ብዛዕባ እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናትን ጻውዒት ሰላምን ትግራይ ክሳብ ሕጂ ዘለው ምዕባለታት

እቲ ክልተ ዓመት ክመልኦ ሓደ ወርሒ ተሪፉዎ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዳግም ድሕሪ ምውልዑ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ክፈሽል ምኽንያት ኰይኑ’ዩ።

ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንምጅማር እቲ ኲናት ኣመልኪቱ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።

እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት እኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ ኣዳሊያቶ ኣብ ዝተባህለ መድረኽ ዝርርብ፡ ተደራደርቲ ማእኸላይ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ጅቡቲ ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ምንጭታት ይገልጹ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድልዋት ከም ዝዀኑን ኣብቲ ድርድር ዝሳተፉ ወከልቶም ከም ዝመዘዙን ወግዓዊ ምግባሮም ክኣ፡ ነዚ ስዒቡ ዝመጽአ ውሳነ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

መራሕቲ ትግራይ ብ1 መስከረም 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ስምምዕ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክግበር ድልየት ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም።

ነቲ ኲናት ደው ንምባል፡ ብሸምጋልነት እቲ ሕብረት ኣብ ዝግበር ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድልየት ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ መራሕቲ ትግራይ ዘቕረቡዎ ሓሳብ አወንታዊ ምላሽ ሂብሉ ኣሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰተርን ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻእን፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝነበሮ ኣኼባ፡ "ሕዚ'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመገዲ ሕብረት ኣውሮጳ ንዝእለ ዘተ ቅሩብ ምዃኑ" ተዛሪቡ።

ክስታት መጥቃዕቲ ነፈርቲ

መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ሓድሕድ ብልዝብ ንክፍታሕ ድሉዋት ከም ዝዀኑ’ኳ እንተገለጹ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን እቲ ኲናት ብዝተፈላለዩ ግንባራት ተጠናኺሩ ከም ዝቐጸለ ተዛሪቡ ኣሎ።

ጀነራል ታደሰ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ብዝኸፈቱዎ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሸራሮ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮም ከም ዘለው ሓቢሩ።

እቲ ኣዛዚ ወሲኹ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ዘይዛረየ ከቢድ ዝብሃል ኲናት ብዝተፈላለዩ ግንባራት ከም ዝተኻየደ ብምግላጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድልድል ተከዘ ንምስጋር ፈተነ ይገብር ኣሎ ክብል ንማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ይኸሱ።

ኣብቲ ብሰሉስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት [ድሮን]፡ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቐጽሪ ዓዲ ሓቂን ትካል ሬድዮን ቴሌቪዥንን ድምጺ ወያነ ዒላማ ከም ዝዀኑ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ትማሊ ሮቡዕ፡ ዳግም ኣምሳል ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዝተፈጸመ ካልእ መጥቃዕቲ ድሮን ድማ፡ ብውሑድ 10 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት 19 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ሓካይም ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ገሊጾም።

መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ ዝቐርብሉ ዘለው ክስታት መጥቃዕቲ ድሮን ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ተቛሪጾም ብምህላዎም ድማ ብዛዕባ እቶም ዝብሃሉ ዘለው መጥቃዕታት ብሳልሳይ ወገን ምጽራይ ኣይተኽኣለን።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ ኒውስ ደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይዋግኡ ከም ዘለው ብምግላጽ ኣብ ከተማ መቐለ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን ይፍጸም ኣሎ ኢሉ።

“ይኹን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ሰላም ስትራቴጂካዎ ምርጫና’ዩ። ሕጂ’ውን ነቲ ፖለቲካዊ ጸገም ብፖለቲካዊ መገዲ ብልዝብ ጥራይ ንክፍታሕ ብትሪ ንሓትት” ክብል ተዛሪቡ።

መን እንታይ ኢሉ?

ማእኸላይ መንግስቲ ዋላ’ውን ነቲ መራሕቲ ትግራይ ዘቕረቡዎ “ጻውዒት ሰላም” ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ምላሽ እንተዘይሃበሉ፡ ገለ ሰብ መዚ መንግስቲ ግን ንመግለጺ ሓይልታት ትግራይ ብጥርጣረ ከም ዝርእዩዎ የመልክቱ።

ሚኒስትሪ ሰላም ታዬ ደንደኣ፡ “ጌጋ ክህሉ የብሉን፤ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ሰራዊት ምክልኻል እዩ ዝህሉ፤ እዚ ዓለምለኻዊ መትከል እዩ። ዝርርብ ሰላም ቅድሚ ምጅማሩ ክኣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። 

መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድልውነቶም ምግላጾም ስዒቡ፡ ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር መግለጺ ኣውጺኦም ኣለው።

ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] ከምኡ’ውን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ [ኣብን] ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም ርኢይቶ ገሊጾም ኣለው።

ኢዜማ፡ “ዘላቒ ሰላም ዝረጋገጽ ሉእላውነት ኢትዮጵያ ብዝዀነ መልክዑ ኣብ ሕቶ ውሽጢ ዘየእተወ ክኸውን ኣለዎ” ይብል።

ኣብን ብወገኑ፡ “ህወሓት፡ ኣማራጽታት ድርድርን ሰላማዊ መገድን ዳግም መሳርሒ ኲናትን መሳለጢ ሽበራን ገይሩ ክጥቀመሉ ክፍቀደሉ የብሉን” ኢሉ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ብወገኖም፡ ሓይልታት ትግራይ ተኹሲ ጠጠው ብምባል ንልዝብ ድሉዋት ኢና ምባሎም ብእወንታ ከም ዝቕበሉዎ ገሊጾም።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት፡ “እዚ ኣጋጣሚ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምምጻእ ዘኽእል ዕድል’ዩ” ብምባል ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ብቐጥታ ዝርርብ ክጅምሩ ኣተሓሳሲቡ።

ዓመተ 2014 ዓ.ም ቅድሚ ምውድኡ ኣብ ዝነበራ ሒደት መዓልታት፡ ልዕሊ 30 ትካላት ስቪል ማሕበሰረብ እቲ ኲናት ጠጠው ንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረባ ይዝከር።

ጉዳይ ኣደራደርቲ

ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ ፍልይ ልኡኽ ሰላም ገይሩ ብምሻም ኣብ ምምጻእ ሰላም ንክሰርሕ ሓላፍነት ሂቡዎ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ክኣ፡ እቲ ትካል ንኦባሳንጆ ዝሃቦ ሓላፍነት ንክናዋሕ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።

“ኣብ ልዕሊኡ ዘለኒ እምነት ዳግም ብምርግጋጽ፡ ምስ ክልቲኦም ወገናትን ዓለምለኸ ተወከልትን ዘለዎ ርክብ ብምቕጻል ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ሰላምን ዕርቅን ንክመጽእ የተባብዕ” ክብል ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንክፍታሕ ብዙሕ ኣህጉራውን መንግስታት ዓበይቲ ሃገራትን ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ይገልጹ።

ማእኸላይ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ናብ ጠረጴዛ ንምምጻእ ቃል ኣትዮም ዝራኸብሉ ግዘን ቦታን ንክእወጅ ጻውዒት ኣብ ዝቐርበሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ ዳግም ኲናት ተወሊዑ።

መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ምስ ህወሓት ዝግበር ዝርርብ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ክህልዎ እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ግን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንመንግስቲ “ቀረባ’ዩ” ዝብል ተቓውሞ ኣለዎም።

ኣብ ኣሜሪካ ወኪል ህወሓት ዝዀነ ኣቶ ዩውሃንስ ኣብርሃ “ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝርርብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ ተቓውሞ የብልናን፤ እቲ ሕብረት ወኪል ገይሩ ዝሸሞ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ ግን ንቕበሎ ኢና ኣይበልናን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ሕጂ’ውን፡ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ ነበር፡ እቲ መስርሕ ሰላም ክመርሖ ድልየትና ኣይኰነን”።

መራሒ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት “ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበሩ ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዕንወት ከውርድ እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

ኡህሩ ኬንያታ ክምለስ'ዶ ይኸውን?

ደብረጽዮን ኣብ ደብዳብኡ፡ “እቲ ጐንጺ ብጻዕሪ ሕቡራት ሃገራት ጠጠው ምስ ኣበለ፡ ዘላቒ ሰላም ንክወርድ ብሰብ ሞያ ዝተደገፈ ዓለምለኻዊ ኣደራዳሪ ጉጅለ ክስየም” ሓቲቱ ነይሩ።

ኣብ ዙርያ “ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለና መርገጺ ግልጺ ገይርና ኢና” ዝበለ ደብረጽዮን፡ እቶም ብሕቡራት ሃገራት ዝሽየሙ ኣባላት “ብሸነኽና’ውን ተቐባልነት ዘለዎም ክዀኑ ይግባእ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ፌደራል ነዚ ህወሓት ዘቕረቦ “ጻውዒት ሰላም” ኰነ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ሕቶ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ሓይልታት ትግራይ ግን፡ እቲ ናይ ሰላም ዝርርብ ብፕሬዝደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታ ንክምራሕ ድልየት ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ሓድሽ ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኡህሩ ኬንያታ ዝጀመሮ ጻዕሪ ንክቕጽሎ ከም ዝተሰማምዑ ተዛሪቡ።

ይኹን’ምበር፡ ኡህሩ ኬንያታ ኣብዚ መስርሕ ሰላም ብዛዕባ ዝህልዎ ግደ ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኬንያ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዪ ግደ ኣለዋ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያት ናብ ኬንያ ዝመጽኡ ልኡኻት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኬንያ ከም ዝተዘራረቡ ይዝከር።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት፡ ሰላም፣ ድሕነትን ርግኣትን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ’ዩ ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዋይት ሃውስ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብታ ሃገር፡ “ሰፋሕቲ መጥቃዕታት፣ ጨፍጫፋት፣ ብሄር ተኰር መጥቃዕታት ሓዊሱ ከቢድ ግህሰት መሰላትን ጾታዊ ዓመጽን” ከም ዝተፈጸሙን ምትዕንቓፍ “ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት” በጺሑ’ዩ ይብል።

በዚ ምኽንያት፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ዝፈረመሉን ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ግህሰት ፈጺሞም’ዮም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተነብረ እገዳን ኣብ ዘለወሉ ንክቕጽል ወሲኑ እዩ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጽአ ትእዛዝ [2014]፡ እቲ ኲናት ኣብ ምንዋሕን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምትዕንቓፍን ተራ ዝነበሮም፣ ምቁራጽ ተጻብኦ ንከይግበር ማሕለኻ ብምዃን ብቐጥታ ተሓተትቲ ዝዀኑ ወይ ዝተሓባበሩ እገዳ ንክግበር ዝፈቅድ እዩ።

እቲ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ኣምሓራ ክልልን መራሕቲ ህወሓትን ዘነጻጸረ’ዩ።

እቲ ኲናት ናበይ’ዩ ከምርሕ?

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክኣ፡ እቲ ናይ ሕጂ ሓዊሱ ሰለስተ ዙርያ ውግኣት ተኻይዶም።

እቲ ሳልሳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምዝርራብ ክሽምግሉ ጻዕሪ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣካላት ዝሰመረሎም ኣይመስልን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ።

መራሕቲ ትግራይ፡ ብርክት ብዝበሉ ግንባራት ሰፋሕቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ኣብ ከተማ መቐለ ተደጋጋሚ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይፍጸም ከም ዘሎን ይገልጹ።

ብሸነኽ መንግስቲ ፌደራል ግን ነዚ ኲናት ኣመልኪቱ ዝተባህለ ነገር የለን።

ቢቢሲን ካልኦት ምንጪታት ዜናን ብወገን መንግስቲ ዘሎ ርኢይቶ ንምርካብ ጻዕሪ’ኳ እንተገበሩ ኣይሰመረሎምን።

መንግስቲ ኰነ መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ብልዝብ ንክፍታሕ ድልየት ከም ዘለዎም እኳ እንተኣፍለጡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ዝርኣዩ ዘለው ክስተታት ግን ክልቲኦም ወገናት ናብ ጠረጴዛ ሰላም ዘብጽሖም ስጉምቲ ይወስዱ ከም ዘየለው ዘመላኽቱ ከም ዝዀኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።