መራሒ ትግራይ፡ ኲናት ደው ንምባል ባይቶ ፀጥታ 'ብሓይሊ ጣልቃ ክኣቱ' ሓቲቱ

መራሒ ትግራይ፡ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፡ እቲ ተኸፊቱና ዝበሎ 'ሓድሽ ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ደው ንምባል ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት "ጣልቃ ክኣቱ" ሓቲቱ።

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብቲ ናብ ጊዝያዊ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወሃሃደን ሰፊሕን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከምዝኸፈቱ ከሲሱ።

ደብረጽዮን ኣብ ደብዳቤኡ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብሓይሊ ጣልቃ ኣትዩ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እንተዘይስሒቡን እቲ መጥቃዕቲ ደው እንተዘይኣቢልዎን፡ "ህዝቢ ትግራይ በዞም ክልተ ጨካናት ሰራዊታት ክበርስ'ዩ" ክብል ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ።

ብህጹጽ፡ ኣብቲ ክልል መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን፡ ገደብ-ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ክልል ክውሕዝን'ውን ሓቲቱ።

ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ክፅሕፍ እዚ ፈለማዩ ኣይኮነን።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓድሽ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ንምጅማር፡ ይዳለዉ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ።

እቶም ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ተጻብኦ ደው ምባል ኣካይዶም፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድኣት ዓሲሉ ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ ሕዚ ዳግማይ ውግእ ተጀሚሩ ዘሎ።

መን'ዩ ነዚ ናይ ሕጂ ውግእ ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ግን ንሕድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ምቕጻል ኲናት

እዚ ኩናት ንሳልሳይ ዙር ምስተጀመረ፡ ብኣንፈት ደቡብ፣ ምዕራብን ሰሜንን ትግራይ ከቢድ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ይግለፅ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ጻኒሒት ድሕሪ ምዝዛሙ መራሕቲ ትግራይ ነቲ ደብዳበ ጽሒፎም ዘለዉ ።

ሓደ ሓላፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከመዝበሎ፡ ማይክ ሃመር ትማሊ ምስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትርን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነንን ተዘራሪቡ ነይሩ።

ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ መራሒ ትግራይ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ'ውን እቲ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ሓቢሩ።

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብዚ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ደቡብ ግንባር (ቆቦ)፡ ግንባር ደቡብ ምዕራብ (ሰቖጣ)ን ምዕራባዊ ግንባርን ሰፊሕ ሰራዊት ከምዘዋፈረን፡ ኲናት ይካየድ ከምዘሎን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

"እቲ መስርሕ ሰላም ፈሪሱ ኣሎ" ዝበለ ደብረፅዮን፡ እዚ ዳግማይ ዝተወልዐ ኩናት፡ 'ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ'ቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ንላዕሊ ጨፍጨፍ ከስዕብ እዩ' ክብል ኣጠንቂቑ።

ንሱ፡ እቲ ጎንጺ ብፃዕሪ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ፡ ብክኢላታት ዝድገፍ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ሽማግለ ክሽየም ሓቲቱ።

" ኣብ ወከልቲ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለና መርገፂ ብንፁር ኣፍሊጥና ኢና" ዝበለ እቲ መራሒ ክልል ትግራይ፡ ብሕቡራት ሃገራትን ብሓይልታት ትግራይን ተቐባልነት ዘለዎም ኣባለት ጉጅለ ክስየሙ ጠሊቡ።

ደብረፅዮን፡ ብተወሳኺ ጥቡቕ ክትትል ዝግበረሉ መስርሕ ሰላም፣ ገበነኛታት ተሓተትቲ ዝኾኑሉን ናይ ግዜ ሰሌዳ ክህልዎምን፡ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘለዎ'ውን ሓቢሩ።

እዚ ኲናት ብሰላማዊ ዘተ መዕለቢ ምእንቲ ክረክብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ጻዕሪ ክገብሩ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ንዘተ ድሉዋት ምዃኖምን፡ በብወገኖም ተዛተይቲ ኮሚተ ምቛሞምን ምግላጾም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዳግማይ ምጅማር እዚ ናይ ሕዚ ኲናት ግን፡ ንመስርሕ ዘተ ሰላም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ’ሎ።