"ኣብ ትግራይ ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ ዝብል ጻዕዳ ሕሶት እዩ"- መራሕቲ ትግራይ

መራሕቲ ትግራይ፡ 'ናብ ትግራይ ኣጽዋር ውግእ እተግዕዝ ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ' ዝብል፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ውጹእ ሕሶት ክብሉ ነጺጎምዎ።

ሎሚ ኣማስዮም፡ ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ኣቢሎም ዘውጸeእዎ መግለጺ፡“እዚ ጻዕዳ ሕሶት እዩ። ናብ ትግራይ ዝኣተወት ኮነ ዝተወቐዐት ነፋሪት የላን” ይብል።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ትዊተሩ፡ ነቲ ካብ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ 'ውጹዕ ሕሶት' ክብል ነጺግዎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኣጽዋር ናብ ሓይልታት ትግራይ ንምብጻሕ ዝፈተነት ነፋሪት ሃሪሙ ከምዝውደቐ ገሊጹ ክብላ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን ነይረን።

ሓላፊ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ አያሌው፡ እታ ነፋሪት ብሱዳን ኣቢላ ናብ ትግራይ ክትሓልፍ ከምዝተሃርመት ኢቢሲ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ይጠቅስ።

"ብሱዳን ኣቢሉ፡ ክሊ ኣየርና ጥሒሱ፡ ብሑመራ፡ ብወገን ሰሜናዊ ክፋል ናብ ትግራይ ዝሓልፍ ዝነበረን፡ ነቲ ናይ ሽበራ ጉጅለ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ኣብ ምብጻሕ ዝነበረ፡ መንነቱ ዘይተፈልጠ ነፋሪት" ትማሊ ሰዓት 4፡00 ናይ ለይቲ ብሓይሊ ኣየር ተሃሪሙ ከምዝወደቐ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

እንተኾነ ግን፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ሬድዋ ሑሴን እታ ተሃሪማ ወዲቓ ዝተባህለት ነፋሪት ኣብ ማዕርፎነ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ከምዝተሃርመት ዝገልጽ ዝራጸም ሓበሬታ ኣውጺኡ።

ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንሓድሕና ብምንኻስ ንሃገርና ንምድኻም ዘይስልኪ ትምኒት፡ ትልምን ምንቅስቓስን ብምግባር ናይ ዝፍለጡ ታሪኻዊ ጸላእቲ ሃገርና ንብረት ዝኾነ ነፋሪት፡ ብረት ጽዒኑ ኣብ መቐለ እናራገፈ እንከሎ ተሃሪሙ ምውዳቑን [ሰራዊት] ምክልኻል ገሊጹ" ኢሉ።

እቲ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ብቐጻሊ ብኣልማሚት ደብዳብ ነፈርቲ ንምክያድ መመኽነይታ ይፈጥሩ ኣለዉ ክብል ዝኸስስ ኰይኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተረዲኡ ተርኡ ክጻወት ኣመልኪቶም።

“እቲ ዓላማ፡ ናይ ትግራይ ዓርሰ-መክልኻል መኸተ፡ ደጋዊ ውጥን ኣምሲልካ ብምቕራብን፡ ንሃለዋት ዝግበር ቃልሲ ከምዘይዀነ ንምርኣይን እዩ” ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ሃዲኡ ዝጸንሐ ተጻብኦታት ከምዝፈረሰን፡ ውግእ ከምዝተጀመረን ክልቲኦም ወገናት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ንሓያለ ኣዋርሕ ጸኒዑ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ናብ ዘተን ሰላምን ከምርሕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን'ዩ፡ ዳግማይ ግጭት ተላዒሉ ዘሎ።

ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ብግንባር ደቡብ ትግራይ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ብሰራዊት ፌደራል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ናይ ወሎ ፋኖን ከባቢ ሰዓት 11፡00 (05፡00) ጀሚሩ መጠነ ሰፊሕ ውግእ ከምዝተኸፈቶ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ፌዴራል ብወገኑ ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ውሃቢ ቃል መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከምዝጀመርዎ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐን፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞት፡ ጥምየትን ምግሃስ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ወገናትን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ነቲ ኲናት ደው ከብሎ ኣይክኣለን።

ኣብቲ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይንገር።