ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣባይቲ ፈሪሱ

ምንጪ ስእሊ, Volcano Discovery
ኣብ ኤርትራ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኡስ ዞባ ፎሮ ዝማእከሉ፡ 5.6፡ ከምኡ’ውን 4.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝተሰምዐ፡ ካብ ማእከል ምርምር ጂኦሳይንስ ጀርመን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብሰሉስ 1 ነሓሰ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ከባቢ፡ 65 ኪሜ. ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ምብራቕ- ደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ዝርሕቕ፡ ብፍሉይ ኢራፋይለ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር 8፡15 ምሸት፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ -10 ኪ.ሜ ዕምቆት ከምዘጋጠመ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብቲ ዕለት 10:37 ምሸት ከምኡ’ውን ረቡዕ 02 ነሓሰ ንግሆ ካብ 6:36 ቅ.ቐ ክሳብ 8፡00 ቅ.ቐ ክሳብ 4.7 ሬክተር ዝተዓቀኑ ተኸታተልቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን ዑምቀትን - ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ካብ ኣስመራ 54 ኪ.ሜትር ኣብ ዝርሕቀቱ ማእከል - ተሰኒዶም ከም ዘለዉ፡ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዘርጊሑ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ "በዚ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ዛጊት ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት እኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ካሪቦሳ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ 5 ኣባይቲ ከም ዝፈረሰ" ኣስፊሩ።
ማእከል ጂኦሳይንስ ጀርመን ኣቐዲሙ ከም ዘነጸሮ፡ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ዝያዳ መረዳእታታት ብምእካብ ሞያውያንን መሳርሒታትን ብዝህብዎ ቅማረ ክኽለስ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ካብቲ መባእታዊ መረዳእታ ብምብጋስ፡ እቲ ክስተት ብብዙሓት ሰባት ኣብ ከባቢ እቲ ማእከል ዝነብሩ ተሰሚዑ ክኸውን ከም ዝኽእልን፤ ካብ መሰቓቐሊ ዝወድቝ ኣቝሑ፡ ሓሓሊፉ ምስባር መሳዅቲ ወዘተ እንተዘይኰይኑ ርኡይ ጉድኣት ከውርድ ከምዘይክእል ገምጋሙ ኣስፊሩ ነይሩ።
እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ’ዚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ዓንኬል እቲ ማእከል ከከም ርሕቀቱ ብዝተፈላለየ መጠን ከም ዝተሰምዐ እቲ ትካል ኣቃሊሑ።
በዚ መሰረት፡ ካብቲ ማእከል 34 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ዓዲቐይሕ፡ ደቀምሓረ 45 ኪ.ሜ፡ ከምኡ’ውን ኣስመራ 65 ኪ.ሜ - እቲ ምንቅጥቃጥ ከም ቅልል ኢሉ ክስማዕ ከም ዝኽእል ኣቐሚጡ።
ብዘይካ’ዚ፡ ካብቲ ማእከል 96 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዓዲግራት፡ 129 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርሕቕ ከረን፡ ከምኡ’ውን ከከም ርሕቀቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ድማ ድኽም ዝበለ ምንቅጥቃጥ ተሰሚዑ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ማእከል ኣስፊሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሓያሎ ከተማታት 5.5 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝተራእየ ቴሌቪዥን እቲ ክልል ኣቃሊሓ።
እታ ተለቪዥን፡ ነቲ ማእከል ጂኦሳይንስ ጠቒሳ፡ ማእከላይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ከተማታት መቐለ ኣኽሱም፡ ዓዲግራት፡ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ውቕሮን ካልኦት ከባቢታትን ከም ዝተሰምዐ ኣፍሊጣ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ትግራይ ሰሎሞን መዓሾ፡ ኵለን ኣብ ትሕቲ እቲ ዞባ ዝርከባ ወረዳታት በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዝተወቕዓ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ረቡዕ 2 ነሓሰ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ንግሆ ሰዓት 6:36 ፡ 4.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝተሰምዐ እቲ ማእከል ጂኦሳይንስ ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ክስተት እዚ’ውን፡ ካብ ባጽዕ 38 ኪ.ሜ፡ ደቀምሓረ 47፡ ዓዲቐይሕ 48፡ ዓዲ ግራት 111፡ ከረን 119፡ ኣኽሱም 149 ከምኡ’ውን መቐለ 197 ኪ.ሜ ርሒቝ ዝርከብ ኰይኑ፡ ከከም ርሕቀቱ ዝፈላለ መጥን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝተሰምዐ ማእከል ጂኦሳይንስ ጀርመን ኣፍሊጡ’ሎ።
ቅድሚ ሕጂ...
ኣብ ኤርትራ ብ2 ሓምለ 2023፡ ሰዓት 7፡51 ምሸት፡ 4.2 ዓቐንን ዝነበሮ፡ 10ኪሎሜተር ዕምቈት፡ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ዝማእከሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ ነይሩ።
እዚ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ፡ ካብቲ ሕመረቱ ዝዀነ ገልዓሎ፡ ኣብ ዓንኬል 300ኪሎሜተር ዝርከቡ ቦታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝሃረመ እውን ተገሊጹ። ዓዲ-ቐይሕ፡ ብምብራቕ 82ኪሎሜተር፡ ዓዲግራት፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ 86 ኪሎሜተር፡ እተን ዝቐረባ ከተማታት እየን።
ኣብ ግንቦት 2023 እውን፡ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ-መሬት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ ከም ዘጋጠመ፡ ሚኒስትሪ ጸዓትን መዓድንን ኤርትራ ገሊጹ ከም ዝነበረ ይዝከር።
እዚ፡ ካብ ፎሮ 15 ኪሎሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ፡ ካብ ዓዲቐይሕ ድማ 38 ኪሎሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ “ሰዓተረ” ኣብ ዝተሰምየ ቦታ ማእከሉ ዝገበረ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ፡ 40 ኪሎሜተር ዕምቈት ከም ዝነበሮ፡ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ ነይሩ።
ስነፍልጠተኛታት ከም ዝገልጹዎ፡ ድሕሪ ከምዚ ዝዓይነቱ ዓቐን፡ ዝዓበየ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክስዕብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ይገልጹ።
ኣብዚ ዞባ’ዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ዝውቱር ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ኣብዚ ንገልዓሎ ማእከል ዝገበረ ክሳዕ 300ኪሎሜተር ዝሽፍን ዞባ’ዚ፡ ካብ 4.2ን ልዕሊኡን ሬክተር ዘመዝገበ፡ 39 ግዜ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ኣጋጢሙ። እዚ ማለት፡ ብገምጋም፡ ኣብ 3 ወርሒ ሓንሳብ የጋጥም ማለት እዩ።
ኣብ 2023 ኣብ ኤርትራ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ 4.9 ሬክተር ዝዕቀን ምንባሩ፡ earthquakes.zone ዝተባህለ መርበብ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







