እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እንታይ ኢሉ?
ሓይልታት ትግራይ፡ ብሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣርባዕተ ግንባራት ተኸፊቱ ንዝበልዎ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ሓቢሩ።
እንተኾነ ግን ኣብ "ዝተወሰኑ ከባቢታት ምድፍፋእ ከጋጥም ይኽእል እዩ” ብምባል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተወሰነ ቦታታት ከምዘንሳሓቡ፡ እቲ ዋና ኣዛዚ እቶም ሓይልታት ገሊጹ።
ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ “ኣብ ሽራሮ ኣሎ። ካብ ሽራሮ ክሳብ ኣደመይቲ ኣብ ዘሎ ቦታታት ተቖጻጺሩ ኣሎ" ክብል'ውን ከሲሱ። ከተማ ሽራሮ: ካብ ዶብ ኤርትራ፡ ኣስታት 50 ኪሎሜተር ርሒቓ እያ እትርከብ።
ቢቢሲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ንሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኢመይል ጺሒፍና ዛጊድ ምላሽ ኣይረኸብናን።
ቅድም ኢሎም ግን፡ 'ህወሓት መጥቃዕቲ ክፍጽመልና ይዳሎ ኣሎ' ዝብል ክሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይስማዕ ነይሩ እዩ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝነበረ ምቁራጽ ተጻብኦ ፈሪሱ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ሰለስተ ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለዉ፡፡
ነቲ ኲናት ዳግም መን ጀሚርዎ ዝብል፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ነንሕድሕዶም ዝካሰሱ ዀይኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ውዕል ሰላም ከምዘፍረስዎ እዩ ዝኸስስ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ግእዝን ቅዱስ ዮሃንስን፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ተኹሲ ደው ንምባል፣ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ሰላም፡ ንምስታፍ ድሉዋት ከምዝኾኑ ብምሕባር ተላዘብቲ ወኪላቶም ዕላዊ ገይሮም፡፡
እቲ ስጉምቲ፡ ብኣመሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ናእዳ ዝረኸበ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን፡፡
እንተኾነ ግን ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክዳነዩ ከምዝደልዩ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ሰላም ከምዝመዘዘ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።
ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ትማሊ ሰሉስ 03 መስከረም 2015 ዓ.ም. (ግእዝ) ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ብደቡብ ገጽ ዝኸፈትዎ ጸረ መጥቃዕቲ ከምዘይቀጸልሉ ተዛሪቡ።
ናይቲ ዋና ኣዛዚ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ብብዙሓት ኣንፈታት ተጋዲዱ ቀጺሉ ከምዘሎ የመልክት።
“ክነትርፎ ዘይንኽእል ኩነታት እዩ ተፈጢሩ” ዝበለ እቲ ጀነራል፡ ነቲ ኩነታት ክከታተሉ ከምዝጸንሑን ተዳልዮም ከምዝነበሩን ይገልጽ።
እቲ ኣዛዚ፡ ብደቡብ ወልድያ ግንባር፣ ብኣበርገለ፡ ብዓዲ ኣርቃይን ከምኡ'ውን ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምዃን ብባድመ/ኣድያቦ ገጽ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ “ምናልባሽ እውን ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ዝፈተንዎ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸበደ እዩ ነይሩ” ብምባል ነቲ መጥቃዕቲ ይገልጽ።
ገዚፍ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብደደቢት፡ ምስቲ ብኣድያቦ ገጽ ዝመጸ ሓይሊ ምርኻብ ዝብል ሓሳብ ከምዝነበረ ዘረድእ ጀነራል ታደሰ፡ ክልቲኡ ሓይሊ ከይራኸብ ከምዝገበሩ ይገልጽ።
ኣብ ልዕሊ'ቲ ከጥቅዖም ዝመጸ ሓይሊ ሓያል ጉድኣት ከምዘውረዱ'ውን እቲ ኣዛዚ ተዛሪቡ።
ሰብመዚ መንግስቲ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ከቢድ ክሳራታት ከምዘውረዱ'ዮም ዝገልጹ።
ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ኩሎም ወገናት'ውን ብዛዕባ ዝወረዶም ክሳራታት ብንጹር ኣይገልጹን'ዮም።
ጸኒሑ ካብ ወተሃደራዊ እዚ ሓይልታት ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ዝተፈላላኡ ግንባራት ብዙሓት ክፍላተ-ሰራዊት ከምዝተሳተፉ ጠቒሱ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ካብ መንግስታት ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ዛጊድ ብዛዕባ እዚ ዝተብሃለ የለን።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ብኣመሪካ ንዝቐረበ "ኤርትራ ንግጭት ኢትዮጵያ ተጓሃህሮ'ላ" ዝብል ክሲ ነጺጉ።
ብወገን ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ዝምልከት ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
መጥቃዕቲ ድሮን
እዚ ከምዚ ኢሎ ከሎ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ረቡዕ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ገሊጾም ኣለዉ።
ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑድ 10 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ክልተ መጥቃዕቲታት ድሮን ከምዝተፈጸሙ ዝሓበረ እቲ ሜዲካል ዳይረክተር፡ ዛጊድ 10 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ 10 ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ንሱ ከምዝብሎ እቲ መጥቃዕቲ ንጉሆ ሰዓት 01፡30 (7፡30ቅቀ) ኣቢሉ ዳግም ኣምሳል ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ እዩ ተፈጺሙ።
ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ብሰሉስ 13 መስከረም 2022 ኣብ ክልተ ከባብታት ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝምልከት ዝተወሃበ መግለፂ የለን።