውሽጡ ብዘሎን ነገራት ይገፍሕን ይልወጥን ስለዘሎ፡ ንሱ ዝፈጥሮ ጸቕጢ፡ ኣብ ከባቢታት ናቕፋን ዓንሰባን ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ከጋጥም ይገብር ኣሎ" ይብል።
ኣብ ኤርትራ ዝኽሰት ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ብዝሕ ዝበሉ ተመሳሳሊ ሓይሊ ዘለዎም ተኸታቲሎም ከም ‘ዕስለ’ [Swam] ዝኽሰቱ ኰይኖም፡ ንህንጻታት ዘዕንዉ ሓደገኛታት ምዃኖም፡ ፕሮፌሰር ገብረብርሃን የዘካኽር።
ምንቅጥቃጥ መሬት ብኸመይ የጋጥም?

እቲ ሊቶስፈር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ላዕለዋይ ቀጸላ መሬት ናብ ሸውዓተ ዓበይቲን ካልኦት ንኣሽቱ ቀጸላታት ዝተመቓቀለ እዩ።
እዞም ቀጸላታት መሬት ወትሩ ኣብ ተዛማዲ ምንቅስቓስ ኣለዉ። ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ኣብ መንጐኦም ዝፍጠር ፍሕፍሐ፡ ምግጫው ወይ ምንሽርታት ምንቅጥቃጥ መሬት ወይ እሳተ ጐመራ የስዕብ።
መብዛሕትኡ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ኣብቲ ፍሕፍሕ ወይ ምግጫው ዘጋጥመሉ ጫፋት ናይዞም ተክቶኒካውያን ቀጸላታት መሬት ይገሃድ።
ኣህጉር ኣፍሪቃ ብወገና፡ ብክልተ ተክቶኒካውያን ቀጸላታት ዝቘመት እያ። እቲ ንሰሜን፡ ምዕራብን ደቡብን ኣፍሪቃ ዝሓቊፍ ቀጸላ፡ ኣፍሪቃዊ ቀጸላ ወይ ኑብያዊ ቀጸላ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ንሃገራት ሶማልያ፡ ምብራቕ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሞዛምቢክ፡ ማዳጋስካርን ካልኦት ሃገራትን ዝሓቊፍ ቀጸላ ድማ ሶማልያዊ ቀጸላ ይበሃል።
እዞም ክልተ ቀጸላታት ናብ ኣንጻር ኣንፈት እናተጓዕዙ በብቕሩብ ይፈናተቱ እዮም ዘለዉ። ኣብቲ ዝፈናተትሉ ቦታ ‘ሃጓፍ ስንጭሮ ምብራቕ ኣፍሪቃ’ ይርከብ። ኣብዚ ንኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ታንዛንያን ሰንጢቑ ዝሓልፍ ሃጓፍ ሽንጥሮ፡ ዝቀሃሙን ገና ንጡፋት ዘለዉ እሳተ ጐመራታት ከም ዝርከቡ መጽናዕቲታት የመልክቱ።
ኣብቲ ሰሜናዊ ጫፍ ናይዚ ሃጓፍ ሽንጥሮ 'ስሉስ ኩርናዕ ዓፋር' ይርከብ። እዚ ንናይ ኤርትራ ደንካልያ - ደቡባዊ ቀይሕባሕሪ፡ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋርን ጂቡቲን ዝሓቊፍ ከባቢ፡ መራኸቢ ናይ ሰለስተ ተክቶኒካውያን ቀጸላታት፣ ኣፍሪቃዊ (ኑብያዊ)፡ ሶማልያውን ዓረባውን ቀጸላታት መሬት እዩ።
እዞም ሰለስተ ተክቶኒካውያን ቀጸላታት ነንሕድሕዶም ብዘገምታ እናተፈናተቱ ይኸዱ ስለ ዘለዉ፡ መራኸቢኦም፡ ስሉስ ኲርናዕ ዓፋር፡ ቀጻሊ እሳተ ጐመራን ምንቅጥቃጥ መሬትን ዝረኣየሉ ቦታ ምዃኑ ተመራመርቲ ስነመሬት ይሕብሩ።
እዚ ናይ ሎምቅነ ዝስማዕ ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬት ድማ ምስ ምንቅስቃስ ናይዞም ቀጸላታት መሬት ከምዝተኣሳሰር ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ይሕብሩ።
ብተወሳኺ፡ ምፍንታት ኑብያውን ሶማልያውን ቀጸላታት ብዘገምታ ቀጺሉ፡ ድሕሪ ኣስታት 10 ሚልዮን ዓመታት ሶማልያዊ ቀጸላ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተፈልዩ ኣብ ሃጓፍ ሽንጥሮ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ውቅያኖስ ከም ዝፍጠር እቶም ሳይንሰኛታት ይንበዩ።

ምንጪ ስእሊ, VOLCANO DISCOVERY
መዐቀኒ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይሊን ብርትዐን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብ ‘ሬክተር’ እዩ ዝዕቀን።
ንፍልልዮም ከረድእ እንከሎ፡ ፕሮፌሰር ገብረብርሃን፡ ንኣብነት 5 ሬክተር ካብ 4 ሬክተር ብ 33.3 ግዜ ዝዓቢ ሓይሊ ኣለዎ፤ 6 ሬክተር ድማ ካብ 4 ሬክተር ብ 1 ሽሕ ግዜ ዝዓቢ ሓይሊ የመንጩ፤ 7 ሬክተር ካብ 4 ሬክተር ድማ 33 ሽሕ ግዜ ዝዓበየ እዩ።
ነዚ ብቐሊሉ ንምርዳእ፡ ምስ ተተኳሲ ምንጽጻር ይከኣል። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ጃፓን ሂሮሺማ ናጋሳኪ ዝወደቐ ቦምባ፡ 120 ሽሕ ኩንታል ሓይሊ ቲኤንቲ ተተኳሲ ሓይሊ ዝነበሮ እዩ።
እዚ ድማ ምስ 6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይመጣጠን።
ስለዚ፡ 7 ሬክተር ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተኣጋጢሙ 33 ግዜ ናይ ሂሮሺማ ኣቶሚክ ቦምብ ሓይሊ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ 8 ሬክተር ድማ 1 ሽሕ ግዜ ናቱ እዩ ማለት እዩ።
እቲ ኣብ ቱርኪን ሶርያን ዘጋጠመ 7.8 ሬክተር ከኣ ኣስታት 530 ግዜ፡ ናይቲ ኣብ ሂሮሺማ ዝወደቐ ኣቶሚክ ቦምብ ብርታዐ ኣለዎ።
ክንገብሮም ዝግባእ ጥንቃቐታት

ምንቅጥቃጥ መሬት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብተዘዋዋሪ፡ ማለት እቲ ሰብ ዝሰርሖ ህንጻ ምስ ዓነወ፡ ሞት ሰብን ዕንወትን ንብረትን የስዕብ።
ስለዚ፡ ፕሮፌሰር ገብረብርሃን፡ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዘጋጥሞ ወይ ክመጾ ከም ዝኽእል ኣብ ዝተገመተ ቦታ ዝስራሕ ህንጻ ነቲ ሓደጋ ዝጸውር ኰይኑ ክህነጽ ከም ዝግባእ ይመክር።
ፕሮፌሰር፡ ነቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋን ሞትን ዘስዓበ ምንቅጥቃጥ መሬት ብምዝካር፡ ቱርኪ ብኸምዚ ዝበለ ከቢድ ሓደጋ ኣብ ዝጥቃዕ ከባቢ ዘላ ሃገር ኰይና፡ ንዕኡ ዝምልከት ሕግጋት ህንጻ ከምዘሎ’ውን የረድእ።
እንተዀነ፡ ነዚ ድንጋገታት ኣብ ምትግባር ዝተገብረ ጌጋታት ናብዚ ዅሉ ዕንወት ከምዘቃልዓ ይገልጽ።
ብሓፈሻኡ ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ መሬት ኣኣብ ዘለናዮ ቦታ ክንጸንሕ ተመራጺ እዩ። ኣብ ገዛ እንተሃሊና ኣብ ገዛ፡ ኣብ ግዳም እንተሃሊና ድማ ኣብ ግዳም ክንጸንሕ ይግባእ።
ከይተንቀሳቐስና ኣኣብ ዝነበርናዮ ቦታ እንተጸኒሕና ተኽእሎ ዝወርድ ሓደጋ ይንኪ።
ምንቅጥቃጥ መሬት ምስ ጀመረ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ካብ ቤትሮ፡ ዝተንጠልጠሉ ኣቝሑ፡ ከብሒ መጽሓፍቲን ከም ኣርማድዮ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣቕሑ ገዛ ክንርሕቕ ይግባእ።
መብዛሕትኡ ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝስዕብ ማህሰይቲ ካብ ዝወድቁና ንብረት ገዛ ወይ እቲ ሰብ ንባዕሉ ብምውዳቑ እዩ ዝስዕብ።
መሬት ከንቀጥቅጥ ኣብ ዝጅምረሉ ግዜ ብቕጽበት ብኣእዳውናን ኣብራኽናን ተደጊፍና ኣብ ባይታ ምስ ተደበርና፡ ንርእስናን ክሳድናን ብቐንዱ እንተተኻኢሉ ድማ ንምሉእ ነብስና ከዕቊብ ናብ ዝኽእል ጠረጴዛ ወይ ካልእ መሸፈኒ ንኣቱ።
ክሳዕ እቲ ምንቅጥቃጥ ዝሓልፍ ድማ ኣብቲ መዕቆቢና ክንጸንሕ ይግባእ።
ኣብ ትሕቲኡ ንነብስና ከዕቍብ ዝኽእል ኣቕሓ ብቐረባ ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተዘየሎ ግን፡ ናብ መንደቕ ወይ ናብ ሓጺር ዝቑመቱ ፈርኒቸር ተጸጊዕና ኮፍ ብምባል ርእስናን ክሳድናን ብኣእዳውና ንሽፍኖ። ኣብ ዓራት ደቂስና ምስ እንጸንሕ፡ ኣብ ዘለናዮ ኴንና ርእስና ብመተርኣስ ብምሽፋን ካብ ዝወድቕ ነገር ንከላኸል።
ኣብ ክሽነ እንተሃሊና ድማ ዝተወለዐ ጋዝ ይዅን ካልእ ሓዊ ከነጥፍኦ ይግባእ።
ኣብ ርሻን ምስ እንህሉ፡ ካብ መሳኹትን ናብ ግዳም ዝጥምት መናድቕ ናይቲ ህንጻ ንተኣለ። መሬት እናንቀጥቀጠ ካብቲ ህንጻ ክንወጽእ ኣይንፈትን።
ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ህዝቢ ዝተኣከበሉ ህንጻ እንተሃሊና ድማ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ (ኣብ መሬት ምብራዂ፡ ናብ መዕቆቢ ሽፋን ምእታውን ኣብኡ ምጽናሕን) ንከተል። ናብ ደገ ክንወጽእ ኣይንፈትን፤ ካልኦት ሰባት ተመሳሳሊ ሓሳብ ምስ ዝህልዎም፡ ኣብቲ ዝፍጠር ጽቕጥቅጥ ንካልእ ሓደጋ ክንቃላዕ ንኽእል።
ኣብ ግዳም ምስ እንጸንሕ፡ ካብ ህንጻታት፡ ጐዳጉዲ፡ ሻምብቆታት ነዳዲ፡ ኣግራብ፡ ዓንድታት ኤለክትሪክ ርሒቕና ኣብ ክፉት ቦታ ኴንና እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳዕ ዝውድእ ንጸበ።
ኣብ ጐቦታትን ሰናጭሮን ምስ እንህሉ፡ ካብ ላዕሊ ዝወርድ መደረጋሕን ምህማም መሬትን ንጠንቀቕ። ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ዝባን ጐቦ ወይ ካልእ በሪኽ ቦታ ክንወጽእ ንፈትን።
መኪና ንመርሕ እንተሃሊና፡ ካብ ላዕሊ ዝወድቕ ኣብ ዘይብሉ ክፉት ቦታ መኪና ዓሺግና፡ ኣብ ውሽጢ መኪና ኴንና ንጸበ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







