ኣብ ፅባሕ ግዝያዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኣብ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 200 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቃዛ፡ ኣብ ዝርከብ ካን ዩኒስ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር ምክያዳ ስዒቡ፡ ዛጊድ ኣስታት 200 ነበርቲ ከምዝተቐትሉ፡ ሓማስ ዝቆፃፀሮ ሚኒስትር ጥዕና ቓዛ ገሊፁ።

ኣብ ምብራቓዊ ከባቢታት እታ ከተማ ዝርከቡ ነበርቲ፡ ዝያዳ ናብ ደቡብ ክወጹ ብሰራዊት እስራኤል ተነጊርዎም ኣሎ።

እስራኤል፡ ገለ መራሕቲ ሓማስ ኣብታ ካብ ሰሜናዊ ኣንፈት ዝሃደሙ ሰላማውያን ሰባት ዘዕቐቡላ ከተማ ከምዘለዉ ትኣምን።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ማዕበል መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ብውሕዱ 193 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ብዓርቢ እዩ ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዳግማይ መጥቃዕቱ ጀሚሩ።

እዚ ድማ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመን ኣስታት 1200 ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ፡ ሕነ-ንምፍዳይ ዝዓለመ እዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጥኤመe፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 15,200 ሰባት ከምዝበጽሐ ይገልጽ።

ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ፡ ድሕሪ ምዝዛሙ እዩ፡ ዳግማይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብዓርቢ ጀሚሩ ዘሎ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ እቲ ዳግማይ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 400 "ዕላማታት ራዕዲ" ሓማስ ከምዝሃረመ ዕላዊ ገይሩ።

ውግእ ዳግማይ ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ካብ ቃዛ ናብ እስራኤል'ውን፡ ብቐጻሊ ሮኬታት ይትኮሳ ኣሎ።

እዚ ድማ ትማሊ ቐዳም ምሸት፡ ናብ ተልኣቪቭን ከባቢኣን ኣብ ከባቢ ማእከላይ እስራኤልን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ዝሓውስ’ዩ።

ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል፡ ኣብ ሆሎን - ካብ ተልኣቪቭ ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ- ንሓደ ኣብ ርእሱ ‘ቀሊል መጉዳእቲ’ ዝበፅሖ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ከምዘሐከመ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓማስ ክሳብ ዝጠፍእን፡ ኩሎም ጅሆ ዝተትሓዙ ክሳብ ዝልቀቑን፡ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ክቕጽል ምዃኑ ተሓኒዩ።

"ገና ፅኑዕ ኲናት ኣብ ቅድሜና ይፅበየና ኣሎ" ኢሉ።

ካን ዩኒስን፡ ኣብ ዶብ ግብጺ እትርከብ ከተማ ራፋሕን ገለ ካብተን ብኸቢድ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝተሃስያ ቦታታት ኮይነን፡ ቀፃሊ ምዕራፍ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ቃዛ ዘተኮረ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ዘመልክት እዩ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን፡ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ምዕራፍ እቲ ኲናት፡ ካብ ቀንዲ ዕላማ እስራኤል ዝነበረ መሬት ሰሜን ክሃድሙ ምስተሓበሮም፡ ኣብቲ ከባቢ ኣፅሊሎም ይርከቡ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል'ታ ሃገር ብቋንቋ ዓረብኛ፡ ሲቪላት ኣየኖት ከባቢታት ክወጹ ከምዘለዎም ዝሕብር ካርታታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምልጣፍ፡ ካብ ካን ዩኒስ ንምብራቕ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዘለዉ ሰባት ንደቡብ ዝያዳ ናብ መዕቆቢታት ራፋሕ ክወጹ መምርሒ ሂቡ፡ እዚ ድማ ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ከምዝጅመር ዘመልክት እዩ።

ድሕሪ ናይ ሰሙናት ውግእ ብድሩት ናውቲ ሕክምና ዝሰርሓ ሆስፒታላት ብጉዱኣት ተዋሒጠን፡ ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናስር ድማ ገለ ሕሙማት ኣብ መሬት ወዲቖም ክሕከሙ ተራእዮም።

ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝኾነት ሰሚራ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ካን ዩኒስ ካብ ዘሕለፍናዮም ዝኸፍኡ ለይትታት ሓንቲ እያ ነይራ... ናብ ካን ዩኒስ ከይኣትዉ ኣዚና ኢና ፈሪሕና" ኢላ።

ኣብ ካን ዩኒስ ዝርከብ ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ ጀምስ ኤልደር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቀንዲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ድሮ ሆስፒታላት ብጉድኣት መሊአን ከምዘለዋ ተዛሪቡ።

ትካል ግብረ ሰናይ ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ትማሊ ቀዳም፡ ካብ ግብጺ ናብ ቃዛ ክኣትዋ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ሓገዝ ከግዕዛ ከምዝተፈቕደለን ኣረጋጊጹ። ብዓርቢ ናብቲ ግዝኣት ዝኾነ ሰብኣዊ ቀረብ ኣይበጽሐን።

ካልእ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕን፡ እቶም ብ7 ጥቅምቲ ተጨውዮም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ንምልቃቕን ዝተኻየደ ዝርርብ ትማሊ ቀዳም ፈሺሉ ኣሎ።

ነቲ ዝርርብ ብቐረባ ዝከታተል ፍልስጤማዊ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ድርድር ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ ከምዘሎን፡ ሓድሽ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝኾነ ርክብ ይኹን ፈተነ ከምዘይተገብረን ገሊጹ።

እስራኤል፡ ኣብታ ከም መንጎኛ ኮይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ቀጠር፡ ኣባlኣት ኣገልግሎት ስለያ ሞሳድ ዝዀኑ ተላዘብታ፡ ከም እትስሕቦም ኣፍሊጣ።

ምክትል ሓላፊ ፖለቲካዊ ቢሮ ሓማስ ሳልሕ ኣል ኣሩሪ ብወገኑ፡ ትማሊ ቀደም ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሕጂ ዝኾነ ዝርርብ የለን" ብምባል፡ ድሕሪ ሕጂ እቲ ኲናት ክሳብ ዝውዳእ ምስ እስራኤል መምልውዋጠዕ እሱራት ከምዘይህሉ ገሊጹ።