እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ድምፂ ተዂሲ ከምዝሰምዑ ነበርቲ ገሊፆም
ነበርቲ፡ ኣብ ገለ ዶባዊ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ተኹሲ ከምዝሰምዑ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ራያ ቆቦን ኣብ ደቡብ ትግራይ ከባብታት ራያ ኣላማጣ ዝርከቡ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፥ ካብ ሎሚ ንጉሆ ጀሚሩ ብርቱዕ ተኹሲ ይሰምዑ ምህላዎም ገሊፆም።
ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ ሰባት፡ ድምጺ ከበድቲ መዳፍዕ ከም ዝሰምዑ እንተዀነ ካብ ኣየናይ ሸነኽ ከምዝተተኮሰ ከም ዘይፈልጡ ሓቢሮም።
ብፍላይ፡ እቲ ድምጺ ውግእ ዝስማዓሉ፡ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝዳወብሉ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዝርከብ፣ ሰለን ውሃ ዝበሃል ከባቢ ምዃኑ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ወሲኾም ገሊፆም።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ዋጃ ሓዊሱ ኣብ ገለገለ ናብ ከተማ ቆቦ ዝቐረቡ ከባቢታት፡ ዝኾነ ፍሉይ ምንቅስቓስ ሰራዊት ይኹን ተኹሲ ከምዘይሰምዑ ነበርቲ ገሊጾም።
እንተዀነ፡ ሓደ ነባሪ ከባቢ ቆቦ፡ "ካብ ወጋሕታ ሎሚ (ረቡዕ 18 ነሓሰ 2014) ጀሚሩ ብርቱዕ ተኹሲ ክሰምዕ ጸኒሐ" ክብል ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ካብዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከምዝነበረ ነበርቲ ተዛሪቦም ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ'ሎ።
"ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ብኣውቶቡስ ናብ ግንባር ክኸዱ ርእየዮም" ይብል ሓደ ንሮይተርስ ዝተዛረበ ስሙ ዘይተጸርሐ (ዘይተጠቕሰ) ነባሪ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ሎሚ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 11 ሰራዊት መንግስቲ ምስ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ብምዃን "ኣብ ልዕሌና ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቱ" ክብሉ ብቴሌቪዥን ትግራይ ከሲሶም ኣለዉ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ሎሚ ንግሆ ኣብ ትዊተር ገፁ "ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ትንኮያታት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሚሊሻ ኣምሓራን ወሎ ፋኖን ከምኡ እውን 6ይ ኮማንድ [ምክልኻል] መጥቃዕቲ ፈፂሞም" ኢሉ።
መንግስቲኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ግንባር ደቡባዊ ትግራይ ውግእ ዝኸፈቱ ባዕልቶም ሓይልታት ትግራይ እዮም ክብል ምላሽ ሂቡ ኣሎ።
ኣበይ ከባቢ እዩ?
ሓይልታት ትግራይ: መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዝበሉሉ ከባቢታት ኣብ ዶብ ክልቲኦም ክልላት ዝርከቡ ጮቢ በር፣ ጃኖራን ጉባጋላን እዮም።
እዞም ሰለስተ ቦታታት ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ራያ ኣላማጣን ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ራያ ቆቦን ይርከቡ። ጮቢ በር ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ራያ ቆቦ፡ ካብ ሰሜን ናብ ማእኸል ሃገር ኣብ ዝወስድ መንገዲ A2 ትርከብ።
ጃኖራ እውን ኣብ ወረዳ ራያ ቆቦ ካብ ጮቢ በር ንምዕራብ እትርከብ ቁሸት እያ።
ጉባጋላ ብኣንፃሩ ኣብ ትግራይ ራያ ኣላማጣ ካብ ጮቢ በር ብምብራቕ ትርከብ ቁሸት እያ።
እዘን ሰለስተ ቁሸታት ብክልል ትግራይ ምስ ኣላማጣን ብክልል ኣምሓራ ድማ ምስ ቆቦ ዝዳወባ እየን።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ነቲ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሐ ኲናት ብልዝብ ከብቅዕ ተገዳስነት ከምዘለዎምን ነዚ ድማ ምድላዋት ከምዝገብሩን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
እንተኾነ ግን እቲ ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ንኲናት ይዳሎ ኣሎ ክብል ክኸሶ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ እዚ ሓይልታት ትግራይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት መንግስቲ ብኸቢድ ኣጽዋር መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብምባል፡ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝተጠሓሰ ኣመልኪቱ ነይሩ።
እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሓሶት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ህወሓት ካብቲ ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ዘተ ሰላም ንምውፃእ መመኽነይታ የቕርብ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ኣማራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ሓድሕድ፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ጉድኣት ከምዘውረደ ይፍለጥ።
ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓሓሊፉ ካብ ዘጋጠመ ጎንፂ ወፃኢ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዓብዪ ውግእ ኣይተራእየን።
ነዚ ስዒቡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ክልቲኦም ሓይልታት ብሰላማዊ ዘተ ነቲ ኲናት ንምህዳእ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ሰላም ንምምፃእ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራቲ ትግራይን ህፁፅ ልዝብ ክካየድ ጻዕርታት ክገብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪካ ዝወከሎ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ንኣዋርሕ ናብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን እናተመላለሰ ጻዕሪ ክገብር ቀንዩ እዩ።
መንግስቲ 7 ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚቴ ኣጣይሹ እቲ ድርድር ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ከም ዝደሊ ክገልጽ እንከሎ መራሕቲ ትግራይ ድማ እቶም ተደራደርቲ መሪጹ እቲ ዝርርብ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ኬንያ ክካየድ ከም ዝደሊ ሓቢሩ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልዝብ ተገዳስነት ከምዘለዎም'ኳ እንተገለጹ፡ ክሳብ ሕዚ ግን ዝርርብ ንምጅማር ጭቡጥ ስጉምቲ ኣይተርኣየን።