ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ጠጠው ክብል ጸዊዑ

ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ደው ክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተፃብኦ ስዒቡ ኣቋሪፁ ዝፀንሐ ኲናት መሊሱ ምውልዑ ከምዘሻቐሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ብቅልጡፍ ተኹሲ ጠጠው ከብሉ ጸዊዑ።

መንግስቲ ፌደራልን ሰራዊት ትግራይን መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተጀመረ ዝገለጹ ኰይኖም፡ ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ ትማሊ ንግሆ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።

“ብጣዕሚ እየ ሰምቢደን ሓዚነን። ኢትዮጵያውያን፣ ተጋሩ፣ ኣምሓሩ፣ ኦሮሞን ዓፋርን ብጣዕሚ ተሳቕዮም’ዮም። ብቅልጡፍ ምቁራፅ ተፃብኦ ክግበርን ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ሰላማዊ ዝርርብ ክቕፅልን እምሕፀን" ኢሉ።

እቲ ዋና ፀሓፊ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ብዘይገደብ ክበፅሕን ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱን ጸዊዑ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ ዝገልጹ ጸብጻባት ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ሓቢሩ።

ሙሳ ፋቂ መሓማት፡ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብሉ ዝጸወዐ ዀይኑ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ናብቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ዘተ ክምለሱ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ፍሉይ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ድማ ጻዕሩ ክቕጽል ሓቲቱ።

ኦባሳንጆ፡ እቲ ዝፍተን ዝነበረ ልዝብ ክምእዝን፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድለ ወኪል እዩ።

መራሕቲ ትግራይ ግን፡ 'ዘይሻራዊ ኣይኮነን' ክብሉ ዝነቐፈዎ ዀይኖም፡ መንጎኛ ዀይኑ ከዛትዮም ከምዘይኽእል ገሊጾም እዮም። ኣብ ክንድኡ ድማ፡ መንግስቲ ኬንያ ከዛትዮም ይመርጹ።

ኣሜሪካ

ኣመሪካ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣቢላ ኣብቲ ዳግም ዝተወለዐ ግጭት ስክፍታኣ ገሊጻ ኣላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ናብ ቀዋሚ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንምብፃሕን ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ጎንፂ ንሓዋሩ ከብቅዕን ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ከሐይሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ስምምዕነት ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ናብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ መንገዲ ከምዝፈጠረ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዝወፀ መግለፂ ኣዘኻኺሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተጀመረ ኲናት፣ ትንኮያ ዝተመልኡ ተረኻትን ናይ ዘላቒ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ዘይምብፃሕን ነቲ ክረአ ዝፀንሐ ምዕባለታት ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዎ ኣመልኪቱ።

ምጅማር ኲናት ነቲ ንኹሉ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ከምዘተኣጓጉሎ ዘመልከተ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ሰላምን ድሕነትን ኢትዮጵያ ክዝረግ፣ ስቅያት ዜጋታት ክሰፍሕ፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸሙን ቁጠባዊ ቅልውላዋት ክስዕቡን ከምዝገብር ኣጠንቂቑ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ልዝብ ጉጅለ ​​ምጥያሹን ንሰላማዊ ዘተ ዘለዎ ድልየት ምግላፁን ከምዝተገንዘበ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኩሎም ወገናት ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን ነዳድን ክቕጽሉ፤ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክዕቀቡን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክመልሱን ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ሕብረት ኣውሮጳ

ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወፃእን ፖሊሲ ፀጥታን ሕብረት ኣውሮፓን ምክትል ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮፓን ጆሴፍ ቦረል ሰላማዊ ዘተ ክካየድ ፀዊዑ።

ትማሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ግጭት ኣብ ልዕሊ ተስፋ ሰላም ፅላሎት ከም ዝፈጠረ ሓቢሩ።

ጆሴፍ ቦረል መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኩነታት ከይገደደ ነቲ ግጭት ደው ከብሉ ፀዊዑ'ሎ። "እዚ እዋን ዘተ ሰላም ዝግበረሉ እዋኑ እዩ" ኢሉ።

ብዛዕባ እቲ ውግእ ዛጊድ እንታይ ንፈልጥ?

ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ብግንባር ደቡብ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ብሰራዊት ፌደራል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ሚልሻን፡ ትማሊ ወጋሕታ [24 ታሕሳስ 2022] ከባቢ ሰዓት 11፡00 (05፡00) ጀሚሩ መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተኸፈቶ መግለጺ ከምዘውጽ ይፍለጥ።

መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፡ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከም ዝጀመርዎ ኣፍሊጡ። 

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ኣብ ገለ ዶባዊ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ተኹሲ ከምዝሰምዑ ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ራያ ቆቦን ኣብ ደቡብ ትግራይ ከባብታት ራያ ኣላማጣን ዝርከቡ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ካብ ትማሊ ንጉሆ ጀሚሩ ብርቱዕ ተኹሲ ይሰምዑ ምህላዎም ሓቢሮም። 

ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ ሰባት፡ ድምጺ ከበድቲ መዳፍዕ ከም ዝሰምዑ እንተዀነ ካብ ኣየናይ ሸነኽ ከምዝተተኮሰ ከም ዘይፈልጡ ሓቢሮም።

ብፍላይ፡ እቲ ድምጺ ውግእ ዝስማዓሉ፡ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝዳወብሉ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዝርከብ፣ ሰሌን ውሃ ዝበሃል ከባቢ ምዃኑ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ወሲኾም ገሊፆም።

ሓደ ነባሪ ከባቢ ቆቦ፡ "ካብ ወጋሕታ ሎሚ (ረቡዕ 18 ነሓሰ 2014) ጀሚሩ ብርቱዕ ተኹሲ ክሰምዕ ጸኒሐ" ክብል ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከምዝነበረ ነበርቲ ተዛሪቦም ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ'ሎ።

"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ብኣውቶቡስ ናብ ግንባር ክኸዱ ርእየዮም" ይብል ሓደ ንሮይተርስ ዝተዛረበ ስሙ ዘይተጸርሐ ነባሪ።

ወዲቓ ዝተት ነፋሪት

እቲ ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝነበረ ኲናት ዳግማይ ምውልዑ ኣብ ዝተነግረሉ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ናብ ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ንምብጻሕ ዝፈተነት ነፋሪት ሃሪሙ ከም ዘውደቐ ገሊጹ።

መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ 'ናብ ትግራይ ኣጽዋር ውግእ እተግዕዝ ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ' ዝብል፡ ሓበሬታ ውጹእ ሕሶት ክብሉ ነጾጎምዎ።

ትማሊ ኣማስዮም፡ ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ኣቢሎም ዘውጽእዎ መግለጺ፡“እዚ ጻዕዳ ሕሶት እዩ። ናብ ትግራይ ዝኣተወት ኮነ ዝተወቐዐት ነፋሪት የላን” ይብል።

ሓላፊ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ አያሌው፡ እታ ነፋሪት ብሱዳን ኣቢላ ናብ ትግራይ ክትሓልፍ ከምዝተሃርመት ምግላጹ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ኢቢሲ ይጠቅስ።

 እንተኾነ ግን፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሬድዋ ሑሴን እታ ተሃሪማ ወዲቓ ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ ማዕርፎነ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ከምዝተሃርመት ዝገልጽ ዝራጸም ሓበሬታ ኣውጺኡ።

ንሱ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንሓድሕና ብምንኻስ ንሃገርና ንምድኻም ዘይስልኪ ትምኒት፡ ትልምን ምንቅስቓስን ብምግባር ናይ ዝፍለጡ ታሪኻዊ ጸላእቲ ሃገርና ንብረት ዝኾነ ነፋሪት፡ ብረት ጽዒኑ ኣብ መቐለ እናራገፈ እንከሎ ተሃሪሙ ምውዳቑን [ሰራዊት] ምክልኻል ገሊጹ" ኢሉ።

እቲ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ፡ "ኣብ ትግራይ ብቐጻሊ ብኣልማሚት ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ መመኽነይታ ይፈጥሩ ኣለዉ" ክብል ዝኸስስ ኰይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተረዲኡ እጃሙ ክፍፅም ይሓትት።

“እቲ ዕላማ፡ ናይ ትግራይ ዓርሰ-ምክልኻል ደጋዊ ውጥን ኣምሲልካ ብምቕራብ ንሃለዋት ዝግበር ቃልሲ ከምዘይዀነ ንምርኣይ እዩ” ይብል።

እቲ ክሳብ ሕዚ ሃዲኡ ዝጸንሐ ተጻብኦታት ከምዝፈረሰን፡ ውግእ ከምዝተጀመረን ክልቲኦም ወገናት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ንሓያለ ኣዋርሕ ጸኒዑ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ናብ ዘተን ሰላምን ከምርሕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን'ዩ፡ ዳግማይ ግጭት ተላዒሉ ዘሎ።