እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ ዕርቃኖም ኰይኖም ዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን ዘርኢ ቪድዮ ወጺኡ
ኣብ ከባቢ ካሃን ዩኑስን ሰሜን ቓዛን ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብእስራኤል ዝተኣስሩ ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ወጺኡ ኣሎ።
እዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ቢቢሲ ዘረጋገጾ ኰይኑ፡ ናይ ውሽጢ ክዳን ጥራይ ተኸዲኖም ኣብ መሬት ተንበርኪዀም ብወተሃደራት እስራኤል ክሕለው ዘርኢ’ዩ።
እዞም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ቤት ላህያ ከም ዝተኣሰሩ ይግመት። ቢቢሲ፡ ገለ ካብዚኦም ከም ዝተፈትሑ ሰሚዑ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ቪድዮ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ዝተኣስሩ ሰባት ኩሎም ኣብ ወተሃደራዊ ዕድመ ከም ዝርከቡን “ኣብቲ ቅድሚ ሰሙናት ሲቪላት ክወጽኡ ዝግብኦም ከባቢታት ከም ዝተረኽቡን” ገሊጹ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጽርግያ ተሰሪዖም፡ ጫማኦም ከውጽኡ ዝተነግሮም ይመስሉ። ወተሃደራት እስራኤልን ድሩዓት መኻይንን ድማ ኣብ ዙርይኦም ሓለዋ ክገብሩ ይርኣዩ።
ካልኦት ስእልታት ድማ ብወተሃደራዊ ናይ ጽዕነት መካይን ክውሰዱ የርእዩ። ማዕከናት ዜና እስራኤል እቶም ምሩኻት ኢዶም ዝሃቡ ተዋጋእቲ ሓማስ እዮም ብምባል ይገልጻ።
ካልእ ምስሊ - ክሳብ ሕጂ ብቢቢሲ ዘይተረጋገጸ - ዓይኖም ዝተሸፈነን ኣብ ሓደ ጉድጓድ ዝመስል ሑጻ ተንበርኪኾም የርኢ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብዛዕባ እቶም ምስልታት ብቐጥታ ርእይቶ ኣይሃቡን።
እንተዀነ ወሃቢ ቃል ዳንኤል ሃጋሪ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልን መኮንናት ሺን ቤትን ንኣማኢት ጥርጡራት ግብረሽበራ ኣሲሮምን መርሚሮምን” ኢሉ።
“መብዛሕትኦም ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ባዕሎም ንሓይልታትና ኢዶም ሂቦም'ዮም። ካብ መርመራ ዝርከብ ሓበሬታ ነቲ ውግእ ንምቕጻል ክንጥቀመሉ ኢና”።
ብዓርቢ ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል ኣይሎን ሌቪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝርከባ ጃባልያን ሸጃይያን ከም ዝተኣስሩን ብምግላጽ፡ እቲ ከባቢ “ዕርዲ ሓማስን ማእከላት ስሕበትን” ክብል ገሊጹዎ።
“ብዛዕባ ኣብ ወተሃደራዊ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ኢና ንዛረብ ዘለና፤ እዚኦም ድማ ቅድሚ ሰሙናት ሲቪላት ክወጽኡ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ዝተረኽቡ’ዮም” ኢሉ። ሌቪ ወሲኹ፡ “መን ኣባል ግብረሽበራዊ ሓማስ ምዃኑን ከም ዘይኰነን ንምፍላጥ" መርመራ ክግበረሎም ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።
እቶም ዝተኣስሩ ሰባት፡ ሓይልታት እስራኤል ምስ ሓማስ ብቐረባ ይዋግኡ ኣብ ዘለው ከባቢታት ከም ዝተረኽቡ ብምግላጽ፡ “ኰነ ኢሎም ሲቪል ተመሲሎም” ካብ ሲቪላዊ ህንጻታት ይንቀሳቐሱ ነይሮም ይብል።
ወኪል ኣል-ዓረብ ኣልጀዲድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ዝኾነ ፍሉጥ ፍልስጤማዊ ጋዜጠኛ ዲያ ኣል-ካህሉት ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እታ ማዕከን ዜና፡ ኣል-ካህልውት ምስ ኣሕዋቱ፡ ኣዝማዱን “ካልኦት ሲቪላትን” ብሓይልታት እስራኤል ኣብ ቤት ላህያ ከም ዝተኣሰረ ገሊጻ።
ኣል-ዓራቢ ኣል-ጀዲድ ነቲ ንኣል-ካህልውት “ዘዋርድ” ኢላ ዝገለጸቶ ማእሰርቲ ኰኒና።
ወተሃደራት ነቶም ሰባት ክዳውንቶም ከውጽኡ ከም ዘገድድዎምን፡ “ቅድሚ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታታት ምግዓዞም፡ ምስ ተኣስሩ ዘዋርድ ፍተሻን ኣተሓሕዛን ከም ዝፈጸሙ” ገሊጻ።
“ማሕበረሰብ ዓለም፡ ተሓለቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታትን ከምኡ'ውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነዚ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት እትፍጽሞ ዘላ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ክኹንኑ” ድማ ጸዊዓ።
ቢቢሲ ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣል-ካህሉት ሓበሬታ ንምርካብ ንሰራዊት ምክልኻል እስራአል ሓቲቱ’ሎ።