ሰብ መዚ ትግራይ ኣብ ሆስፒታል መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ገሊጾም

ሓይልታት ትግራይ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ትማሊ ለይቲ ኣብ ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺሙ ክብሉ ከሲሶም።

መንግስቲ፡ ነዚ ክሲ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ቅድም ኢሉ ግን ሰባት ‘ወተሃደራዊ ዒላማታት’ ካብ ዝበሎም ዘይተነጸሩ ከባቢታት ክርሕቑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ፕሮፌሰር ክንድያ ገብረሂወት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ "ጥቓ ሆስፒታል መቐለ" ከምእተፈጸመን "ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበጽሐን" ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ካልእ ቦምባ፡ "ዝኾነ ወተሃደራዊ ዕላማ" ኣብ ዘይብሉ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ኣዕቝቦምሉ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሓሚዳይ ከም ዝሃረመ ሓቢሩ።

ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መቐለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ህጻናት ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም'ዮም።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይን ኣፈኛ ህወሓትን ጌታቸው ረዳ፡ ትማሊ ለይቲ፡ ኣብታ ከተማ ብውሑዱ ሰለስተ ቦምባታት ከም ዝተደርበየን በቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሓደ ሆስፒታል ከም ዝተሃርመን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ሓደ ነባሪ ከተማ መቐለ’ውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ኣየር ተፈጺሙ’ዩ እኳ እንተበለ፡ ዒላማ እቶም መጥቃዕታት ግን እንታይ ምንባሮም ከም ዘይፈልጥ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ሕጂ’ውን ምሉእ ምቁራጽ ኣገልግሎት ተሌፎን ስለ ዘሎ፡ ብዛዕባ እቶም ዘለው ምዕባለታት ዝርዝር ሓበሬታ ክርከብ ኣይክእልን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣቋሪጹ ዝነበረ ወተሃደራዊ ረጽሚ ሓይልታት ፌደራልን ትግራይን ዳግም ከም ዝተባርዐ ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ሓድሽ ውግእ ድሮ ኣብ ከባቢታት ዶባት ኣምሓራን ዓፋርን ዝነብሩ ኣሽሓት ሰባት ክመዛበሉ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ ይብል።