እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ሰባት ከም ፀላኢት ይርእዩኒ'ለዉ’ - ንፍልስጤማውያን እትሕግዝ ዘላ እስራኤላዊት
ያኤል ኖይ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ኣይትኽደንን፡ እንተዀነ ግን ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሓማስ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ውግእ ከም ዘላ’ያ ትገልፃ።
"ቅንዕቲ ክኸውን ይቃለስ ኣለኹ" ትብል።
"ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ኵነታት ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ቅንዕቲ ክኸውን፡ ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበርክዋ ዓይነት ሰብ ክኸውን ይቃለስ ኣለኹ።"
ያኤል፡ ‘ሮድ ቱ ሪካቨሪ’ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ተመሓድር፤ እቲ ትካል ጉጅለ እስራኤላውያን ወለንተኛታት ዝርከብዎ ኰይኑ፡ እቶም ኣባላት ዝሓመሙ መብዛሕትኦም ህጻናት ዝዃኑ ፍልስጤማውያን - - ካብቲ ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ቃዛን ዝርከቡ መፈተሺ ነቑጣታት ናብ ሆስፒታል እስራኤል ዘብጽሑ ነይሮም።
እቶም 1000 ዝዀኑ ወለንተኛታት ድሕሪ ደጊም፡ ካብታ ብሓማስ እትመሓደር ቃዛ ሕሙማት ክወስዱ ኣይክእሉን እዮም።
ኣርባዕተ ካብኣቶም ሞይቶም እዮም - ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝርከብ ከባቢኦም ኣቢሎም ኣብ ዝኣትውሉ እዋን’ዮም ተቐቲሎም።
ንሳቶም ድማ፡ ቪቭያን ሲልቨር ዝተባህለት ፍልጥቲ ተጣባቒት ሰላም፣ ኣዲ ዳጋን፣ ታሚ ሱችማንን ኤሊ ኦር-ጋድ እዮም።
ካልኦት ኣርባዕተ ወለንተኛታት ድማ ብ7 ጥቅምቲ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤቶም ስኢኖም’ዮም።
ያኤል፡ ወለዳ ኣብ ኣሉሚም ይነብሩ ከም ዝነበሩን ኣብታ ቁሸት ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ግን ከም ዝተመዛበሉን ትዛረብ።
ንሳ ግን ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል’ያ ትነብር።
ክልተ ደቂ ሓፍታ፡ ከም ኣካል ናይቲ ወተሃደራዊ ምላሽ እስራኤል ኣብ ቃዛ ክዋግኡ ጸኒሖም እዮም።
ድሕሪ 7 ጥቅምቲ ያኤል፡ ኣዝያ ከም ዝተናወፀት፡ ዳርጋ ከተስተንፍስ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ።
"ኣብ ልበይ ገለ ነገር ተሰይሩ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ቃዛ ምስ ዘለዉ ሰባት ኣይዘራረብን እየ ኢለ ነይረ" ትብል።
ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ግን እቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ስብእናኣ ክቕይር ክትፈቅድ ከም ዘይብላ ወሲና።
ንሳን መብዛሕትኦም እቶም ወለንተኛታትን፡ ሕክምና መንሽሮ፣ ንቕለ-ተኸላን ዳያሊሲስ ኩሊትን ዘድልዮም ፍልስጤማውያን ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ናብ ሆስፒታላት እስራኤል የብጽሑ።
ብዝተኻእላ መጠን ድማ ናብ ቃዛ ከይዳ ሕሙማት ከም እተምጽእ ትዛረብ።
ያኤል ሰብኣውነቶም ክትገፍፍ፡ ወይ ድማ ምስ ሓማስ ማዕረ ክትርእዮም ኣይትደልን።
"ከማና ግዳያት ሓማስ እዮም፡ ስለዚ ክንሕግዞም ዝግባእ ይመስለኒ፡ ምኽንያቱ ናቶም ጌጋ ኣይኰነን።"
"ንሓደ መንሽሮ ዘለዎ ህጻን ዘይምሕጋዝ ኣይንኽእልን ኢና። ጎረባብትና ሓገዝ የድልዮም እዩ፡ ስለዚ ክንሕግዞም ኣለና" ክትብል ውፍይቲ ምዃና ትዛረብ።
ክረምቲ እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ብዙሓት ኣባይቲ ብቦምባ ኣብ ዝዓነውሉ ኵነታት፡ ብዛዕባ ኣብ ቃዛ ዝርከቡ እትፈልጦም ስድራቤታት ከም ዘሻቕላ ኣይትሓብእን።
ወላዲ ናይ ሓደ ንቕለ-ተኸላ ዝተገብረሉ ወዲ 6 ዓመት ቆልዓ፡ "ጽቡቕ ኣለና። ኣብዚ ክንመውት ኢና" ብምባል ናብ ሓደ ካብቶም ወለንተኛታት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሰዲዱ’ዩ።
ያኤል ብዛዕባ ኦዴድ ሊፍሺትዝን ቻይም ፐሪን ዝተበሃሉ ክልተ ወለንተኛታት እውን ኣዝያ ከም እትሻቐል ትገልጽ፤ ንሳቶም እቶም ክሳዕ ሕዚ ብሓማስ ጅሆ ምስ ተተሓዙ እዮም።
ስምዒታ ዝተበታተነት ይመስላ። ነቲ ንሳ እትገብሮ ዘላ ብጽኑዕ ብምቅዋም ንሓማስ ትሕግዝ ኣላ ኢሎም ዝኸስሱ ገለ ኣኮታትን ደቂ ሓውቦታታን ኣለዉ።
ዝቃወምዋ ድማ ኣባላት ስድራቤታ ጥራይ ኣይኰኑን።
"ፍልስጤማውያን ሒዘ ብነቑጣታት መፈተሺ ክሓልፍ ከለኹ፡ ወተሃደራት እቲ ዝገብሮ ነገር ንምንታይ ይገብሮ ከም ዘለኹ ይሓቱኒ እዮም" ትብል። ካልኦት ሰባት እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ከም ዘልዕሉ ትዛረብ።
"ብዛዕባ ስቓይ ህፃናት ቃዛ ምዝራብ'ውን ሓደገኛ'ዩ - ሰባት ፀላኢ ከም ዝዀንኩ ይርእዩኒ" ትብል።
"ግን ንፍልስጤማውያን ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ፡ እስራኤላዊ ብምዃነይ ክሕበን ስለ ዝደሊ እየ ዝገብሮ ዘለኹ። እስራኤላዊ ኹን ፍልስጤማዊ፣ ኣይሁዳዊ ኹን ዓረብ፣ ሰባት ሰባት እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።"
ገለ ፍልስጤማውያን ስድራቤታት ከመይ ከምዘላ ይሓቱ’ዮም።
ነቶም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ፍልልይ ከፅብፅቡ ዝፍትኑ ውሑዳት ሰባት ግን ሕጂ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ከቢድ ኰይኑ ኣሎ።
"ዋላ እቶም ዓቃባውያን ዘይኰኑ ከይተረፉ 'ንቃዛ ክንድምስስ ኣለና' ይብሉ። ክልቲኦም ወገናት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣኽረርቲ እናዀኑ ይኸዱ ኣለዉ" ትብል ያኤል።
"ብሓቂ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን። ኩላትና ግን ገና ኣብዚ ከም እንነብር እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ፍታሕ ክንረክብ ኣለና።"
ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ገለ ካብቶም ወለንተኛታት እቲ ኲናት ክሳዕ ዝዝዛም ዝሓመሙ ሰባት ምብጻሕ ጠቕሊሎም ኣቋሪጾም ወይ ድማ ኣብ ክንድኡ ንዝተመዛበሉ እስራኤላውያን መድሃኒት ኣብ ምብጻሕ ከተኩሩ ወሲኖም እዮም።
ሕክምና ዘድልዮም ፍልስጤማውያን ናብቲ ንህይወቶም ዘድሕን ቆፀራኦም ዘብጽሑ ካልኦት ወለንተኛታት ግን ተተኪኦም ኣለዉ።
ያኤል፡ እቲ ትካል ስርሑ ንኽቕጽል ካብ ደገ ዓለም ደገፍ የድልዮ እዩ ትብል፡ ምኽንያቱ ካብ ውሽጢ እስራኤል ዝመጽእ ወፈያታት ዳርጋ ተቋሪጹ’ዩ።
እንተዀነ፡ ምስ ተኻእለ ግን ‘ሮድ ቱ ሪካቨሪ’ ካብ ቃዛ ዝሓመሙ ህጻናት ምምጻእ ከም ዝቕፅል ርግፀኛ እያ - ኩሎም ድማ ብህይወት ክተርፉ ተስፋ ትገብር።
"ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ደው ክነብል ኣይንኽእልን" ትብል።
"ተልእኾይ እዩ፡ ክገብሮ ድማ ኣለኒ።"