በንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል 'ከቢድ ዋጋ ትኸፍል ኣላ’

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ኲናት ቓዛ ንሃገሩ "ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ" የኽፍላ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብቲ ኲናት ልዕሊ ደርዘን ወተሃደራት እስራኤል ከምዝተቐትሉን፡ ጠቕላላ እቲ ኣብ መሬት ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ሞት ኣባላት ሰራዊቱ 154 ከምዝበጽሐን ይገልጽ።

‘ቀዳም ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ሞት ዝበዝሐን መዓልታት እያ ነይራ” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ እንተዀነ ካብ ምቅላስ ወጻኢ ‘ካልእ ኣማራጺ" ከምዘየለ ወሲኹ ኣነጺሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 70 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቃዛ ይካየድ ኣብ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ 54 ሽሕ ድማ ከምዝቘሰሉ እቲ ሚኒስትሪ ይሕብር።

ቀዳማይ ሚስተር ነታንያሁ፡ ብዛዕባ'ቲ ድሒሩ ዘጋጠመ ሞት ሰራዊት እስራኤል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሎሚ ኣዝዩ ሕማቕ ንግሆ'ዩ፡ ኣብ ቓዛ ኣዝዩ ሕሱም ውግእ ኣብ ዝተኻየደሉ ጽባ'ሕ እዩ" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ሰራዊቱ "ክሳብ መወዳእታ ብምሉእ ሓይሉ" ወፍሩ ክቕጽል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሓማስ ንምጥፋእን ኣብ ቓዛ ዝተታሕዙ ጅሆታት ብሰላም ክምለሱን ዝሓንጸጾ ዕላማ ከምዘይቋረፅ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

"ንጹር ንምግባር: እዚ ነዊሕ ኲናት ክኸውን'ዩ" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ወሲኹ ገሊጹ።

መበል 154 ዝሞተ ኣባል ሰራዊት እስራኤል ኣብታ መዓልቲ ዝተነግረ ኰይኑ: ኣዛዚ ታንክታት መጀር ኣርየህ ረይን ይበሃል።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዝሃቦ ፍሉይ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ልዕሊ 8 ሽሕ ዕጡቓት ፍልስጤማውያን ከምዝቐተለ ገሊጹ።

ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ዝጀመረ፡ ብ7 ጥቅምቲ፡ ዕጡቓት ሓማስ ካብ ቓዛ ናብ ደቡባዊ እስራኤል ጥሒሶም ብምእታው፡ 1200 ሰባት ቀቲሎም፡ ኣስታት 240 ጅሆ ድሕሪ ምሓዞም እዩ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝተጋብአ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ቓዛ ተወሳኺ ሓገዝ ክኣቱ ዝጽውዕ እማመ ኣጽዲቑ ኣሎ። እንተዀነ፡ እቲ እማመ ስምምዕ ህጹጽ ተዅሲ ደው ክብል ክጽውዕ ኣይከኣለን።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይበጽሕ “ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ እስራኤል ዕንቅፋት” ከም ዝዀነ ኣመልኪቱ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኵናት እስራኤል-ቓዛ ብኸምዚ እንተቐጺሉ፡ ህዝቢ ቓዛ ንሕሱም ጥምየት ከም ዝቃላዕ ብተደጋጋሚ ከም ዘጠንቀቐ ይፍለጥ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ግብጺ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ሓድሽ ስምምዕ ዝተፈተነ ዝርርብ ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ከምጽእ ኣይከኣለን።

ብዛዕባ ዝርርብ ተዅሲ ደው ምባል ዝፈልጥ ፍልስጤማዊ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ግብጺ ንክልተ ሰሙን ዝጸንሕ 'ሰብኣዊ ስምምዕ' ዝጅምር ሓድሽ ውጥን ዘቕረበት ኰይና፡ ሓማስ 40 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፈትሕ፡ እስራኤል ድማ 120 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ዝብል ይርከቦ። .

ኣብ ካልእ ዜና፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብተሌፎን ተዘራሪቦም ኣለዉ።

ባይደን ብዛዕባ "ህይወት ሲቪላት ምሕላው፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡን ሲቪላት ካብ ዞባታት ኲናት ምውጻእን" ብዝምልከት ከምዝተዛተዩ መግለጺ ዋይት ሃውስ ይሕብር።

ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ኣብ ቓዛ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ይቕጽልን ሰላማውያን ሰባት ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ የጠንቅቕን ኣሎ።

ደብዳብ ዝተፈጸመላ ኑሰይራት እትጐራበት ቡሬይጅ ዝነብሩ፡ “ምእንተ ደሕነቶም ክብሉ ብቐጥታ ለቒቘም ክወጽኡን” ናብታ ንኣንፈት ደቡብ ትርከብ ከተማ ደይር ኣልበላሕ ክኸዱን ተኣዚዞም።

ኣቦ ሽድሽተ ቈልዑ ዶክተር ዚያድ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ናበይ ኢና ክንከይድ? ውሑስ ቦታ የለን” ኢሉ።

እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ክወጹ ኣብ ዝኣዘዘትሉ ከባቢ ኣስታት 150 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከምዝነብሩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።