ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪ.ሜ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪ.ሜ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ሚኒስትሪ ዜና ብትዊተር ሓቢሩ።
እቲ 4.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ከተማ ኣቑርደት ኣስታት 91 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ከምዘጋጠመ ኣብ ሚኒስትሪ ማዕድን ጸዓትን ክፍሊ ምምሕዳር ጂኦፊዚክ ላባሮቶሪ ተረጋጊጹ ክብል እቲ ዝወጽኣ መግለጺ ሓቢሩ።
በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ሰብኮነ ኣብ ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየለ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስተር፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እተጽንዕ ጉጅለ ክኢላታት ናብቲ ቦታ ተላኢኾም ከምዘለው ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ፡ ብ13 ነሓሰ 2018 ካብ ከተማ ባጽዕ ኣስታት 50 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 4.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይፍለጥ።
ከተማ ባጽዕ፡ ኣብ 1884 ከምኡ'ውን ኣብ 1921 ብዘጋጠመ ምንቃጥቃጥ ምድሪ፡ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ሓምለ 2002ን መስከረም 2013ን ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ሰነዳት የረድኡ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







