ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ፡ ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ኲናት እንታይ ኢሉ?

ጀነራል ባጫ ደበሌ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎን'ዩ።

ኲናት ትግራይ፡ ጥቅምቲ 28 ምስ ተወልዐ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ብምውካል ብዛዕባ'ቲ ኲናት ሓበሬታ ዝህብ ዝነበረ ሓደ ካብ ቀንዲ ገጻት ምንባሩ ይዝከር።

ንሱ፡ ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ውግእን ተኽእሎታት ሰላምን ብዝምልከት ምስ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ቃለመሐትት ኣካይዱ ነይሩ።

'ብሕቡእ ልዝብ ተኻይዱ ድዩ?'

መራሒ ትግራይ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዓለምን፡ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ምስ ተወከልቲ መንግስቲ ብምስጢር ተላዚብና ኢሉ ነይሩ።

ቢቢሲ፡ “እዚ ሓቂ ድዩ? ከምኡ እንተዀይኑ ኣበይ’ዩ ተኻይዱ? በዓል መን ተራኺቦም?” ዝብል ሕቶ ንኣምባሰደር ባጫ ኣቕሪብሉ።

ኣምባሳደር ባጫ፡ “እዚ ብምስጢር ተራኺቦም ዝበሃል ነገር ኣይፈልጥን። ህወሓት ዝዛረቦ ነገር ብሒሳብ እዩ። ሓደን ሓደን ክልተ እዩ ይብል። እንተደልዩ ድማ ሓደ ሽሕ እዩ ይብል። ስለዚ ህወሓት ንፖለቲካዊ ረብሓኡ ክብል ዝደለዮ ነገር እዩ ዝብል። ብምስጢር ዝተራኸበሉ ኵነታት’ውን ኣይፈልጥን፤ እቲ ካልኣይ ድማ ቦታኡ’ውን ኣይፈልጥን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብቲ ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ እቶም ላዕለዎት ተዛተይቲ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ጅቡትን ሲሸልስን ከምዘተራኸቡ እዩ ዝገልጽ።

ጀነራል ባጫ ግን፡ “ብምስጢር ዝራኸብሉ ዝዀነ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ ብግልጺ ድርድር የድሊ እዩ ተባሂሉ ኮሚቴ ቈይሙ እንከሎ፡ ብሕቡእ ዝካየደሉ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን፡” ይብል።

ኲናት መን ጀመረ?

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘እዚ ዳግማይ ዝተወልዐ ኵናት ሓይልታት ትግራይ’ዮም ጀሚረምዎ’ ኢሉ ይኸስስ። እንታይ መረዳእታ ኣለኩም? ንዝብል ሕቶ እንክምልስ ድማ፡

“ህወሓት፡ ንቆቦ ሒዘ ኢሉ ክእውጅ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኵናት ከም ዘይጀመሮ ምፍላጥ ይከኣል። ‘ኣብ ልዕለይ ኵናት ተኸፊቱ’ ዝብል ሓይሊ በየናይ ጻት እዩ ንሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንዋጃ ኣብ ቅድሚኡ ገይሩ ንዝከላኸል ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ካብ ቆቦ ንጸጋም ከኣ ንእምባ ዞብል መሰረት ገይሩ ዝከላኸል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓደ ግዜ ደርሚሱ ንቆቦ ዝሕዘሉ ተኣምራዊ ሓይሊ ዝህልዎ” ክብል ይሓትት።

ጀነራል ባጫ ወሲኹ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ መጥቃዕቲ እንተ ዝጅምር ነይሩ፡ ህወሓት ንቆቦ ክሕዝ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ፡ ክልተ ሰብ ሰለስተ ሰብ ኣይኰነን ዝልእኽ። ብመሰረት ሕጊ ውግእ፡ ንሓደ ጸላኢ ክተጥቅዕ ከለኻ ልዕልና ሓይሊ ክህልወካ ይግባእ። ንሕና ክነጥቅዕ እንተንደሊ ነይርና እኮ፡ በቲ ከባቢ ልዕልና ሓይሊ ፈጢርና ኢና ንኣቱ፡” ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፡ ኣብ ከተማ ውግእ ንዘይምክያድ ሰራዊቱ ካብ ቆቦ ከምዝሰሐበ እዩ ዝገልጽ።

በቲ ከባቢ ሓይልታት ትግራይ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣርሚ ከምዘሰለፉ ዝግምት ጀነራል ባጫ፡ "ልዕለና ጸብለልታ ሓይሊ ነይርዎም” ኢሉ።

ኣምባሳደር ባጫ፡ “ንሕና ኣየጥቃዕናን። ንሕና እንተነጥቅዕ ነይርና፡ ከምቲ ካብ ደብረሲና ዘውጻእናዮም፡ ኣብዚ’ውን ከምኡ ኢና ክንገብር ነይርና። ስለዚ ወያነ ባዕሉ ኣጥቂዑ፡ ባዕሉ ተጠቒዐ ኢሉ።”

ምኽንያቱ እንከረድእ፡ በረኽቲ ዝዀኑ መሬታት ኣብ ፊት ንፊት ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ጉድኣት ከቢድ ስለ ዝኸውን ኣይንመርጾን' ዝብል እዩ።

ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ቀዲሞም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብወገን ደቡብ ትግራይ፡ ካብ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ምኽሳሶም ዝዝከር እዩ።

ዘተ ሰላምን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ብዝምልከት

ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ንዘተ ሰላም ቅሩባት ምዃኖም ከርእዩ'ኳ እንተፈተኑ፡ ኣብቲ ተዛማዲ ህድኣት ዓሲልዎ ዝነበረ፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ዝተገብረ ጻዕሪ ውጽኢት ከየፍረየ ዝተረፈ ይመስል።

ጀነራል ባጫ፡ ንህወሓት እዩ ዝኸስስ።

ንሱ፡ “ኵሉ ግዜ ናብ ልዝብ ምስ ዝእቶ፡ [ህወሓት] ዘዐንቅፍ ቅድመ ኵነት የምጽእ” ብምባል እቲ ልዝብ ብሰንኪ መራሕቲ ትግራይ ከምዝተዓናቐፈን ዕጥቂ ክፈትሑ ከምዘይደልዩን ከሲሱ።

'ኣብ ትግራይ ዝተቋረጹ መንግስታዊ ኣገልግሎት ቀዲሞም ናብ ንቡር ይመለሱ' ዝብል፡ ካብ መራሕቲ ትግራይ ዝቐርብ ጠለብ ነይሩ።

መንግስቲ ግን፡ ቅድሚ ከምኡ ምግባሩ ልዝብ ክቕድም ይደሊ።

እቲ ኣምባሳደር እዚ ብዝምልከት ተሓቲቱ፡ ንትግራይ ማይን ኤሌትሪክን ምእታው ሓላፍነት መንግስቲ ምዃኑ ብምእማን፡ “ከምዚ ዓይነት ኵናት ኣዊጅካ ግን፡ ኣየናይ ኣገልግሎት ባንክ ኢኻ ትኸፍት? ሰራሕተኛታት ቴሌኮም ዲኻ ናብኡ ክትልእኽ? ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህትን ማይን ክትልእኽ ?" ክብል ስግኣት ድሕነት ከምዘሎ ሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ሰራሕተኛታት ፌዴራል ተቐቲሎም'ዮም ክብል ድማ ይኸስስ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ መቐለ ገይሹ ዝነበረ ጕጅለ ልኡኻት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣቢሉ፡ “ነቶም ዝተቛረጹ ኣገልግሎት ንምምምላስ ዝለኣኹ ሰራሕተኛታት ውሕስነትን ድሕነትን ዝህብ” ደብዳበ፡ ልኢኹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ጕጅለ፡ ናይ መቐለ ጻንሒቱ ዛዚሙ ኣብ ዝተመልሰሉ፡ ኣብ ዘውጸኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቶም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብህጹጽ ናብ ንቡር ክምለሱ ዝብል ዝርከቦ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብመንግስቲ ብጽቡቕ ኣይተራእየን።

ርክብ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ

እቲ ጀነራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ በየነ ርእሶም ኣብ ናይሮቢ ከምዝተዘራረበ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ድማ ሓይልታት ትግራይ፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ሓበራዊ መጥቃዕቲ ከፊቶም" ዝብል ክሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ፣ እዚ ብዝምልከት ሕቶ ኣምባሳደር ባጫ፣ “ኣነ ንኤርትራ ዘሳተፈ መጥቃዕቲ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ኤርትራ ንርእሱ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎ። [እንተኾነ] መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ፈጺምዎ ብዛዕባ ዝበሃል ምትሕብባር ንምርኣይ ኣይኰንኩን ምስቲ ኣምባሳደር ተራኺበ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

“ኣምባሳደር ኤርትራ በየነ ርእሶም፡ ኣብዛ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ዲን ኣምባሳደራት ኣፍሪቃ እዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ኸኣ ፈላማይ ‘ከርተሲ ኮል’ (ምልላይ) ምስኡ’ዩ ዝግበር፡" ብምባል፡ ምስ ካልኦት ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪቃ ብተመሳሳሊ ክራኸብ ምዃኑ ይሕብር።

ስለዚ እዚ ኣጋጣሚ ስለዝዀነ ናብኡ እንተ ዘይትርጐም፡ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ። 

'ሽመትካ ዲሞሽን [ምትሓት] እዩ ዝብሉ ኣለዉ'

“ንኢትዮጵያ ምግልጋል ዲሞሽን ኣይኰነን” ዝብል ኣምባሳደር ባጫ፡ ከም ሓደ ወተሃደር ኰይኑ ከገልግል ከምዝኽእል'ውን ይዛረብ።

“ሕጂ’ውን ኢትዮጵያ ኣብ ጭንቀት እያ ዘላ። ንሕና ንሰርሐሉ፡ ናትና ምቾት ደሊና፡ ኣብዚ ክንሰርሕ ኣለና ኢልና ንመርጸሉ ግዜ ኣይኰነን። ሕጂ’ውን ኣብዚ ኣቲኻ ኣገልግል እንተተባሂለ፡ ኣይኰነን’ዶ ኣምባሳደር፡ ተራ ዋርድያ ኰይነ ንኢትዮጵያ ከገልግል’የ፡" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ወሲኹ ድማ፡ “. . . ኣነ እንከለኹ’ዮም መናእሰይ ዝውድኡ ዘለዉ። ስለዚ ሃገርና ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንከላ፡ 'ኣብዚ ኣይሰርሕን፣ ትሕቲ ናተይ ብቕዓት’ዩ፣ ኣነ ከምዚ ዓይነት ሰብ’የ እሞ፡ ኣብዚ ኣይሰርሕን' ዝበሃለሉ እዋን ኣይኰነን” ኢሉ።

“ስለዚ ኣነ ኣብ ዝተመደብኩሉ ቦታ ሕጕስ እየ። ብጣዕሚ ዝገርም፡ ኣብዚ ዓዲ ዓቢይ ስራሕ’ዩ ዘሎ። ሕጂ ንዓኹም እዚ እዚ’ዩ ኢለ ኣይነግረኩምን። እንተዀነ፡ ኣነ ካብቲ ኣብኡ ዝተሰለፈ ሰራዊት ብዘይነኣኣስ ዝሰርሐሉ ዓቢይ ግንባር’ዩ። ስለዚ ብሓጐስ ክሰርሕ’የ፡ ንሃገረይ ከገልግል’የ።”

ቅድም ክብል፡ ኣብቲ ኲናት ብዝነበሮ ተራን ዘስመዖም መደረታትን፡ ስሙ ብሕማቕን ጽቡቕን ዝለዓል እቲ ጀነራል፡ እዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ጎንጺ ብዝምልከት ዝፈጠረሉ ስምዒት ተሓቲቱ ድማ፡ “ኣብ ግንባር ብዘይ ምንባረይ ሓዚነ” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብኣሸሓት ዝቝጸሩ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጐደናታት መቐለ ምስ ተርአዩ፡ "ካብ ናይ ሃይለ ገብረስላሴ ናይ 'ዓቢ ጉያ' ኣሳእል ፎቶ ሾፕ ዝተገብሩ እዮም' ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ባጫ ደበሌ መን እዩ?

ህይወት ታሪኹ ከምዝሕብሮ፡ ንሱ ኣባል ሰራዊት ደርግ ዝነበረ ዀይኑ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተመሪኹ ንዝተወሰነ እዋን ምስ ጸንሐ፡ ምስ ህወሓት ብዝተገብረ ምይይጥ ካብቶም ናብ ትግራይ/ኢትዮጵያ ክመጽኡ ዝተገብሩ ምሩኻት ሓደ እዩ።

ኣብቲ ቃልሲ ክቕጽል ከም ዝወሰነ ዝገልጹ ገለ ተጋደልቲ ህወሓት፡ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ፈለማ ኣባል ክፍሊ ኪነት ኢህዴን [ ደሓር ብኣዴን] ኰይኑ ምስርሑ ይዝክሩ።

ባጫ ደበሌ፡ ኢህወዴግ/ህወሓት ኣንጻር ደርግ ኣብ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ ተሰሊፉ፤ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ድማ፡ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዀይኑ፡ ኣባል ኣመራርሓ ምብራቕ እዚ ብምዃን ክሳብ መዓርግ ሌተናል ጀነራል፡ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጠርዚ ሓላፍነት ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብጥሮታ ተሰናቢቱ፣ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ካብቶም ብመንግስቲ ጻውዒት ዝተገበረሎም ነባራት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓደ እዩ።

ኣብ እዋን ምጅማር'ቲ ኲናት፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ኢሉ ዘስመዖ ‘መስካሕክሒ ገበናት’ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።