እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ኢትዮጵያ መወዳእታኡ እንታይ ይኸውን?
ኣብ ኢትዮጲያ፡ እቲ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈጥረ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምዕባለ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተኣወጀን ብመራሕቲ ትግራይ ተቐባልነት ዝረኸበን ምቍራጽ ተጻብኦ ዘሰናኸሎ ይመስል ኣሎ።
ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝጸንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ናብ ዝኸፍአ ጐንጺ ከምርሕ ከም ዝኽእል ይግመት።
ክልቲኦም ወገናት ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ንኽመጽኡ ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ዋላ’ኳ እቶም ተራጸምቲ ወገናት ሰላማዊ ልዝብ ክገብሩ ዝሕግዝ ጻዕሪ እንተተራእየ፡ ናብ ዝኸፍአ ጐንጺ ክኣትው ከም ዝኽእሉ ዘአንፍቱ ነገራት ከም ዝነበሩ ግን ቅድሚ ሳምንታት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ገሊጾም ነይሮም።
ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፡ ቅድሚ ሰሙናት፡ “ክልቲኦም ሓይልታት ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ኣዕሪፎም ኣለው እምበር ንልዝብ ዝኸውን ምድላው ኣይገበሩን” ኢሉ ነይሩ።
ሓላፊ ማሕበር ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ያሬድ ሃይለማርያም ብወገኑ፡ እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበራ ሒደት መዓልታት፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መንግስታት ዝርአ ዘሎ ምልውዋጥ ቃላት ዘስግእ እዩ ምባሉ ይዝከር።
ንምዃኑ፡ እዚ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት እንታይ ከስዕብ ይኽእል?
ሰብኣዊ ቅልውላው
ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝተሓሓዝ፡ ዝወጽኡ ኣሃዛት ኣመና ዘሰንብዱ’ዮም።
ኲናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ዝርኣዩ ጐንጺታትን ዝተናውሐ ሓደጋ ደርቅን ዘስዓብዎ ምፍንቓል ሰባት፡ ቍጽሪ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ ክውስኽ ገይሮም’ዮም።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት፡ “ጥምየት ኣብ ዝመስል ኵነታት” ከም ዝርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ።
ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለው፤ ካልኦት ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ከኣ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ተመዛበልቲ ኰይኖም።
ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ካብ 5.5 ሚሊዮን ህዝቢ ፍርቁ “ንኸቢድ” ሕጽረት መግቢ ከም ዝተቓልዐ ይግለጽ። ሕጽረት ቀረብ መድሃኒትን ገንዘብን፡ ምዕናው ትካላት ጥዕናን ሆስፒታላትን ከኣ ነቲ ቅልውላው ኣጋዲደምዎ።
ካብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝርከብ ሓገዝ ብኣግባቡ ናብ ተጠቀምቲ ንምብጻሕ ዓንቀፍቲ ኰይኖም ዝጸንሑ እገዳታትን ምትእጉጓላትን፡ ቍጽሪ ናይቶም ብሕጽረት መግቢ ዝጥቅዑ ህጻናትን ነፍሰ ጾር ኣደታትን ክብ ክብል ምኽንያት ኰይኖም’ዮም።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብ24 ነሓሰ 2022 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ከም ዝዛይድ ተዛሪቡ ነይሩ።
“ብዘይ ምግናን፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብቲ ናይ ዩክረይን ዝኸፍአ ምዃኑ ክዛረብ እኽእል። ቅድሚ ኣዋርሕ’ውን ከም ዝበልክዎ፡ ምናልባት እቲ ምኽንያት ሕብሪ ቘርበት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ክኸውን ይኽእል” ኢሉ።
እቲ ብ2020 ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ኣሽሓት ከም ዝዀነ ይፍለጥ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ድማ፡ ኵሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ዕጡቓት ሓይልታት፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝዀነ ቕትለት፡ ምስርጣይን ጾታዊ መጥቃዕታትን ከም ዝፈጸሙ ዘርእዩ ጸብጻባት ኣለው።
እቲ ዳግም ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ እዞም ጸገማት ከጋድንን ዝለዓለ ዕንወት ከብጽሕን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ በዓል ሞያ ድሕነትን ገበንን፡ “እቲ ኲናት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር ጸቕጢ ብምፍጣር፡ ቍጽሪ ተመዛበልቲ ብዕጽፊ ክውስኽ ምኽንያት ክኸውን እዩ። ሓረስቶት ድማ ካብ ሕርሻኦም ከሰናኽሎም’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ዋና ጸሓፊት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ራሄል ባፌ [ዶ/ር] ዳግማይ ናብ ኲናት ምእታውና “ከም ሃገር ውድቀት’ዩ” ትብል።
“ካልእ ናብ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝኸደሉ ናብ ኲናት ምእታዎም፡ ልኡኽቶኦም እንታይ’ዩ ኢልካ ክትሓትት ዘገድድ’ዩ።”
ዝዀነ ይዅን ኲናት ኣቐዲሙ ሰላማውያን ሰባት’ዩ ግዳይ ዝገብር፡ ዝብል ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ እቲ ሕጂ ዝተወልዐ ኲናት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋድዶ ከም ዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ።
እቲ ኲናት፡ “ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ዘውርዶ ዕንወት ጥራይ ዘይኰነ፡ ህይወቱ ዝጠፍእን ኣካሉ ዝጐድልን ዘሎ መንእሰይ ገዲፍና፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ትምህርትን ንቡር ህይወትን ምምራሕ ዝስእን ህዝቢ ዓቢይ በሰላ ዝገድፍ ክኸውን እዩ። ብሰንኪ ዘለውን ዝስዕቡን ጸገማት ድማ ብዙሓት ሰባት ክስደዱ’ዮም” ኢሉ።
እታ ሃገር ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ከተውዕሎ ዝነበራ ባጀት፡ ኣጽዋርን ድሮናትን ኣብ ምዕዳግ፣ ንሰራዊት ቀለብን ቀረባት ጥዕናን ከተውዕሎ ክትግደድን፡ ብሰንኩ ቀጥታዊ ወፍርን ካልእ ምንቅስቓሳትን ክጽሎ ወይ ክድረት ከም ዝኽእል’ውን ሓቢሩ።
እቲ ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት ከም ዘሕዝና እትዛረብ ራሄል፡ “ሳዕቤን ኲናት ንኽልቲኦም ወገናት ብሩህ ስለ ዝዀነ፡ ብኲናት ክንዕወት ኢና ኢሎም ብምእማን ዝጀመርዎ ኣይመስለንን፤ ኣብ ዂናት ሓድሕድ ሰዓርን ተሰዓርን የለን፡” ኢላ።
ስግኣት ምስፋሕ ጐንጺታት
እቲ ኲናት፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዘልዕሉ ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ዘለውዋ ሃገር ተወሳኺ ጐንጺታት ንኽለዓሉ ምኽንያት ከይከውን ይስጋእ።
ዓብዱራሕማን ኣቡሓሽም ከም ዝብሎ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ህወሓት ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ክስዓር ይኽእል’ዩ፤ ግን ከኣ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣተሓሳስባ ብቐሊሉ ክስዕሮ ክኸብዶን፡ ዑደት እቲ ጐንጺ ዘቐጽል ኵነታትን ክፍጠር ይኽእል።
“ህወሓት ዝስዕረሉ መንገዲኸ ክፍጠር ኣይክእልን ድዩ? ዝብል ሕቶ ምልዓል ግቡእ’ዩ። ስዕረት ብልጽግና ግን መላእ ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ከእቱ ስለ ዝኽእል ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ይዅና ዓበይቲ መንግስታት ነዚ ዘፍቅዱ ኣይመስለንን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ቅልውላው ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” ይብል።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኵነታት እናነውሐ እንተኸይዱ ብሄር ተኰር ጽልኢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ዝገልጽ ዓብዱራሕማን፡ ነዚ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ሶማልን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈጸሙ ብሄር ተኰር ቅትለታት ተራእዮም’ዮም ክብል የረድእ።
“እቲ ጽልኢ ድማ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ መንጐ ህዝቢ ይኸውን። እዚ ድማ ሓደገኛን መላእ እቲ ዞባ ናብ ዓቢይ ቅልውላው ዘእቱን ክኸውን እዩ።”
ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ኦሮሚያ፡ ክልል ህዝብታት ደቡብን ካልኦት ከባቢታትን ዘለው ጐንጺታት ልዑል ቍጽሪ ምፍንቓል ሰባት፡ ዕንወት ትሕተ ቕርጽን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን የብጽሑ ኣለው።
ጸጥታዊ ኵነታት ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ሕጂ’ውን ዘስግእን ዘይተገማትን እዩ ዘሎ። ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ትዋግኦ ዝነበረት ኣልሸባብ፡ ብዞባታት ኣፍዴር፡ ሊበንን ሸበሌን ክልል ሶማል ዝተፈላለዩ መጥቃዕታት ፈጺሙ ኣሎ።
እዞም ዘይምርግጋኣት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክስደዱ ምኽንያት ዝዀኑ እንተዀይኖም ጐረባብቲ ሃገራት ነዚ ስደተኛ ምትእንጋድ ክኸብደን ይኽእል’ዩ።
ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ሕጂ ዝጓሃሃር ዘሎ ኲናት መንግስታት ትግራይን ፈደራልን፡ እታ ሃገር ናብ ካልእ መሰጋገሪ መድረኽ ዘእትዋ ክኸውን’ዩ ዝብል በዓል ሞያ ድሕነትን ገበንን፡ እዚ ንሰሙናት’ኳ እንተቐጺሉ ነቲ ዞባ ክርብሾ ይኽእል እዩ፡ ይብል።
“እዚ መድረኽ ነዛ ሃገር ክብትና ድዩ ክእክባ ዘይፍለጥ ሓድሽ መድረኽ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ብመንጽር እታ ሃገር ዘላትሉ ኵነታት ድማ፡ ካልኦት ተዋጋእቲ ሓይልታት’ውን ክፈጥር ይኽእል” ኢሉ።
ብኽልቲኡ ሸነኽ፡ ደግሲ እዚ ኲናት ክፈጥሮ ዝኽእል ነገር እንታይ’ዩ? ዝብል ግልጺ ዝዀነ ነገር ስለ ዘየለ፡ እንታይ ክፍጠር ከም ዝኽእል ምፍላጥ ከቢድ’ዩ እትብል ራሄል ብወገና፡ ማዕከናት ዜና ብዛዕባ እቲ ኲናት ብግልጺ ሓበሬታ ስለ ዘይህባ ምድንጋር ዝፈጥር’ዩ ትብል።
“ኣብ ልዕሊ ሰብን ቁጠባን ሃገርና ቅልውላው ካብ ዘምጽኡ ብዘይቅድመ ኵነት ኲናት ጠጠው ኣቢሎም እቲ ውሳነ ንህዝቢ እንተዝሓድጕሉ ዝሓሸ’ዩ” ክትብል ተዛሪባ።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሽዱሽተ ሃገራት ክትዋሰን እንከላ ሰለስቲአን - ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ባዕላዊ ጐንጽን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዓሲሉወን ኣሎ።
ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎን ኣብ ውሽጢ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም’ዮም። እንተዀነ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሕጂ ዘለወሉ ኵነታት ኣይፍለጥን ይብሉ ተንተንቲ።
ልዕሊ 120 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጸጥታን ርግኣትን ንኽህሉ ኣብ ዘኽእሉ ንጥፈታት ቀንዲ መሓዛ ሃገራት ምዕራብ ኰይና ጸኒሓ እያ።
እቲ ኲናት፡ እናሰፍሐ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ፡ ንኢትዮጵያ ኵለ-መዳያዊ ሓገዝ ክገብር እየ እትብል ዝነበረት፡ ኣብ ቍጠባውን ፖለቲካውን ጕዳያት ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ጽልዋ ዘለዋ ቱርኪ፡ እቲ ኲናት ዳግም ምውልዑ ከም ዘሕዘና ብምግላጽ፡ ኣብታ ሃገር ሰላምን ርግኣትን ንኽዓስል ድጋፍ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ገሊጻ ኣላ።
ቱርኪ፡ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ጥቕሚ ዝውዓላ ባይራክተር ቲቢ-2 ዝበሃላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ - ድሮን - ንኢትዮጵያ ከም ዝሸጠትላ ይዝረብ፤ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ግን ብወግዒ ብዛዕባ እዚ ዝበሉዎ የለን።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ፡ ኣጽዋራት ኢራንን ቻይናን ከም ዝዓደገት ይዝረብ። ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ‘ዝሑል ኲናት’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣንጻር ሽበራ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ቀንዲ መሓዛ ኣሜሪካ ኰይና ጸኒሓ እያ።
ኣልሸባብ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ሶማልያን ጐረባብቲ ሃገራትን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ፈተነታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልፍንቲ ኢትዮጵያ ከም እትደሊ ተንተንቲ ይገልጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሃገሩ እቲ ሕጂ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዘሕደረላ ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክቝጠቡን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ቦታኦም ክምለሱን ሓቲቱ።
ተንታኒ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን፡ “ኣሜሪካ ኮነ ኤውሮጳ ካብ ርግኣት እቲ ዞባ እየን ዝርብሓ። ብፍላይ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ዝወድቃሉ ግዜ፡ ከም ጅቡትን ሶማልያን ኣይኰነን፤ ልዕሊኡ’ዩ። ቻይና’ውን እንተዀነት ብዙሕ ወፍሪ ስለ ዘለዋ፡ እቲ ርግኣት ትደልዮ እያ። ቱርኪ’ውን ከምኡ። ስለዚ እቲ ቅልውላው ዝድግፍኦ ኣይመስለንን፡” ይብል።
ካልእ ዕድል ንሰላማዊ ዝርርብ
ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ዳግም ምውልዑ ዘተሓሳሰቦም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣሜሪካን እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት ካብ ረጽሚ ክቝጠቡ ይጽውዑ ኣለው።
ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ክቕጽል ሓቲቱ ኣሎ።
እዚ ናይ ሕጂ ኵነታት፡ “ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መንግስታት ክፍጠር ንዝጸንሐ ምትእምማንን ህዝቢ ተስፋ ዝገበረሉ ምዕራፍን ከም ዝጠፍእ’ኳ እንተገበረ፡ ክልቲኦም እቲ ኲናት ደው ኣቢሎም ናብ ልዝብ ዝምለስሉ ዕድሉ ክህሉ ከም ዝኽእል” እቲ ተንታኒ ድሕነት ይዛረብ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ውድቡ ንሰላማዊ ዝርርብ ዘለዎ መርገጺ ተሓቲቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ንሕና ንሰላም ዝከኣለና ክንገብር ኢና” ብምባል ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፈደራል ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ ኢሉ።
ይዅን’ምበር፡ ክልቲኦም ሓይልታት ኣተሓሳስባኦም ሓደ ዓይነት እዩ እትብል ጸሓፊት ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ራሄል ባፌ፡ ሰላም ከም ዝደልዩ ክግለጽ’ኳ እንተጸንሐ፡ ካብ ልቢ ዝነቐለ ከም ዘይኰነ ግን ርኢናዮ ኣለና፡ ትብል።
“ንሕና ድማ እዚ ኣብ ሓቂ ዘይተመርኰሰ ነገር ከስግኣና እዩ ጸኒሑ። እቲ ልዝብ እንተተጀመረ’ውን እቶም ጸገማት ኣይፍትሑን። እቲ ዘካይድዎ ድርድር ጉዳይ ሃገር ዘይኰነ፡ በትን በትን ኢልና ከመይ ገይርና ስልጣንና ነናውሕ ዝብል ስለ ዝዀነ እቲ ውሳነ ንህዝቢ ክገድፍሉ ይግባእ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ቅድም ኢሉ ክልቲኦም ወገናት ናብ ድርድር ክኣትው እንከለው፡ ግልጺ ዘይኰኑ ነገራት ከም ዝነበሩ ድማ ዓብዱራሕማን ይጠቅስ።
“እቲ ዓቢይ ጸገም፡ ኣመራርሓ ህወሓት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመጽአ ስለ ዝዀነ፡ ጐንጺ ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ዝፍትሓሉ ኵነታት ክወድቕ’ዩ ዝርአ። ብልጽግና ድማ ውሽጣዊ ድኽመታት ዘለዎ ሰልፊ’ዩ፡” ኢሉ።