እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ቆቦ ምውጽኡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ከባብታት ኣምሓራ ምቁፅፃሮም ገሊፆም
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ካብ እትርከብ ከተማ ቆቦ ከምዝወፅአ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ትማሊ ቀዳም 21 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ህልቂት ንምትራፍ ብዝብል" እቲ ሰራዊት ካብ ከተማ ቆቦ ከምዝወጸአ ሓቢሩ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም "ብዘካየድዎ ስርሒት ፀረ መጥቃዕቲ" ንከተማ ቆቦ ከምዝተቖፃፀሩ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣመልኪቶም።
ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መግለፂኡ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከተማ ቆቦ ወፃኢ "ብብዙሕ ኣንፈታት" መጥቃዕቲ ይፍጸም ከምዘሎ ብምሕባር፡ "ድሕነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ብዘእቱ መገዲ ኣብታ ከተማ ንዝካየድ ውግእ ዝምቹእ ኩነታት ይፈጥር ኣሎ" ክብል ከሲሱ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ቆቦ ወጺኡ ንምክልኻል ዘኽእሎ ወተሃደራዊ ቦታታት ክሕዝ ከምዝተገደደ ገሊጹ።
ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ኣማስዮም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ “ኣንፃር እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኸፈተ መጥቃዕቲ ብዝወሰድዎ ፀረ-መጥቃዕቲ” ንቆቦ ሓዊሱ ጉጉውዶ፣ ፎኪሳ፣ ዞብል፣ መንደፈራ፣ ሮቢት፣ ሽዊት ማርያምን ተኮሎሽን ዝብሃሉ ቦታታት ከምዝተቖፃፀሩ ወግዓዊ ገይሮም።
ኣብ ልዕሊኦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ክልል ኣማራን ፋኖን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፈቶም እውን ኣብቲ መግለፂኦም ኣዘኻኺሮም።
ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ብሰንኪ እቲ ዳግማይ ዝተወለዐ ግጭት ግልጋሎት መጓዓዝያ ብምቁራፁ ብዙሓት ሰባት ብእግሮም ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይሃድሙ ምህላዎም ተዛሪቦም።
እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብ18 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ምውልዑ ስዒቡ ናብ ዝሓሰመ ደማዊ ግጭት ከይትእተው ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።
ነቲ ኲናት መን ጀመሮ ኣብ ዝብል እቲ ሓደ ወገን ነቲ ኻልእ ዝካሰሱ ኮይኖም፣ ዓለምለኸ ትካላትን መንግስታትን ብወገኖም መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ነቲ ጎንፂ ደው ኣቢሎም ናብ ልዝብ ክኣትዉ ይፅውዑ ኣለው።
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ተበፂሑ ዝነበረ ሰብኣዊ ምቁራፅ ተፃብኦታት ብምጥሓስ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ዝተጀመረ ኩናት ብቕልጡፍ ደው ክብል እውን ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ [24 ጥቅምቲ 2013] ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተላብዐ ደማዊ ኲናት፡ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ክጠፍእ ምኽንያት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ሚልዮናት ዜጋታት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ብምግባር ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስዓበ ይፍለጥ።
ክልቲኦም ተፃባእቲ ሓይልታት ኣብ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራፅ ተፃብኦታት ምስበፅሑ እቲ ኲናት ዋላ እኳ እንተሃድአ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስእነት መግብን ነዳድን፣ ከምኡ እውን ምቁራፅ ከም ቴሌፎን፣ ማይ፣ መብራህቲ፣ ባንኪ ዝበሉ መሰረተ ልምዓት ግን ንህዝቢ ናብ ዝሓሰመ ኩነታት ከምዘእተዎ ትካላት ረድኤት ይሕብሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ነቲ ክልተ ዓመት ክመልእ ክልተ ወርሒ ዝተረፎ ኩናት ሓድሕድ ደው ንምባል ጻዕርታት የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ክልቲኦም ወገናት ንልዝብ ድልዋት ምዃኖምን ናይ ድርድር ኮሚቴ ከምዘቖሙን እኳ እንተገለጹ፡ እቲ ዳግመ ዝተወልዐ ኲናት ግን ነቲ መስርሕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ኣሎ።