ብባርነት ንዝገዝኣ ‘ጎይታኣ’ ኣብ ቤት ፍርዲ ደው ኣቢላ ዝተዓወተት ሰበይቲ

ሃዲዛቱ ማኒ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ትሕቲ ዋሃያ ልምዲ ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሓለቖ ተሸይጣ

ሃዲዛቱ ማኒ-ካሮው፡ ገና ጓል 12 ዓመት ዕሸል እናሃለወት፡ ንናይቲ ከባቢ ባህላዊ ሓለቓ ተሸይጣ፡ "ሓምሸይቲ በዓልቲ ቤት" ክትከውን ዝተገደደት እያ።

እታ ካብ ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና ዝተሓረየት፡ ማኒ፡ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ህይወት እዩ ነይሩ። መሰል ኣይነበረንን፡ ከዕርፍ ኣይከኣልን፡ ኣይምገብን ነይረ፡ ዋላ ናይ ገዛእ ርእሰይ ህይወት ኣይነበረንን" ክትብል ኣብ ደቡባዊ ኒጀር ካብ ዝርከብ ገዝኣ ኮይና ትዛረብ።

‘ዋሃያ’ ኣብ’ቲ ከባቢ ብሰፊሑ ዝተለምደ ዓይነት ባርነት ኮይኑ፡ ሃብታማት ደቂ ተባዕትዮ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንጾታዊ ርክብን ንስራሕ ገዛን ብውሑድ ክሳብ 200 ዶላር ገዚኦም፡ እንተበዝሐ ኣርባዕተ ኣንስቲ ዝፈቅድ እስላማዊ ሕጊ ንምዕጋት፡ ሓምሸይቲ ኣንስቲ ይገብርወን።

ወይዘሮ ማኒ፡ ኣብ 1996 ተሸይጣ ን11 ዓመታት ባርያ ኮይና ኣሕሊፋ።

መከራኣ ግን በዚ ኣይተዛዘመን።

ኣብ 2005 ሓራ ወጺኣ ምስ ዝመረጸቶ ሰብኣይ ምስ ተመርዓወት፡ እቲ ብባርነት ዓዲጉዋ ዝነበረ ሰብኣይ ‘ኣብ ርእሲ ሓዳር ብምድራብ’ ከሲሱዋ፡ ወ/ሮ ማኒ ነፍሰጾር እናሃለወት ተፈሪዳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲራ።

ኣብ መወዳእታ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ፡ እቲ ብይን ተገልበጠ።

እዚ ድሑር ልምዲ፡ ዘይሕጋዊ ንምግባር ቀጻሊ ጻዕርታት እኳ እንተተገብረ፡ እቲ ነገር ኣብ ኒጀር ሱር ዝሰደደ እዩ ነይሩ።

ሕጂ ወይዘሮ ማኒ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ታሆዋ ኒጀር እትርከብ ከተማ ዞንጎ ካጋጊ ናይ ገዛእ ርእሳ ህይወት መስሪታ ትነብር፡ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ መሰለን ተረዲአን ካብ ባርነት ንኽድሕና ድማ ጎስጓስ ትገብር።

ጉዳይ ሚስ ማኒ ኣብ ዓዳ እዚ ሕጊ ንኽቕየር ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ።

ይኹን እምበር፡ ሎሚ’ውን ልዕሊ 130 ሽሕ ሰባት ኣብ ኒጀር ባሮት ኮይኖም ከምዘለዉ መጽናዕቲ ‘ግሎባል ባርነት ኢንዴክስ’ ይሕብር።

ሓዲዛቱ ማኒ ሕጂ ምስ ስድርኣ ኣብ ደቡባዊ ኒጀር ትነብር

‘ተወሳኺት’ ሰበይቲ

"ሓሙሻይ ኣንስቲ" ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ሃብታማት ደቂ ተባዕትዮ ባሮት ይኾና፣ ብተወሳኺ ድማ ብ'ሳዳካ' ዝፍለጥ ተዛማዲ ልምዲ ከም ህያብ ይቐርባ። ክልቲኦም፡ ዋሃያን ሳዳካን፡ ከም ዓይነታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጾታዊ ርክብ ይቑጸሩ።

ብመሰረት ሕጊ እስልምና ባሮት ጎይታአን፡ ኣርባዕተ ክምርዐው ዝፈቕደሎም ኰይኑ፡ እዘን ‘ሓሙሻይ ኣንስቲ’ ካብ ዕዳጋ ብመሸጣ ዝኣትዋ እየን ።

ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ይበጽሐን።

ብተደጋጋሚ መግብን ካልእ መሰረታዊ ድሌታትን ይኽልከላ።

ዕዮገዛ ይሰርሓ፡ ጥሪት ይጓስያ፡ ኣእካል ክዘርኣን ክዓጽዳን ይግደዳ።

እዚ፡ ኣብ ኒጀር ተዓዲጋ ዶብ ሰጊራ ናብ ናይጀርያ ምስ ተወሰደት ልሙድ ናብራ ሃዲዛቱ ማኒ-ካሮው እዩ ይሩ።

እቲ ጽልዋ ዘለዎ ‘ሓለቓ’ ንዓኣን ንኻልኦት ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብሓንሳብ ብምዕዳጉ "ጽቡቕ ዋጋ ዕዳጋ ከምዝረኸበ" ትዛረብ። እቲ ዕድጊት ብዘይ ፍቓድ ንሳ ወይ ወለዳ ዝተገብረ እዩ።

ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ፡ ናብ ኒጀር ተመሊሳ ክተምልጥ ፈቲና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ግን ተታሒዛ ናብ ናይጀርያ ክትምለስን ዝኸበደ መቕጻዕቲ ክገጥማን ርእያ።

"ልክዕ ከምተን ኣጣሉ፡ ስለ ዝገዝኣኒ ከም ድላዩ ክገብረኒ ይኽእል ነይሩ" ትብል።

ተዓሚጻ፡ ካብ ደቂ ብባርነት ዝሓዛ ክትወልድ ተገዲዳ።

 ጓል 24 ዓመት ሓዲዛቱ (ውላዳ ተሰኪማ) ኣብ ኒያመይ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን፡ ኣብ 2008

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጓል 24 ዓመት ሓዲዛቱ (ውላዳ ተሰኪማ) ኣብ ኒያመይ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን

ልምዲ‘ዋሃያ’ ቅድሚ ሓያሎ ዘመናትዝጀመረ ኮይኑ ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ እዩ።

በዓዳዊ ገዛእቲ ፈረንሳውያን፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣጊዶምዎ እኳ እንተነበሩ፡ ብተደጋጋሚ ግን ነቶም ገበነኛታት ካብ ምኽሳስ ሸለል ኢሎምዎም።

ኣብ 1960፡ ብመሰረት ሓድሽ ቅዋም ኒጀር፡ ባርነት ዳግማይ ኣብ ወረቐት ዘይሕጋዊ ዀይኑ - ብተግባር ግን ቀጺሉ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ እታ ሃገር ፡ ኣብ 2003 ዓ.ም. ነዚ ድሑር ልምዲ፡ ብሕጊ ከም ገበን ክቑጸር ኣዊጃ።

ነዚ ውሳነ ስዒቡ፡ ሚስ ማኒ ናይ ናጽነታ ምስክር ወረቐት ተዋሂብዋ፡ ኣብ 2005 ድማ ምስ ክልተ ደቃን ክልተ ብጾታን ናጻ ወጺኣ። ከም ብሓድሽ ከም ነጻ ሰብ ክትነብር ጂመራ ኣላ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስ ናይ ሕጂ በዓል ቤታ ክትምርዖ ምስ ከደት ግን፡ እቲ ናይ ቀደም ‘ጎይታኣ’ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዱ፡ ብኽልተ መርዓ ከሲሱዋ።

ኣብ 2009፡ ስራሕ ሚስ ማኒ ብሽልማት ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ረኺቡ - ኣብዚ፡ ምስ ናይ ሽዑ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሂላሪ ክሊንተንን ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማን።

ምንጪ ስእሊ, TIMIDRIA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2009፡ ስራሕ ሚስ ማኒ ብሽልማት ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ረኺቡ - ኣብዚ፡ ምስ ናይ ሽዑ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሂላሪ ክሊንተንን ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማን።

'ስሉስ ኩርናዕ ሕፍረት’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወይዘሮ ማኒ፡ ብ 'ኽልተ ሓዳር' ገበነኛ ኮይና ተረኺባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪዳ።

እዚ ውሳነ ኣብ 2019 እዩ ተሰሪዙ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኒጀር ኣብ ቤት ፍርዲ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Ecowas) እውን ክሲ ኣቕሪባ፡ እዚ ድማ ፍሉይ ፍርዲ ንኽወሃባ ምኽንያት ኮይኑ።

ዳያኑ፡ ኒጀር ነቲ ባርነት ዘካይድ ሰብኣይ ብዘይ ምፍራዳ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ጸረ-ባርነት ሕግታት ኣፍሪሳ፡ ሕጋዊ ሓላፍነታ ከምዘይተዋጸአት ወሲኖም።

ሚኒ፡ ኣብ 2009፡ 20 ሽሕ ዶላር ተኽሒሳ፡ መንግስቲ ኒጀር ድማ ከፊልዋ።

ወይዘሮ ማኒ፡ ንፍትሒ ኣብ ዝገበረቶ ቃልሲ ብናይ ኒጀር ጸረ-ባርነት ትካል ቲሚድርያ ን፡ ብሪጣንያዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ጸረ-ባርነት ኢንተርናሽናልን ተሓጊዛ።

ፕረዚደንት ማሕበር ቲሚድርያ ዓሊ ቡዞው፡ ኣብተን "ስሉስ ኩርናዕ ሕፍረት" ዝብል ስም ዝሃበን ሰለስተ ከባቢታት፡ ባርነት ክሳብ ሕጂ ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ይዛረብ።

"ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዝርከበን፡ ዋሃዮ ዝካየደለን ምሉእ ዓድታት ኣለዋ" ይብል።

ኣብ ኒጀር፡ ብመሰረት ሕጊ ጸረ ባርነት ገለ ክስታት ይምስረት ኣሎ።

ኣብ መንጎ 2003ን መጀመርታ 2022ን 114 ጥርዓናት ባርነት ከምዝቐረቡን ካብዚኦም 54 ክስታት ከምዝተመስረቱን፡ ሽዱሽተ ፍርዲ ከምዝተውሃቦምን ሚስተር ቡዙ ይዛረብ።

እዚ ሕጋዊ ውግእ ግን ካብ ምዕዋት ዝረሓቐ እዩ።

እቶም ምስ ባርነት ዝተኣሳሰሩ ገበናት፡ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ካብ 10 ክሳብ 30 ዓመት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ክወሃቦም ዝግበኦ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈርዱ ግን ኣዝዩ ዝሓጸረ ኮይኑ፡ ትሕቲ 10 ዓመት እዩ።

ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ሰፊሕ ስጉምትታት ክውሰድ ክኢላታት ይጽውዑ ኣለዉ።

ትካል ሚስተር ቡዞው፡ ባህላውያን ሓለቕቶት - መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ እዚ ተግባራት ዝኾኑ - ስልጣኖም ክምንጠሉ ከምዘለዎም ይመክር።

ብተወሳ ልምዲ 'ዋሃያ' ምስ እስላማዊ ሕጊ ዝሰማማዕ እዩ ዝብል ሰፊሕ ግጉይ ኣረኣእያ ክቕረፍ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ባርነት ዓለማዊ ጸገም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን ዲን ሕጊን ኣቦ መንበር ትራስት ፋንድ ሕቡራት ሃገራትን፡ ፕሮፌሰር ዳንውድ ቺርዋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ባርነት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ይገልጽ።

ብዓለም ደረጃ 50 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ባርነት ዝነብር ከምዘሎን ካብዚኦም 7 ሚልዮን ካብ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑን ብ2022 ብኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደትን ዋክ ፍሪን ዘቕረቦ ጸብጻብ ብምውካስ፡ ይጠቅስ።

"ሃገራት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ግዴታታተን እናፈጸማ፡ ኣብ ውልቃዊ ግዝኣተን ብኹሉ መልክዑ ኣንጻር ባርነት ሕጊ ስለዘየውጽኣ፡ ኲናት ኣንጻር ባርነት ከቢድ ኮይኑ'ሎ" ይብል ፕሮፌሰር ቺርዋ።

 ሎሚ፡ ሃዲዛቱ ማኒ፡ ካብ ሓደ ክሳብ 21 ዓመት ዝዕድሚኦም ሸውዓተ ቆልዑ ዝሓቖፈት፡ ሕጉስ ሓዳር ዘለዋ ኣደ እያ።

 ንሳ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ እንተላይ ንሓፍታ፡ ካብ ባርነት ሃዲመን ነጻን ኣፍራይን ህይወት ክነብራ ሓጊዛ እያ።

 "ብፍላይ እተን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ናጽነተን ብሕጊ ዝተሓለወ ክኸውን እየ ዘምህረን" ትብል።

 "ንዓይ ዘጋጠመኒ ሓንቲ ነገር'ውን ኣይጣዓስን'የ... ብኸንቱ ኣይነበረን፡ ስቅያተይ ንጉዳይ ዋሃያ ንዓለም ኣጉሊሑዋ እዩ"።