ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪ.ሜ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ

ገቦታት ኣቑርደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪ.ሜ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ሚኒስትሪ ዜና ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ 4.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብ ከተማ ኣቑርደት ኣስታት 91 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ከምዘጋጠመ ኣብ ሚኒስትሪ ማዕድን ጸዓትን ክፍሊ ምምሕዳር ጂኦፊዚክ ላባሮቶሪ ተረጋጊጹ ክብል እቲ ዝወጽኣ መግለጺ ሓቢሩ።

በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ሰብኮነ ኣብ ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየለ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እተጽንዕ ጉጅለ ክኢላታት ናብቲ ቦታ ተላኢኾም ከምዘለው ገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ ኤርትራ፡ ብ13 ነሓሰ 2018 ካብ ከተማ ባጽዕ ኣስታት 50 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 4.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይፍለጥ።

ከተማ ባጽዕ፡ ኣብ 1884 ከምኡ'ውን ኣብ 1921 ብዘጋጠመ ምንቃጥቃጥ ምድሪ፡ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ሓምለ 2002ን መስከረም 2013ን ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ሰነዳት የረድኡ።