እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ንሓደ መኰንን ዘድሓነ ኤርትራዊ “ጅግና” ብምባል መንበሪ ፍቓድ ሂባቶ
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ሞሸ ኣርቤል፡ ንሓደ ዝተወግአ መኰንን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንምድሓን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ኤርትራዊ ሙሉጌታ ጸጋይ፡ “ጅግና” ብምባል ትማሊ ሰንበት መንበሪ ፍቓድ እስራኤል ሂብዎ።
ጕጅለ ሓማስ፡ ብ7 ጥቅምቲ ንከተማ ስደሮት ኣብ ዘጥቅዓሉ እዋን፡ ነቲ ብሌተናል ኮሎኔል ‘ዋይ’ ጥራይ ዝጽዋዕ መኰንን፡ ብጥይት ከምዝሃርሞዎ ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣቃሊሐን።
ኣብቲ እዋን ሙሉጌታ ጸጋይ፡ ታክሲ ወሲዱ ንገዛኡ ይኸይድ ከምዝነበረን፡ ነቲ ኣብ ከብዱ ተሃሪሙ ኣብ ዕውለት ኣትዩ ዝነበረ እስራኤላዊ መኰንን ካብ ታክሲ ወሪዱ ቀዳማይ ረድኤት ከምዝገበረሉ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ዝተኸታተለ ኣቦወንበር ማሕበር ሓድሽ ተስፋ ኤርትራውያን ኣቶ ብርሃነ ነጋሲ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ፡ እቲ ብጥይት ዝተሃረመ ኮሎኔል ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ፡ ሙሉጌታ ኣብ ልዕሊኡ ኰይኑ ነቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደሙ ደው ከብሎ ክቓለስ ተዓዚቡዎ።
ሙሉጌታ፡ ነቲ ኮሎኔል “ኣጆኻ! ክሳብ መወዳእታ ምሳኻ ኣለኹ" ኢሉ ዘረጋገኦ ዀይኑ፡ ኣብቲ ቦታ ንኽልተ ሰዓታት ተሓቢኦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካልእ ዜጋ ንኽልቲኦም ኣብ መኪናኡ ሰቒሉ ናብ ሆስፒታል ወሰዶም።
እቲ ወተሃደር ካብ ሆስፒታል ምስ ወጽአ ነቲ ህይወቱ ዘድሓነ ከመስግኖ ዝሓተተ ዀይኑ፡ ንጉዳይ ሙሉጌታ ጸጋይ ንምፍታሕ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክሕግዞ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ነዚ ዝሰምዐ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ሞሸ ኣርቤል፡ በቲ ዛንታ ተተንኪፉ፡ ንሙልጌታ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ሂብዎ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ሞሸ ኣርቤል፡ "7 ጥቅምቲ ንመላእ ሃገር ዝተንከፈ ዕንወት እዩ ነይሩ። ህይወት ሓደ መኰንን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንምድሓን፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ንዘእተወ ሰብ፡ ምስጋና ንምግላጽ ክንገብሮ ንኽእል፡ ኣብዚ ብኽብሪ ክነብር ዕድል ምሃብ'ዩ፡" ክብል ነቲ ኤርትራዊ መጕስዎ።
ኣብ እስራኤል ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጠ ኣቶ ብርሃነ ነጋሲ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ከምዚ ዓይነት ፀላዊ ዛንታ ንዅሉ ሰብ ከመዘሐጕስ ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኤርትራውያን ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃስዩ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኸውን ክዳውንቲ፣ ማይን ካልእ ኣገደስቲ ቀረባትን ኣኪቦም ከምዝሓገዙ ኣዘኻኺሩ።
ዕጡቓት ሓማስ ካብ ውሽመጥ ቓዛ ተበጊሶም ብባሕሪ፣ ምድርን ኣየርን ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 1400 እስራኤላውያን ቀቲሎም፤ ከባቢ 240 ካልኦት ጅሆ ሒዞም ከምዝወሰዱን ይግለፅ።
እስራኤል ኣብ ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ድማ፡ ብውሕዱ 13000 ፍልስጤማውያን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተቐቲሎም፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ቈሲሎም ኣለው።
እቲ ካብ መጀመርታ ሰሙን ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ዝጀመረ ግጭት እስራኤልን ሓማስን፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጸልዩዎም ይርከብ።
ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዶብ ቓዛ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝነበሩ ኤርትራውያን ግዳያት ምምዝባልን መጥቃዕትን ከምዝዀኑ ይዝረብ።
ኣብ እስራኤል ልዕሊ 18 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለው ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ካብቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት፡ ብመንግስቲ እስራኤል ኣፍልጦ ዝረኸቡ ትሕቲ 1 ሚኢታዊት ጥራይ እዮም።
ኣብ እስራኤል መንበሪ ፍቓድን ዜግነትን ንኽትረከብ ኣጸጋሚ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።