እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መቐለ ካብቶም ብደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ 4 ሰባት እቶም ክልተ ህጻናት ከምዝኾኑ ተገሊጹ
ትማሊ ዓርቢ ኣብ ፍረቂ መዓልቲ ኣብ መቐለ ከባቢ እንዳ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ኣብ ሓደ መውዓሊ ህጻናት ደብዳብ ነፋሪት ከምዝተኻየደ ዝገለጸ ሓላፊ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶ/ር ክብሮም ገብረስላሴ፡ ድሕሪ እቲ ክስተት ናይ ሕክምና መካይን ግዳያት እቲ ሓደጋ ሒዘን ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጽኣ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ብሓፈሻ 13 ዝተሃረሙ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ዝገለጸ ዶ/ር ክብሮም ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ሞይቶም ከምዝኣተዉ ተዛሪቡ።
ካብቶም ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምብጽሖም ሞይቶም ዝተረኸቡ ኣርባዕተ ሰባት እቶም ክልተ ህጻናት ከምዝኾኑ ብምግላጽ እቶም ዝተረፉ ትሽዓተ ጉድኣት ድማ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሩ።
ጉድኣት ናይቶም ሕክምናዊ ናብዮት ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት “ንሕማቕ ዝህብ ኣይኮነን” ዝበለ ዶ/ር ክብሮም፡ ገሊኦም ርእሶም ዝተወቕዑ ኣለዉ፣ መስበርቲ ዘጓነፎም’ውን ኣለዉ ኢሉ።
ካብቶም ዝተሃረሙን ዝሞቱን ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከባ ኣዴታት ከምዝርከብኦምን ካብቶም ግዳያት እተን 6 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና’ውን እቲ ሓላፊ ጠቒሱ።
ወሃቢ ቃል ህወሓትን ኣባል ማእከላዊ ኮማንድ ትግራይ ዝዀነ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ትዊተሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓደ 'መዋእለ ህጻናት' መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደን ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጎድኡን ኣስፊሩ።
"[መንግስቲ ኢትዮጵያ] እቲ ብዕጽዋን ክባን ኣጥሚዩ ዝቐትሎ ዝነበረ ህዝብና፡ ሕዚ ድማ፡ ቦምባ ወሲኽሉ" ክብል ከሲሱ።
ክልላዊት ተለቪዥን ትግራይ፡ ስእሊ ዝዓነወ ህንጻታት ኣሰንያ ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና፡ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ’ውን ምስልታት ኣደጊፋ ኣፍሊጣ።
እዚ ዜና ደብዳብ ምዝርግሑ ስዒቡ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ገለ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ዝርከብሎም ማእከላት ዒላመ ገይሩ ከምዘጥቅዕ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ካብ ከምዚ ዓይነት ከባብታት ክርሕቕን ንነፍሱ ከድሕንን ኣተሓሳሲቡ።
"ኣብ ትግራይ ዝነብር ህዝብና ካብ ወተሃደራዊ ዒላማታትን፡ መሰልጠኒ ማእከላትን ህወሓት ብምርሕቕ ንነፍሱ ከድሕን ጻውዒት ንገብር" ክብል ኣመልኪቱ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ንጹሃት ሰባትን ህጻውንትን ዒላማ ምዃኖም ብዝምልከት ዝቐረበ ክሲ ኣመልኪቱ ግን ዛጊት ዝበሎ የለን።
ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብረቡዕ፡ ብግንባር ደቡብ ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ፡ ብሰራዊት ፌደራል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ናይ ወሎ ፋኖን መጠነ ሰፊሕ ኵናት ከምዝተኸፈቶ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እቲመጠነ ሰፊሕ ዝበሎ መጥቃዕቲ ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2022 ከባቢ ሰዓት 11፡00 (05፡00) ወጋሕታ ከምዝጀመረ ኣብቲ ዝዘርግሖ መግለጹ ጠቒሱ።
መንግስቲፌዴራል ብወገኑ ብመገዲ ቤት ጸሕፈት ውሃቢ ቃል መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ ነቲ ኵናት ከም ዝጀመርዎ ገሊጹ።
መግለጺ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት፡ እቶም ሰራዊት ናብ ድፋዓት ክጽግዑ ከምዝቐነዩ ብምግላጽ፡ ብኣንፈታት ጩቤ በር፣ ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያሎውን ናብ ኣላማጣ፣ ባላን ቢሶበርን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ’ዩ ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈዴራልን ክልል ትግራይን ኣብ ወርሒ መጋቢት ሰብኣዊ ረድኤታት ንኽሓልፍ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝብጻሕ ብተዛማዲ ምልውዋጥ ተጻብኦታት ደው ኢሉ’ዩ ጸኒሑ።
ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት፡ ጀሚሮም ግን ብኽልቲኦም ወገናት ምስ ኵናት ዝተሓሐዝ ምክሳሳት ክስማዕ ምጽንሑ ይዝከር።